SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025 9:24
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሕይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F) ንዋና ከተማ ዳርፉር ኣልፋሻር ምሓዞም ገሊጾም። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ ዝግበር ዋዕላ ኣስያን ኣብ ዛዕባ ንኣውስትራልያ ዘገድሱ ስራሕን ጸጥታን ከም ዘተኵር ገሊጹ ። ** ኣብ መንጎ ፊፋን ኣስያን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ 11 ሃገራት ስፖርታዊ ዉድድር ክጅመር እዩ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025) 27.10.2025 48:24
ን ሎሚ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ንብዙሕ ዓመታት ተሸጊሮም ጸንሒሞ'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ፡ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ቃለ መሕትትን ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብን ካልእን ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግ...
ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። (ጸብጻብ 27 ጥቅምቲ 2025) 26.10.2025 6:19
ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ፈቲሓ። ኣብ ኤርትራ ሂወት 8 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ። ቤት ምኽሪ ጁቡቲ፡ንገደብ ዕድመ ፕረዚደንትነት ኣልዒልዎ።
ኣብ ኣውስትራልያ ንጥቀመሉ ቋንቋ እንግሊዝ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ድዩ፧ ካባና ዝልቅሖም ቃላት ኣለዉ ድዮም፧ 26.10.2025 9:34
ንዓመታት መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ተሸጊሮም'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ።…
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥቅምቲ 2025) 23.10.2025 52:02
ሎሚ ሓሙስ 23 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ። ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባ...
ስሪላንካ ዜጋታታ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ትገብር። (ጸብጻብ) 22.10.2025 9:46
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡(CPJ)፡ ናጽነት ሚድያ ኣብ ትግራይ የንቆልቁል ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብስም እታ ዝተቐትለት ስፔናዊት ሰራሕተኛ ረድኤት ማርያ ሄርናንዝ ዝተሰየመ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ። ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ንፃዕሪ ኤርትራ ኣብ መግቢ ርእሰ ምርኮሳ ንኢዶም መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።
ጡብ ምጥባው ካብ ካንሰር ጡብ ክከላኸል ከምዝኽእል ሓድሽ ምርምር ኣረጋጊጹ። 22.10.2025 4:53
ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ።
ሞስኮ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። (ሓጸርቲ ዜናታት 22 ጥቅምቲ 2025) 22.10.2025 7:10
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣውስትራሊያ ምስ ኣመሪካ ጌራቶ ዘላ ስምምዕ AUKUS ኑክሌሳዊ ጸዓት ሳብማሪን ንቻይና ዝዓለመ ከምዝኾና ካብ ምግላጽ ተቖጠቢቡ። ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ፡ ሞስኮ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጹ። ** ጃፓን ንፈለማ እዋን ጓለንስተይቲ መራሒት ሸይማ።
ታሪኽ ፍሉጥ ነጋዳይ፡ ተጣባቒ መሰልን ገባሪ ሰናይን ፊት/ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ምስ ኻልድ ኣበራ 21.10.2025 28:29
ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮምን ንባይቶ/ፓርላማ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል።
Understanding treaty in Australia: What First Nations people want you to know - ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት። 21.10.2025 9:06
Australia is home to the world’s oldest living cultures, yet remains one of the few countries without a national treaty recognising its First Peoples. This means there has never been a broad agreement about sharing the land, resources, or decision-making power - a gap many see as unfinished business. Find out what treaty really means — how it differs from land rights and native title, and why it m...
"ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ምስሕሓብ እዩ።" ላዕለዋይ መራሒ ኦላ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 20.10.2025 7:01
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያን ፕረሲደንት ኣመሪካን ስምምዕ ዕደና ኣገደስቲ ማዕድናት ተፈራሪሞም... ** ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ተገልቢጣ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ዓሰርተታት ስደተኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ።... ** “ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ቅርሕንቲ እዩ። " ክብል ላዕለዋይ መራሒ ኦላ ገሊጹ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025) 20.10.2025 51:34
ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025) 20.10.2025 13:51
** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።
ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። (ጸብጻብ) 19.10.2025 10:29
ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም።
ኣውስትራልያ ዓድና ኮይና ትስመዓና ዶ፧ 19.10.2025 9:41
ሓደ ክንነብረሉ ዝጸናሕና ወይ ከም ሓደስቲ መጺእና ዝተጣየስናሉ ዓዲ ክንቅበሎ፣ ናትና ኢልና ክንጽውዖን ምስ ካልኦት ከማና ኢልና ዝኣመንናሎም ክንሕወስን ምስ ጀመርና ንናብራናን ህይወትናን ዝሓሸ ክኸውን ይገብሮ። እዚ ግን ኣብ ባዶሽ ዝኸውን ስለዘይኮነ ከምኡ ክስመዓና ብወገንና ጥራይ ዘይኮነ ብማሕበረሰብናን መንግስቲ’ታ ንነብረላ ሃገርን ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ክህልዎ የድሊ። ስለ’ዚ እቶም ነዚ ክስመዓና ዝሕግዙ ወይ ዝገብሩ እንታይ’ዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ክንፍትን ኢና።
ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣፍሪቃዊት ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። (ዕለታዊ ዜና) 16.10.2025 12:30
ናይ ረድኤት ማካይን ናብ ጋዛን እስራኤልን ምእታው ቀጺሉ። ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያና ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣብ ደንቨር ፡ ኮሎራዶ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ብሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ 2-1 ተሳዒራ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025) 16.10.2025 50:04
ሎሚ ሓሙስ 16 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማት...
ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ፈተነ ፈሺሉ። (ጸብጻብ) 15.10.2025 7:26
ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ድርድር ብዘይፍረ ተበቲኑ። ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ። ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ኣሲሮም
#97 Complimenting someone’s style (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ ብዛዕባ ምድናቕ ቅዲ ወይ ፋሽን ናይ ሰባት )#97 Complimenting someone’s style (Med)) 15.10.2025 14:38
Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events. - ትምህርቲ ምዝራብ ብዛዕባ ፋሺንን ብእንግሊዝኛ ከመይ ከምተድንቕን። እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ፕርቲ ወይ ፌስታ ንጥቀመሎም ኣገላልጻ እዮም። Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events.
ኢትዮጵያ፡ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ተፈራርሓኒ ኣላ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ) 14.10.2025 5:52
** እስራኤል ፡ ሬሳታት ጅሆ ብዘይምምላሶም ረዲኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ትዓግት... ** ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ... ** ግብጺ ንኢትዮጵያ ብጉዳይ ማይ ኒል ኣብ ተፍራርሓሉ ዘላ፡ ኢትዮጵያ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ትጓዓዝ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ።
How to donate blood in Australia - ደም ምልጋስ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 14.10.2025 8:51
Each time you donate blood, you can save up to three lives. In Australia, we rely on strangers to donate blood voluntarily, so it’s a truly generous and selfless act. This ensures that it’s free when you need it—but it also means we need people from all backgrounds to donate whenever they can. Here’s how you can help boost Australia’s precious blood supply. - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደም ኣብ እትልግሰሉ እዋን ፡ ክሳዕ ናይ ሰ...
ናብራ ስደት ኣብ ዕቤትና ክንጅምሮን ክንነብሮን 'ከለና እንታይ ይመስል፧ 14.10.2025 8:54
ብምኽንያት ስደት ድዩ ወይስ ፍልሰት ገለ ካባና ኣብ ከም በዓል ኣውስትራልያ ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ሃገራት ዓሊብና ህይወትና ኣብ’ቲ ዕድመ ዝደፋእናሉ ግዜ ከም ሓድሽ ነጣይሰሉ ወይ ንጅምረሉ ኩነታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። እቶም ዘጋጥሙና ብድሆታት እንታይ’ዮም፧ ንዕኦም ክኢልናን መኪትና ክንሓልፈሎም ንኽእል መገድታት ከ ኣለው ድዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ኢና።
መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ። (ሓጸርቲ ዜናታት) 14.10.2025 5:42
** ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያንን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ፍልስጢኤማውያንን ንናብ ዓዶም ኣብ ዝምለስሉ ህዝቢታት ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ሓንቲ ናይ ገያሾ ኣውቶቡስ ናብ ሓደ ገደል ድሕሪ ምታዋ ፡ ወዲ 10 ወርሒ ህጻን ዝርከብዎም ብውሕዱ 42 ሰባት ሞይቶም ። ** መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ’ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025) 13.10.2025 52:54
ን ሎሚ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣዳላዊን ኣቕራብን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናት ተግባራቱን ይዝከር። ክብርታቱ ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ንኽወሃብ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዉ ኣወሃሃድቲ ገሊጾም። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025) 13.10.2025 9:20
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ንምጉላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰንበት ክገብሩ ዊዒሎም ፣ ** ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝርከባ ኣከራኸርቲ ደሴታት ፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ፊሊፒንስን ውጥረት ሓይሉ ። ** ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ።
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS