SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
"ካብ ዓደይ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ'ዩ ኮይኑ፡ ንትግራይ ግና ብዝኾነት ሃገር ክልውጣ ኣይክእል እየ፣" ን 40 ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ። 13.08.2026 35:48
ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026) 13.08.2026 9:44
ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ጽሩይ /ነት ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ 180,000 ክዉሕድ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ርእይቶ ካብ ብጾቱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣይረኸበን ። ካብ ባሊ ናብ ሎሞቦክ ኣብ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምንዳዳ ክልተ ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 211 ሰባት ድሒኖም ። ሊዮነል መሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦኡ ድሕሪ ምማቱ፡ ምጽዋት ኲዕሶ እግሪ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝጠራጠር ገሊጹ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ) 12.08.2026 10:59
ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ። ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ነሓሰ 2026) 12.08.2026 4:38
** ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ቀሪበን ኣለዋ ክትብል ፓኪስታን ኣፍሊጣ ... ** ትማሊ ኣብዝተገብረ መጽናዕቲ ህዝቢ ዘይመል ኡ ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ... ** ኣብ ታሪኽ ሂፕ-ሆፕ ሓደ ካብቲ ዘይተፈትሐ ምስጢር ቅትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ይምርመር ኣሎ ።...
Can you pick fruit from someone's garden? - ካብ ናይ ሰብ ግራት ፍረታት ምውሳድ ይከኣል ዶ? 11.08.2026 8:18
Walking through an Australian suburb, you might spot everything from curry leaves and lemons to tomatoes and herbs growing in front gardens or on verges. But is it legal to pick it? This guide explains when it's legal to pick produce, why permission matters, and how community gardens offer another way to grow your own food. - ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኽትዛወር ከለኻ ፡ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ከባቢኻ ስፍራ ኣታኽልቲ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርናኛ (11 ነሓሰ 2026) 11.08.2026 3:36
** ኣብ ኮሎምቢያ ድሕሪ አጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድልያ ህልዋት ይቕጽል ኣሎ። ** ሎሚ ኣብ ዝግበረ መጽናዕቲ ህዝቢ፡ ንሓለዋ ሓበሬታ ዝምልከት መንግስቲ መረጋገጺሂቡ... ** ጃፓን ምውሳኽ ንምክልኻል እተውጽኦ ወጻኢታትን ነቲ ሰላማዊ ሕገ መንግስታ ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቕስ ዝቃወም ኣብ ቶክዮ ሰልፍታት ተቓዉሞ ተገይሩ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026) 10.08.2026 49:43
ንሎሚ 10 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜን SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026) 10.08.2026 8:23
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራባዊ ሳብበርብታት ናይ መልበርን ሓደ በዓል ድኳን ድሕሪ ምማቱ ማሕበረሰባዊ ድሕንነት ንምብራኽ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ መንግስቲ ቪክቶሪያ ገሊጹ ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀድ ቫንስ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ምስ ኢራን እተገብረ ዝርርባት እተወሰነ ዕቤት ከም ዝገበረ ገሊጹ ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዚርከቡ ኵሎም ሰባት ፡ ጽባሕ ለይቲ [ሰሉስ] ኣብ ሃገራዊ ቘጸራ ህዝቢ ኽካፈሉ ተማሕጺኑ ።
ኤርትራ፡ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። (ጸብጻብ) 09.08.2026 9:39
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ናይ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ብዝርርብ ፍታሕ ክረኽቡ ጸዊዑ። ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ታሪኻ ኣብ መበል 75 ውድድር ወይዘሪት ዓለም ትሳተፍ ከም ዘላ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ ከተማ ሸራሮ ፕላን ዕብየት 10 ዓመት እታ ከተማ ኣፅድቑ። ኤርትራ ኣብ ልኡላውነት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ዝተሰረተ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። ዘፈር ዕደና ኢትዮጵያ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝረኸ ሚኒስቴር ዕደና ኣፍሊጡ።
ንኣውስትራልያ ከ ከም ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ድዩ፧ 09.08.2026 6:19
ክፋላት ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምና ክብረወሰናት ብዝሓማሸሹ ሙቐታት ተሾሊቖም ኣብ ዝሃለውሉ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ'ዚ ዝሑል ወቕቲ ክረምቲ (ዊንተር) እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ትገብር፧
ንምንታይ ዋጋ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ጎዲሉ፧ ዝርርብ ምስ ኪኢላ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ 09.08.2026 9:08
ኣብ ኣወስትራልያ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ይቕንስ ኣሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ምጉዳል ዋጋ ኣባይቲ ብምንታይ ምኽንያት’ዩ፧ ገለ ዓደግቲ ገዛ ተወሳኺ ምጉዳል እንተመጸ ብምሕሳብ እቲ ናይ ምዕዳግ ገዛ መደቦም ዘደንጉዩ ኣለዉ፡ ኣብዚ እንታይ ምኽሪ እዩ ዘሎ? ንዝብሉን ካልእ ምስ ዕዳጋ ገዛ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ክምልስ ልኡኽና ሃይሉ ሳህለ ንበዓል ሞያ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ ሓቲቱ ዘዋደዶ መደብ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026) 06.08.2026 50:23
ንሎሚ 06 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026) 06.08.2026 10:50
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፡ብኣማእታት ዝቝጸራ መራኽብ ተኸርዲነን ኣብዘለዋሉ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዘገምታ ንቕድሚት ይስጕም ኣሎ ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣየር ኢንዲያ ኰይኑ ። ልዕሊ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከቢድ ናይ መግቢ ጸገም የጋጥሞ ከም ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም [WFP] ገሊጹ ።
ንሕብረት ኣውሮጳ ዘጨነቐ ማዕበል ስደተኛታት 05.08.2026 9:53
ስጳኛ ኣብ ስደተኛታት ሳይቱ ዝገበረቶ ኣተሓሕዛ ሕብረት ኣውሮጳዊ ሞጒሱ ። እዚ ዝኾነ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞሮኮ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ከተማ ስጳኛ ብማዕበል ዝሰግሩ ስደተኛታት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ፍልሰት እታ ኣህጉር ዝምልከት ክትዕ ኣልዒሉ ይርከብ ። ሰበ ስልጣን ስጳኛ ፡ ካብቶም ኣስታት 72,000 ዝዀኑ ሰባት ናብ ሳይቱ ዝተሳገሩ ፡ 70,000 ናብ ሞሮኮ ከምዝተመልሱ ገሊጾም እዮም ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ መርበባት ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጻዊዒት ቀሪቡ ኣሎ ።
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻትላ። (ጸብጻብ) 05.08.2026 8:41
ምምሕዳር ትግራይ ምስ ተፃረርቲ ሓይልታት ዝወገኑ መናእሰይን ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱ ዘኽእል ሓዱሽ መምርሒ ኣውፂኡ። ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንካልኣይ ግዜ ኣረጋጊጻ። ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ፖለቲከኛታትን ሓደ ጠበቓ ሕግን ምስ ህወሓት፣ ፅምዶን ሽበራን ዝተኣሳሰረ ክሲ ከም ዝመስረተ ተገሊጹ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ" ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ተወልደ ገብረማርያም ሓዱሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክሳራ ንዝርከብ መንገዲ ኣየር ህንዲ ክመርሕ ተመዚዙ። ግብጺ ኢትዮጵ...
What are my rights if stopped by police in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ደው እንተቢሉኒ መሰለይ እንታይ እዩ? 05.08.2026 9:00
Police officers have a range of operational powers they can exercise under legislation, including to ask questions, give ‘move on’ directions and conduct searches. Here’s what you need to know about your basic rights and obligations in a police interaction. - ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝተዋፈሩ እዋን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ስልጣናት ኣለውዎም ፤ ከም ሕቶታት ምሕታት ፤ ' ኣንፈት ጉዕዞ ምቕያር ከምኡ 'ውን መርመራታት ምግባር የጠቓልል ። ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ኣብትገብሮ ምግዋር ዘለካ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ነሃሰ 2026) 04.08.2026 4:40
** ኢራንን ዖማንን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋት ኣብ ግበር ዘሎ ጻዕሪ ፡ ምዕባለታት ይገብራ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ ። ** ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘምርሕ" ከይከውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣጠንቂቑ። ** ልዕሊ 170 ስደተኛታት ብ መትረብ እንግሊዝ እናሳገሩ ጃልባኦም ድሕሪ ምንዳዳ ካብ ሞት ድሒኖም ።
How to answer the 2026 Census English proficiency question | Bonus episode - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS: ኣብ እዋን ምምላእ ቆጸራ ህዝቢ 2026፡ ብዛዕባ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝቐርብ ሕቶ ብኸመይ ንምልሶ? 04.08.2026 12:39
How do you choose between "not well", "well" and "very well" when the Census asks about your English? Honorary Professor Lynda Yates explains what these answers mean in everyday life, why perfect grammar isn't the goal, and how to assess your English with confidence. - ቈጸራ ህዝቢ ብዛዕባ ክእለካ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝሓትተሉ እዋን ፡ ካብ "ኣይክንድትን" "ጽቡቕ" ወይ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ኣየናይ ኢኻ እትመርጽ ? ናይ ክብሪ ፕሮፌሰር ልንዳ ዪትስ እዚ መልስታት እዚ ኣብ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (04 ነሓሰ 2026) 03.08.2026 5:49
** ኣብ መዘናግዒ ቦታ ጸሊም ባሕሪ ናይ ሩሲያ ብምጥቃዕቲ ድሮን ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ... ** ኩባኒያታት ኣራታዕቲ ኣብ ጸገም ወልፊ ንዘለዉ ተጣላዕቲ ሓሽሽ ምሃቦም ተኸሲሶም ... ** ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከብ ግዝኣት ሴኩታ ስጳኛ ድሕሪ ምስጋሮም ሎሚ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ክገብሩ እዮም ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026) 03.08.2026 53:07
ንሎሚ 03 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜናታት SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026) 03.08.2026 8:39
ኣርእስታት ዜና፥ እቲ መንግስቲ ገይርዎ ዝጸንሐ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ልዕሊይ ነዳዲ ኣብቂዑ ። እዚ ማለት ዋጋ ነዳዲ ብ17 ሳንቲም ኣብ ሊትሮ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር ። ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክፍጸም ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕትታት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ ፣ እቲ ፊፋ ንውልቀ ኢንቨስተራት ናይ ዋንጫ ዓለም ብርኪታት ንምሻጥ ዘውጽኦ ውጥን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ።
ፊፋ ንዋንጫ ዓለም ናብ ውልቃዊ ዋንነት ከሰጋግሮ ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ 02.08.2026 8:47
ፊፋ ምስግጋር ናብ ውልቃዊ ዋንነት ዋንጫ ዓለም ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ። ፊፋ 20% ብርኪ ወይ ዋንነት ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዝሸይጥ ንግዳዊ ኢድ ወይ ጨንፈር ከቕውም እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ።
ወከልቲ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝባን ሑፃ ርክባት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 02.08.2026 4:43
ወከልቲ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝባን ሑፃ ርክባት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ። ኣብ ሸረሪና መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ተወሊዑ ዝነበረ ውግእ ደው ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። 8ይ ዋዕላ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ተዛዚሙ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሓምለ 2026) 30.07.2026 44:31
ንሎሚ 30 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (30 ሓምለ 2026) 30.07.2026 8:42
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ዓሰርተ ሓደ ኣዕዋፍ ሕማም ሰዓል ኣዕዋፍ H5 ሕማምስ ዘለዎም ድሕሪ ምርካቦም ፡ ዝያዳ እተጠርጠሩ ሕሙማት ኣዕዋፍ ከምዘለዉ ተፈሊጦም ። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ባርዕ ዱር፡ እናገደደ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፣ ኣብ ግሪኽ ፡ ሰለስተ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ምቅላስ ባርዕ እናሃለዉ ተቐቲሎም ። ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዚናዲን ዚዳን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክኸውን ሸይምዎ ኣሎ ።
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS