SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ Odcinki: 1429

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au

Autor

SBS

Kategoria

News

Strona podcastu

www.sbs.com.au

Ostatni odcinek

26 paź 2026

Gdzie słuchać?

Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótce

Podcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów

Pobierz z Google Play Zainstaluj za darmo Android prawie 10 mln pobrań · ocena 4,8 iOS niedługo

Odcinki

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (1 ጥሪ 2026) 01.01.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት 2026 ኣብ ኣውስትራልያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ምዕቃብ ከባብን እንስሳታት ዘገዳምን ከምኡ'ውን ግሎባዊ ዓለምን ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ንቃልሲ ኣንጻር ክብሪ መነባብሮን ምውናን ኣባይቲ ዝምልከት ሓደ ዛንታቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

ካብ'ዚ እዋን ንላዕሊ ገንዘብ ረኺበ ዘይፈልጥ ክንሰይ ኣዝዩ ዝወሓደኒ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ 01.01.2026

ኣብ'ዞም ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ምሸታት ኔሮም ከባቢ ሰዓት 11 ድ. ቀ. ኣብ መእተዊ ገዛይ መኪናይ ደው ኣቢለ ቅድሚ ንውሽጢ ገዛ ምእታወይ ኣብ'ታ መኪና ሱቕ ኢለ ንነዊሕ ኮፍ ይብል - ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት መዓልቲ ስራሕ.... ዘፍ ኢለ። ኪንዮ ናይ ቅድሚት መስትያት ናብ ባዶሽ ኣማዕድየ እናጠመትኩ 'ክንደይ ካልኦት ኣውስትራልያውያን ከምዚ ናተይ ተመሳሳሊ ይገብሩ'ለዉ'፣ ' ኣብ'ታ መዓልቲ ንመጻምድቶም ክርእዩወን ዕድል ዘይረኸቡ፡ ከይተበራበረት ካብ ድቃሳ ንግሆ ወጋሕታ ንስራሕ ኢሎም ገዲፎማ ዝኸዱ' ... ኢለ የስተንትን። ኣብ 2023 ሰለስተ ዓይነታት ስራሕ እናሰራሕኩ 70 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይወፍር ኔረ- ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኸ...

ፕረዚደንት ኤርትራ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፣ ህወሓት መጸዋዕታ ንሰብኣዊ ሓገዝን ተመዛበልቲ ዝምለሱሉ ንጹር ሰሌዳ ግዜን ኣቕሪቡ፣ 01.01.2026

ጸብጻባት ልኡኽና (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፣ * ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ዝምለሱሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብንጹር ክፍለጥን ጸዊዑ፣ * ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ "ናብ ናይ ጋህዲ ምዕራፍ ይሰጋገር ኣሎ" ክብል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ፣ * ሶማሊላንድ ፍልስጤማውያን ንምጥያስ ሓዊስካ ሰለስተ ቅድመኩነት ክትፍጽም ተሰማሚዓ ክብል ፕረዚደንት ሶማልያ ከሲሱ፣

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (01 ጥሪ 2025) 01.01.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ዝናብን ንፋስን ዕንወት ኣብ ዘኸትልሉ፣ መንገድታትን ሕርሻታትን እቶም ቀንዲ ሻቕሎታተይ'ዮም ክብል ፕሪምየር'ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፡ * ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ መራሒት ባንግላደሽ ኻሊዳ ዚያ ድሕሪ ነዊሕ ሕማን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ፡ * ጠለባት ንቲኬት ዋንጫ ዓለም 2026 ክብረወሰናት ፊፋ ሰይሮም፡

New developments and old battles: Australia's health year in 2025 - ሓደስቲ ምህዞታትን ናይ ቀደም ውግኣትን፣ ዓመተ ጥዕና ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ከመይ ሓሊፉ፧ 01.01.2026

As with most years, the health sector has been a constant source of news stories - from outbreaks of illnesses to outstanding medical research, from politics to pandemics, from injuries to infections. SBS news looks back at some of the medical stories that hit the news in 2025. - ልክዕ ከም'ቶም ዝበዝሑ ዓመታት፡ ጽላት ጥዕና ቀጻሊ ምንጪ ሓደስቲ ዛንታታት ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ - ካብ ለበዳታት ሕማማት ናብ ዝድነቕ ሕክምናዊ መጽናዕቲ፡ ካብ ፖለቲካ ናብ ለበዳ ወይ ፓንደሚክስ...

Australia gears up to bring in a 2026 of hope - ኣውስትራሊያ ንዓመተ 2026 ክትቅበላ ትሸባሸብ 31.12.2025

Sydney's iconic New Year's Eve fireworks will ring in 2026, but celebrations will look a little different this year with some police officers carrying long-arms following the Bondi terror attack. In other cities the New Year will also be welcomed with fireworks and music in many popular spots around the country. - ከተማ ሲድኒ ኣብ ዓለም ትፍለጠሉ ህቡብ ምርኢት ርችታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት፡ 2026 ምእታዋ ከበስር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ጽምብላት ናይ'ዚ...

Turning points: what defined the world in 2025 - ትራምፕ፣ ፍልስጤም፣ ሱዳን፣ ነጥበ መቐይሮታት ዓለምና ኣብ 2025 ኣየኖት ህሞታት ኔሮም፧ 31.12.2025

2025 has been a huge year for geopolitics, natural disasters and a changing of the guard at the top levers of international power and influence. We look back at the key moments. - 2025 ዓባይ ዓመት ኣብ ጂኦፖሊቲክስ፡ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታትን ምቅይያር ስልጣን ኣብ ላዕለዎት መሳልላት ዓለምለኻዊ ሓይልን ጽልዋን ኮይና ትሓልፍ ኣላ። ካብ`ዚ ቀጺልና ንምልከቶም ድማ እቶም ቀንዲ ህሞታት ኔሮም።

2025: A good year for wildlife conservation - 2025: ዕውትቲ ዓመት ኣብ ምዕቃብ እንስሳታት ዘገዳም 30.12.2025

From former poachers now protecting endangered species to farmers adapting crops and traditions to help local wildlife, 2025 has been a brighter year for conservationists and the world's wildlife. - ካብ ሃደንቲ ነበር ሕጂ ኣብ ጥቓ ምጥፋእ ወይ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ዝሕልዉ ክሳብ ሓረስቶት ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ እንስሳታት ዘገዳም ንምሕጋዝ ዘራእቶምን ልምዶምን ዝቕይርሉ፣ 2025 ንዓቀብቲ ተፈጥሮን ናይ ዓለምና እንስሳዘገዳምን ብርህቲ ዓመት ኮይና’ያ ሓሊፋ።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2025) 30.12.2025

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 30 ታሕሳስ 2025) * ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ሰፊሕ-ዝርጋሐ ዘለዎ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣበጊሳ፡ * መስርሕ ምድላይ መንገዲ ኣየር ማለይዥያ በረራ MH-370፣ 10 ዓመት ወዲቓ ደሃይ ድሕሪ ምጥፋኣ ዳግማይ ተጀሚሩ፡ * ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ ኣንቶኒ ጆሹዋ ክልተ ሰባት ኣብ ዝቐተለ ሓደጋ መኪና ቀሊል መጉዳእቲ ወሪድዎ፡

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025) 29.12.2025

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንደብዳብ ኣሜሪካ ኣብ ናይጀርያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ግሎባዊ ዓለም ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ኣተሓሕዛናን ኣመጋግባናን ንፌስታ ኣብ ንቕርቦም መግቢታት ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝምልስ ትሕዝቶን ቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025) 29.12.2025

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025) ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ንንጥፈታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት-ሲድኒ ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ጸጥታ ክውሰዱ’ዮም፣ * ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስን ወተሃደራትን ክህልዉ ሰባት ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም ክብል ፕሪምየር’ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፣ * ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ንታይዋን ኣናዊጽዋ፣ * መንግስቲ ሶማልያ ዘይሕጋውን መጥቃዕቲ ኣብ ሉኣላውነተይ’ዩ ብምባል ንኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኮኒኑ፣

Got a lot on your plate? Food poisoning can sleigh the Christmas spirit, experts warn - በዓላት ኮይኑ ንፌስታ ዝቐረብናዮ መግቢ ክዕንግለና`ምበር ክምርዘና የብሉን 29.12.2025

There can be a lot on our plates at this time of year - and our meals can come with a side of sickness. The Australian Food Safety Information Council has released its top tips for how to enjoy the season safely - aiming to reduce more than four and a half million* [[4.67M]] cases of food poisoning each year. - በብዓይነቱ መግቢ ንፌስታ ክትቋደስዎ ክትምድቡ እንከለኹም ገለ ምኽርታት ምናልባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ምኽንያቱ እቶም ንቕ...

እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ይቃወሞ (ኤርትራ)፣ ኣብ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ጥሜት "ውድቀትና ዘምጽኦ እዩ" (ፕረዚደንት ክልል ትግራይ) 29.12.2025

ጸብጻባት ልኡኽና (29 ታሕሳስ 2025) * ኤርትራ ምስ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ምትሕብባር ወደብ በጺሓ ዝብል ሓበሬታ ውዱቕ ገይራ፣ * ኣብ ትግራይ 5 ህፃናት ብካርቦን ፈሓም ተዓፊኖም ሞይቶም፣ * ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ኣብ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ጥሜት ውድቀትና ዘምጽኦ’ዩ ብምባል ኣመራርሓ’ቲ ክልል ናይ ፖሎቲካን ቢዝነስን ሸቀጥ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፉ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ሂወት ኣድሕን ክነጥፍ ጸዊዑ፣ * ኤርትራ ንሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን ኪጥጃእ ዝጸንሐ’ዩ ብምባል ንኣፍልጦ ሶማሊላንድ ተቓውሞኣ ገሊጻ፣

Trump says he ordered strikes against IS in Nigeria - ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣይኤስ ኣብ ናይጀርያ መጥቃዕቲ ኣየር ክካየዱ ኣዚዘ ይብል 28.12.2025

President Donald Trump says the United States has launched a 'powerful and deadly' strike against IS in north-western Nigeria. Mr Trump described those killed as 'terrorist scum' who had been targeting and killing primarily innocent Christians. - ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ሓያልን ቀታልን መጥቃዕቲ ኣየር ኣንጻር ኣይኤስ (IS) ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ናይጀርያ ኣበጊሳ’ላ ይብል። ንሱ ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብቀንዱ ንኣመንቲ ክርስትና ዒላማ ክገብሩን ክቐትሉን ዝጸንሑ ‘መታለልቲ ግብረሽ...

ኣብ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣበዓዕላ ልደት (Christmas) ከመይ ይመስል? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 27.12.2025

ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) 25.12.2025

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) ክቡራት ሰማዕትና ንኩልኹም ተብዕሉ ርሑስ በዓል ልደት ክኾነልኩም ንምነ! ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ክኾነልኩም ንምነ። ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንወጥሪ ኣሜሪካን ቨነዝወላን ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ስነስርዓት ዝኽሪ በሃር ስነጥበባዊ ኤርትራዊ በረኸብ መንግስትኣብ (14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ክተማ መልበርን ዝተኻየደ) ከምኡ'ውን ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ፍጻመታት ኣብ ኣውስትራልያን ዓለምን ንምልከተሉ መደብ ኣለዉና። ሰናይ ምክትታል።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) 25.12.2025

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ባይቶ ግዝኣታዊ መንግስቲ ኒውሳውዝዌልስ ድሕሪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕታት ተቓውሞታት ወይ ሰልፍታት ከይካየዱ ዝድርቱ ሕግታት ኣጽዲቑ፣ * ንፖሊስ ህዝባዊ ዋዕላታት ናይ ምድራት ስልጣን ዝህብ ሕጊ፡ ነቲ 26 ጥሪ ዝካየድ ሕጋውን ሰላማውን ተቓውሞታት ከይድርት ስክፍታ ፈጢሩ፣ * ጠለብ ኣገልግሎት ንደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ፣

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ (ጸብጻባት ልኡኽና) 25.12.2025

ጸብጻባት ልኡኽና (25 ታሕሳስ 2025) * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ * ባጤራ ኢትዮጵያ ዝኾነ ብር ኣብ'ዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2025 ጥራሕ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ብ15 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ፣ * ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሽልማት ኔልሰን ማንዴላ ተቐቢሉ፣ * ሓድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ከይልሕም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ፣

US, Venezuela edge closer to serious confrontation - ኣሜሪካን ቨነዝወላን ናብ ከቢድ ምትፍናን ገጸን ይቐርባ 23.12.2025

The United States and Venezuela are edging closer to a serious diplomatic confrontation, after the US seized two oil tankers linked to the Venezuelan government in international waters, with a third now under pursuit. Venezuela accuses the US of piracy and an illegal naval blockade, as pressure mounts on the country's already sanctioned oil industry, with both Iran and China stating matters could...

Year-End feature; Australian Politics 2025 - ገምጋም ዓመተ 2025: ፖለቲካ ኣውስትራልያ 22.12.2025

In this year-end feature, we look back at major events including the Australian Federal Election, Australia’s bid to host COP30, the tariff imposed on Australia by Donald Trump, the Pacific Nations Conference, the introduction of social media bans for children under 16, and many more significant developments. - ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት’ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ።...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 23 ታሕሳስ 2025) * መንግስቲ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ተቓውሞታት ካብ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ብዘየገድስ ሰልፍታትን ምረሻታትን ንምድራት ዝዓለሙ ተረርቲ ሕግታት ምውጻእ ይደፍኣሉ፣ * መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ነቶም ኣብ ፓሲፊክ ዘለዉ ሓዊስካ፣ ጥቓ 30 ዝኾኑ ዝለዓሉ ሞያዊ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ጸዊዑ፣ * ሓደ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ደቡባዊ ከተማ ሞስኮ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ተቐቲሉ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025

ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/12/2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ጸብጻብ ልኡኽና :- ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ና...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (22 ታሕሳስ 2025) 22.12.2025

ኣርእስታት ዜና (22 ታሕሳስ 2025) * ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ዝክርን ምውላዕ ሽምዓን ንግዳያት ሽበራዊ ቅትለት ቦንዳይ ቪች ተካይዶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንብቕዓት ፈደራል ኣኽበርቲ ሕጊን ትካላት ስለያን ኣብ ጸጥታን ድሕነትን ኣውስትራልያ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ * ፖሊስ ግዝኣት ቪክቶርያ ንግጥም ክሪኬት ጽባሕ መዓልቲ ልደት (Boxing Day Cricket) ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ከዋፍር'ዩ * ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባር ብዘጋጠመ ጃምላዊ ተኹሲ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተ ቆሲሎም

ኣብ መልበርን፣ ኣውስትራልያ፣ መፋነዊን ዝኽርን በሃር ስነጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተኻይዱ 22.12.2025

ዝኽሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ ። እዚ ዝኽሪ ብ ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ECA) ከምኡ'ውን ብኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ ፎረም ዝተወደበ እዩ ። ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን እንተላይ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመስርዖ ድምጾም ዝስማዕ: ሳራ ዓሊ-በኺት (ኣደወንበር ECA)፣ ሰሚር ኢማም (ምክትል ኣቦወንበር ECA)፣ ገዲም ሙዚቀኛ ዓብደላ ኣቡበከር፣ ስነጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ፣ ስነጥበባዊ...

ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ተገሊጹ፣ ስዊድን ደሃይ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ኣረጋጊጻ፣ 22.12.2025

ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ (22 ታሕሳስ 2025) ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም።

Słuchaj podcastu SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ w Replaio

Radio i podcasty w jednej aplikacji - za darmo, bez zakładania konta. Zainstaluj już dziś i nie przegap premiery

Pobierz z Google Play

Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS