SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ Odcinki: 1423

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au

Autor

SBS

Kategoria

News

Strona podcastu

www.sbs.com.au

Ostatni odcinek

22 paź 2026

Gdzie słuchać?

Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótce

Podcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów

Pobierz z Google Play Zainstaluj za darmo Android prawie 10 mln pobrań · ocena 4,8 iOS niedługo

Odcinki

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (16 ሓምለ 2026) 16.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ጀሚራ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ለበዳ ኢቦላ ናብ 2000 መልከፍቲ በጺሑ ። ኣርጀንቲና ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር እንግሊዝ ገጢማ 2ብ1 ብምዕዋት ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ በጺሓ ።

ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። (ጸብጻብ) 15.07.2026

ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ክካየድ ጀሚሩ; ወከልቲ ትግራይ ኣብቲ 'ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ' ዝተባህለሉ ዘተ ከይተሳተፉ ተሪፎም። ሓንቲ ኮሚሽነር እቲ ሃገራዊ ዘተ ድማ ብፍቓዳ ሓላፍነት ክትለቅቕ ከላ ፤ ውድብ ኢሕአፓን ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ 'ፅላልን' ብወገኖም ኣብ መፈለምታ መዓልቲ እቲ ሃገራዊ ዘተ ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለዉ። ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ተካይድ ኣላ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መቐለ ዑደት ኣሳሊጡ። ኣብ ኤርትራ ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ...

ብዕድመ ዝኣረጉ ሰባት ዝመልእዎ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: 15.07.2026

እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኣመሪካ ኮንግረስ ፡ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ዓበይቲ ዝመልእዎ ኮይኑ ፡ እቶም ኣብ ኡ ዘለዉ ዝነውሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ይርከብዎ ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፡ ሊንድሰይ ግራሃምን ምማቱን ሚች ማኮነልን ድማ ኣብ ሆስፒታል ምናዩን፡ እቲ ብዛዕባ ደረት ዕድመ ንኮንግረስ ዝግበር ክትዕ ተበራቢሩ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሓምለ 2026) 14.07.2026

***ኮንጎ ፡ ነቲ ብ15 ግንቦት ንፈለማ ግዜ ከምዝተራእየ እተነግረ ፡ ክሳዕ ሕጂ ሕክምናን ክታበትን ዘይተረኽቦ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ኢቦላ ብቐጻሊ ትቃለሶ ኣላ ። ***ዶናልድ ትራምፕ ብ ሆርሙዝ ኣብ ዝሓልፋ መራኽብ 20 ሚእታዊ ከኽፍለን ዝወጠኖ ሰሪዝዎ። *** ስጳኛ ንፈረንሳ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማ ክልተ ብባዶ ድሕሪ ምርትዓ ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ ።

What are the rules for taking photos in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ስእሊ ንምስኣል እንታይ ሕግታት'ዮም ዘለዉ? 14.07.2026

Whether you’re new to taking photographs, a social media content creator or a professional photographer, it’s important to be aware of where you can and can’t take photographs. Here’s what to consider before you take that perfect photograph, legally. - ፎቶግራፍ ክትወስድ ወይ ስእሊ ክትስእል ሓድሽ ኩን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝኸውን ትስእሉ ወይ ክኢላ ሰኣልቲ እንተኾይንኩም፡ ኣበይ ክትስእል ከም እትኽእልን ስእሊ ክትወስድ ከም ትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ፎቶግራፍ ቅድሚ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሓምለ 2026) 14.07.2026

***ላዕለዋይ ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጻኢ ሆርሙዝ ኣብ ምውሳን ግደ ከም ዘይብላን ኣብቲ ናይቲ መጻብቦ ኵነታት ጣልቃ ክትኣቱ ከም ዘየፍቀድን ገሊጹ። *** ልዕሊ 120 ስድራቤታት ብሰራሕተኛ ቻይልድ ኬር ግዳያት ምዃኖም እተፈልጡ ከምዘዛረበ ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ። *** ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝጽበዮም ዘሎ ይከታተሎ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኣርጀንቲናን ኢንግላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 13.07.2026

ካብተን ኣብዚ ዋንጫ ዓለም 2026 እተሳተፋ 48 ጋንታታት ፡ እተን ኣርባዕተ ጥራይ ተሪፈን ኣለዋ ፣ ኣብ መወዳእታ ውድድር ዋንጫ ዓለም ድማ ፡ ፈረንሳ ፡ ስጳኛ ፡ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ኮይነን ኣለዋ ። እቲ ውድድር ፡ቅድሚ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ረቡዕ ምጅማሩ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዱ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ናብዚ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ዝርከብ ክቡር ቦታ ብኸመይ ከም ዝበጽሀት እስከ ንርአ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 መበል 32 መዓልቲ እዩ ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሓምለ 2026) 13.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣመሪካን ኢራንን ፡ ብከቢድ ሚሳይላትን ድሮንን ተታዂሰን። ቻይና ኣብ ፓሲፊክ እተካይዶ ዘላ ፈተነ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለዎ ሚሳይል ፡ መሻርኽቲ ኣውስትራልያ ኣብ ጸጥታ ብሓባር ደው ንኽብሉ ደሪኹ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ረቡዕ ንግሆ [15 ሓምለ] ዝጅምር ኮይኑ ፡ ፈረንሳ ኣንጻር ስጳኛ፡ ሓሙስ ድማ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ክገጥማ እየን ።

እንግላንድ ብበሊንግሃም ዝተረኽባ ሸቶታት፡ ኣርጀንቲና ድማ ንስዊዘርላንድ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም 2026 ሓሊፈን። 12.07.2026

እንግሊዝ ድሕሪ ካልእ ብሉጻት ሸቶታት ናይ ጁድ ቢንግሃም ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ፡ ኣርጀንቲና ድማ ነታ 10-ተጻወቲ ሒዛ ዝተረፈት ስዊዘርላንድ ብምስዓር ናይ ዋንጫ ዓለም ምርኩስ ብምግባር ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ ኣላ ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መን'ዩ - መጻእቲ፧ ወረቐት ዘይብሎም፧ ወጻእተኛታት፧ እቲ ምኽንያት ከ፧ 12.07.2026

ኣወሃሃድቲ ኣድማ፣ ኣንጻር ወረቐት ዘይብሎም መጻእቲ ኢና ንቃወም ዘለና ይብሉ፣ እንተኾነ ግን ገሊኦም ካልኦት ምኽንያታት’ውን ከላግብሎም ደልዮም ከስፍሕዎ ይደልዩ።

ህወሓት፥ "ምስ ኤርትራን ሱዳንን ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።" ንዝብል ክሲ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነፂጉ። (ጸብጻብ) 12.07.2026

ኮለጅ ስነ ፍልጠት ማይ ነፍሒ ከምህሮም ዝጸንሐ 300 ተመሃሮ ብመዓርግ ቀዳማይ ዲግሪ ኣመሪቑ። ብሪጣንያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ገሊጻ። ኤርትራ፡ ንምስሳን መሬትን ኣከባብን ዝውዕል ናይ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ። ኡጋንዳ ብጉዳይ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምዃና ኣፍሊጣ። ኢትዮጵያ ጥራይ ዝርከብ ብሕታዊ እንስሳ ዋሊያ አይበክስ ቁፅሪ ዓሌቱ ኣንቆልቊሉ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ቤት ፍርዲ ሱዳን ንጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ዝርከቡዎም 16 መራሕቲ ሓይሊ ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሞት ፈሪዱ።

ቀጥታ ምሉእ SBS ትሕዝቶ ትግርኛ ፖድካስት (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 9 ሓምለ 2026 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ እዩ፥

ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። 09.07.2026

ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 2022 ቐጠር ኣብዝተገብረ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ፈረንሳ ስዒራ ኔራ። ሞሮኮ ሕነኣ ትፈዲ ዶ ትኸውን ወይስ ፈረንሳ ነቲ ዓወት ክትደግሞ እያ ? እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 28 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ዴንማርክ ንግሪንላንድ ካብ ወረራ ኣመሪካ ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ተልስትራ ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መርበቡ ከምዝተዓረየ ገሊጹ። እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምቁራጽ መርበብ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ሞባይል ፡ ስርዓተ መጓዓዝያ ባቡርን ገለ ናይ ትሪፕል ዜሮ ምድዋልን ተዓናቒፉ ዊዒሉ እዩ። ኣርጀንቲና ኣንጻር ግብጺ ገጢማ ምስሰዓረትን ስዊዘርላንድ ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረትን ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጠን።

ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 08.07.2026

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ዝተሸለምዎ 50 ሽሕ ዶላር ግዳያት ኲናት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣበርኪቶም። ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ኣብ መንበሪ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ጥይት ተኲሶም ንዝበሎም ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ። ኤርትራ ንዕኣ ዒላማ ንዝገበረ መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፋ። ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ እትርከብ ስትራቴጂካዊት ዶባዊት ከተማ ኩርሙክ ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸራ ገሊጹ።

"ብራዚል ኣይግድን...፣ ኬፕ ቨርደ ግን መቐረት ፈጢሮምን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ከምዘይኮነ ኣመስኪሮምን፣" ትንተና ዋንጫ ዓለም ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 08.07.2026

ክቡራት ሰማዕትና፣ ከመይ ትኾኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይ)፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘአንግድኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዚ ዋንጫ ዓለም ዘይትጽቢታዊ ውጽኢታት ብፍላይ ድማ ጀርመንን ነዘርላንድስን ኣብ ዙር 32 ተገሊፈን ዘሰንብድ ውጽኢት ክርከበሉ’ንከሎ፣ ተኣምራታዊ ብቕዓትን ውጽኢትን ኬፕ ቨርደ ዝደመቐሉን ኔሩ። ተስፋ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮን ግብጽን ክወድቕ’ንከሎ ኮትዲቯርን ሰነጋልን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢት ኣመዝጊበን ንዓደን ዝተመልሳሉ ኮይኑ። ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም...

ኣርጀንቲናን ስዊዘርላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፈን። 08.07.2026

ኣርጀንቲና ኣደናቒ ውጽኢት ኣንጻር ግብጺ ምስረኸበትን ስዊዘርላንድን ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረት ሎሚ ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ተፈሊጠን። እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 27 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።

Bonus Practice: #114 Talking about the Census and data security (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS : #114 Talking about the Census and data security (Med) 08.07.2026

Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. - Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English . - Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English .

"ኣይኰነንዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና) 08.07.2026

** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ፡ ካብ ሎሚ [ረቡዕ 8 ሓምለ] ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ይበጽሕ ኣሎ... ** ኣብ ብዙሓት ክፋላት ኣውስትራሊያ ፡ መራኸቢ ተለስትራ ኣቋሪጹ... ** "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

2026 Census: What you need to know to ensure you’re counted - መጽናዕቲ ህዝቢ (Census) 2026 : ከም ተቖጸርኩም ንምርግጋጽ ክትገብርዎ ዝግባእ ነገራት፡ 07.07.2026

The 2026 Census is on Tuesday 11 August and every person in Australia on this night must be counted. Census data is used to understand where we live, the languages we use at home (including Auslan), the support we need and how Australia is changing as a nation. Being counted helps ensure your community, culture and beliefs are represented. Here’s what you need to know about completing the Census f...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሓምለ 2026) 07.07.2026

** ሰልፊ ጥምረትን መንግስትን ነቲ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ኮኒኖምዎ ... ** ኣብ ስሪላንካ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብእተላዕለ ናዕቢ ፡ሽዱሽተ ሓለውቲ ዝርከብዎም ዕስራን ሓሙሽተን ሰባት ተቐቲሎም ... ** ስጳኛ ንፖርቹጋል ብምስዓር ካብ 2010 ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዓወተትሉ ንደሓር ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ እያ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (6 ሓምለ 2026) 06.07.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ምሉእ ትሕዝቶ ዜና፡ ትንታነ፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትት፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፦

ኖርወይ ንብራዚል ኣምበርኪኻታ፡ ሕልሚ መክሲኮ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ተበቲኑ። 06.07.2026

ነርወይ ነታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ግዜ ሻምፕዮን ንዝኾነት ብራዚል ብምስዓር ኣብ ርብዒ ፍጻመ ቦታኣ ሒዛ ። ካብ ኣአንገዲቲ ሃገራት ዝኾነት ሜክሲኮ "ውን ኣብ ሜዳኣ ኣብ ቅድሚ ኣሻሓት ደገፍታ ብ እንግሊዝ 3-2 ድሕሪ ምስዓራ ካብቲ ውድድር ወጺኣ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 25 መዓልቲ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሓምለ 2026) 06.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ብሰንኪቲ ኣብ ቨንዙወላ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ጕድኣት ፡ 9.65 ቢልዮን [6.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሚቱ ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ኣመሪካ መዓልቲ ናጽነት መልእኽቱ ነቲ ወትሩ ዝደግሞ ቃል ኮሚኒዝም መንሽሮ ምዃኑ ገሊጹ። ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተገብረ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ነርወይ ፡ ብብሉጽ ተጻዋታያ ኤርንሊ ሃላንድ ተመሪሓ ንብራዚል ፡ ብዘደንቕ መገዲ 2ብ1 ስዒራታ ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። (ጸብጻብ) 05.07.2026

ኤርትራ ኮለጅ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ዘምሃሮም 1,018 ተመሃሮ ብዲግርን ዲፕሎማን ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምህሮም ዝፀንሐ 2931 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። ኤርትራ፣ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ዙርያ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትዛረብ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ። ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝፈጸም ግዱድ ወታደራዊ ምልመላ ተቓዊሙ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፈርዶም ይጽበዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳ...

Słuchaj podcastu SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ w Replaio

Radio i podcasty w jednej aplikacji - za darmo, bez zakładania konta. Zainstaluj już dziś i nie przegap premiery

Pobierz z Google Play

Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS