SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
ዕለትዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2024) 19.11.2024 5:22
ሩስያን ኣመሪካን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ከም ዘጋደዳኦ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ ። ሓደ ትካል ዕደና ኣውስትራሊያ ን መንግስቲ ማሊ 160 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ። ውድድር ቁንጅና ዓለም ሜክሲኮ ንደንማርክ ዝወከለት ቆንጆ ዩኒቨርስ ኮይና ቀዳመይቲ ወጺኣ።
ኣውስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትቕበሎም ዘላ ስደተኛታት ብዝሖምን ዝወስዶ ንውሓት ግዜ ንምንታይን ብኸመይን፧ ምስ ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ 18.11.2024 14:56
ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካል ኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ።
"ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ናብ ምዕራባዊ ሃገራት ናብ ቦትስዋና እንተዝጥምታ ምሓሸን።" ዮሃንስ በራኺ 18.11.2024 20:50
ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስ...
ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ 17.11.2024 8:10
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/11/2024) * መበል 24 ዓለም ለኸ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ተኻይዱ ኣሳየች ኣይቸው ብደቀንስትዮ ክትዕወት'ንከላ ቢንያም መሓሪ ብደቀተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣትለቲክስ ዓለም ንስልማት መጻኢት ኮኾብ ኣትሌት 2024 ኣብ ፍጻመ ዝበጽሓ ሰለስተ ኣትሌታት ስመን ዘርጊሑ፣ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ኣትሌት ሰምቦ ኣለማየሁ ሓንቲ ካብአን ኮይና፣ * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2-0 ተሳዒራ፣ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣኽቲሙ፣
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ጽዑቕ ግፋ የጋጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ። 17.11.2024 6:47
ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ሰላም ንምስፋን ዝግበር ጻዕርታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ሓለፍቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዓሚቕ ዘተ ዓካይዱ ተባሂሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ክተወጽእ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ንኣልሸባብ ምውጋእ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ።
This community faces unemployment like no other - ከም'ዚ ማሕበረሰብ ገይሩ ሽቕለተ ኣልቦነት ዘጋጥሞ ካልእ የለን 14.11.2024 7:08
The unemployment rate for the Dinka community in Australia is almost double the national average. - ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ኣብ ማሕበረሰብ ዲንካ ካብ'ቲ ማእከላይ ሃገራዊ መጠን ዳርጋ ዕጽፊ'ዩ።
“ቦትስዋና ንፖለቲካ ከም ኩዕሶ እግሪ’ዮም ዝርእይዎ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ጽልኢ ዝበሃል የብሎምን።” ዮሃንስ በራኺ 14.11.2024 24:22
ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኣብ ከም በዓል ሞዛምቢክ፡ ሞሪሺየሽን ቦትስዋናን ምርጫ ተገይሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (14 ሕዳር 2024) 14.11.2024 55:32
ንሎሚ ሓሙስ 14 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ፡ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስ...
ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ። 13.11.2024 6:00
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2024) 12.11.2024 6:02
ን ሎሚ 13 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ብ ብዝሒ ስደተኛታት ክጥርዝን ፡ ፖሊሲታት ትምህርቲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝቕይርን ተፈሊጡ ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማት “ኤደልስታም” ተሸሊሙ። ኣብ መላእ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ነርሳትን መሕረስቲን 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ብምሕታት ካብ ስርሖም ብምውጻእ ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ገይሮም ።
Finding a bank account that works hard for you - ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ 12.11.2024 11:37
If you have a job, receive government benefits or want to pay your bills easily you’ll need a bank account. You may even need more than one. To join the 20 million customers who hold Australian bank accounts, take some time to find one that best suits your needs. - ስራሕ እንተሃልይኩም፡ መንግስታዊ ኣበላት (ሓገዛት) ትቕበሉ ወይ ሕሳባትኩም ብቐሊሉ ክትከፍሉ እንተደሊኹም ናይ ባንክ ሕሳብ (ባንክ ኣካውንት) ከድልየኩም'ዩ። ምናልባት'ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ከድልየኩም ይኽእል'ዩ።...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሕዳር 2024) 12.11.2024 6:25
ናይ ሰሉስ 12 ሕዳር 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም፡ ዓመተ 2024 ኣብ መዝገብ ዝሞቐት ዓመት ክትከውን ኣብ መስመር ኣላ ክብል ገሊጹ፣ * ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣብ ኣዘርባይጃን ይካየዱ'ለዉ፣ ኣውስትራልያ ብሚኒስተር ለውጢ ክሊማ ክሪስ ቦወን ዝምራሕ ልኡኽ ትሳተፍ፡ * ሓይልታት እስራኤል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት ታንክታት ተኹሲ እናኸፈታ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዉሑዱ 30 ሰባት ቀቲሎም፣ * ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደይቪድ ኩት ንሊቨርፑልን ናይ ቀደም ኣሰልጣኒኦም የርገን ክሎፕን እናተጻረፈ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ...
ጸብጻብ ኤርትራዊ ባህሊ ካርኒቫል (ኣልዋን) ኣብ መልበርን፡ 11.11.2024 18:25
ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ከም ስነጥበበኛታት ሚካኤል ኣዶናይ ስዒድ ዓብደላን ወልደየሱስ ማንጁስን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበበኛታት ኣብቲ እዋን ተሸሊሞም። ዝተፈላዩ ድምጻውያን ዝተሳተፍ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2024) 11.11.2024 51:49
ንሎሚ ሰኑይ 11 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራ...
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣ ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ 10.11.2024 10:15
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/11/2024) * ጸሃይ ገመቹ ጥሕሰት ድንፋዐ ደምን ብቕዓትን ፈጺማ ተባሂላ ን4 ዓመታት ድሕሪ ምእጋዳ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እብሲት ጥላሁን ኣስረስ'ውን ኣብ'ዚ ሰሙን እገዳ ተነቢሩላ፣ * ሻምፒዮን ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ንብሉጽ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሓጽዮም ኣብ ፍጻመ በጺሖም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሰንከልከል ኣብ ዝብላሉ ዘለዋ እዋን ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ, * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። 10.11.2024 13:42
ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ትግራይን ዝከታተል ንኹሉ ዘሳተፈ ካውንስል ንክጣየሽ ሸውዓተ ሲቪክን ቢዝነስን ማሕበራት ፀዊዐን። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ መልበርን ብዛዕባ ተዳልዩ ዘሎ ካርኒቫልን ሽልማትን ስነጥበብ ኤርትራዊያን፥ መ/ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ይገልጹ። 07.11.2024 14:52
ኣልዋን/ ሕብሪ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘዳልዎ ምሽላም ኤርትራዊያን ስነጥበበኛታት ዕለት 10 ሕዳር ኣብ መልበርን/ ኣውስትራሊያ ንዓበይቲ ስነ ጥበበኛታት ኣፍልጦን ስልማትን ክህብ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣዳለውቲ እቲ መደብ መሓመድ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ብዛዕባ እቲ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024) 07.11.2024 52:27
ንሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ጽገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕት ተፈሪሙ። መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካ...
መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ 06.11.2024 7:10
መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ተፈሪሙ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ
ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ 06.11.2024 7:55
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ቦታታት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ሃገር ፡ ባህሊ ፡ ቋንቋ ዝሓቘፈ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ ። ኣብ ህንጻ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቅድን ነዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍልጠት ኣብ መነባብርና ከምዝርአ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ካብ ደቀባት ዝኾኑን ዘይኮኑን ክኢላታት ካብ ናይ ኣቦርጂንን ምዕራብን ፍልጠት ዘለዎም ቦታታት ወይ ህንጻታት ንምፍጣር ይጽዕሩ ከምዘለዉ ርእይቶም ክህቡ እዮም ።
#74 Talking about your pet peeves (Med) - #74 Talking about your pet peeves (Med) 06.11.2024 10:35
Learn how to talk about things that annoy you. - Learn how to talk about things that annoy you.
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2024) 05.11.2024 4:50
ኣርእስታት ንሎሚ 6 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ** ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣመሪካዊያን ድምጾም ሂቦም... ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሳሕቲ ጥራይ ዝግበር ሕክምናዊ ምውጻእ፡ ልዕሊ 100 ብከቢድ ሕሙም ዝሓመሙ ካብ ጋዛ ኣውጺኡ ... ** ኣመሪካ ብኹነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ስክፍታ ከም ዘለዋ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብንሊከን ገሊጹ።
Migrants aren't being hired in the jobs they're qualified for. It's costing Australia billions - SBS Examines: ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ብቑዓት ኣብ ዝኾኑሉ ሞያ ኣይኮኑን ዝቑጸሩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ንኣውስትራልያ ቢልዮናት የኽስራ፣ 05.11.2024 8:12
Australia is facing a skills shortage. So why are migrants struggling to find work in line with their education and experience? - ኣውስትራልያ ሕጽረት ክኢላታት ኣጋጢምዋ’ሎ። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ እቶም ዘድልይዋ ሞያታትን ክእለታትን ዝሓዙ ልዕሊ 600,000 ሰባት ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለዉ ክብል ይገልጽ። ስለ’ዚ መጻእቲ ናብ’ዚ ሃገር ዝኾኑ ሰባት በቲ ብቑዓት ዝኾንዎ ሞያ ስራሕ ክረኽቡ ዝሽገሩ ዘለዉ ደኣ እንታይ ኮይኖም’ዮም፧
ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ሃሪስን ዶናልድን ን ኣመሪካዊያንን ዓለምን እንታይ ሒዞም'ዮም ቀሪቦም ዘለዉ፧ ዝርርብ ምስ ክብረኣብ ይመስገንን ሳሚኤል ቢዘንን 05.11.2024 41:17
ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሕጹያት ካመላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ብተቐራራቢ ድምጺ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ምርጫን ብዛዕባ ሕጹያት ንህዝቢ ሒዞሞ ቐሪቦም ዘለዉን ብሓፈሻ ህዝቢ ነዞም ሕጹያት ብኸመይ ይግምግሞም ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብፍላይ ኣብዚ ቕሩብ እዋን "ዕላል መዛኑ" ብዝብል ትንተና ዘካይዱ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንን ኣቶ ክብረኣብ ይመስገንን ገሊጾሙልና ኣለዉ። (ብተክኒካዊ ጸገም ዘይንጹር ድምጺ ኣቐዲምና ይረታ ንሓትት።)
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ሕዳር 2024) 04.11.2024 5:05
ኣርእስታት፡ ንሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ኣብተን ወሰንቲ ቦታታት ምርጫ ናይ መወዳእታ ጎስጓሶም የካይዱ ኣለዉ። እቲ ንህዝቢ ኣውስትራሊያ ደው ንኽብል ዝገብር ተባሂሉ ዝፍለጥ በብዓመቱ ዘካየድ ውድድር ኣፍራስ መልበርን ካፕ ፡ ሎሚ [5 ሕዳር] ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ክዕዘብዎ ትጽቢት ይግበር ። ብሪጣንያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዉ ግጭታት ደው ክብሉ ጸዊዓ።
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS