SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Koniecznie odwiedź stronę podcastu i wesprzyj twórcę: www.sbs.com.au
Gdzie słuchać?
Podcasty w aplikacji Replaio Radio Już wkrótcePodcasty trafią do aplikacji już wkrótce. Zainstaluj teraz i jako pierwszy zobacz nowe podejście do podcastów
Odcinki
እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 04 መግቢት 2026) 04.03.2026 5:18
*** እስራኤል ኣንጻር ኢራንን ሊባኖስን ትገብሮ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ሓይሊ ከምትቕጽሎ ኣፍሊጣ... *** ብሰንኪ ቅልውላው ኢራን ፡ ኣውስትራሊያዊያን ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ኣብ ጉያ ዕድጊ ነዳዲ ከይሽመሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም.... *** ጋንታ ደቂ’ንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣንጻር ማቲልዳ ክትገጥም ኣብ ትዳለወሉ ዘላ፡ ተጻዋቲት ኣውስትራሊያ ንትብዓት ጋንታ ኢራን ሞጒሳ።
ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ (AI) ቀልቢን ዕላማን ዘለዎ፡ ዕላማኡ ንኸይፍጽም ዝዓግቶ ዘበለ ከወግድ ዝኽእል ኣምሳል ሰብ’ዩ።” ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን 03.03.2026 25:41
ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።
How public and community housing works in Australia - ናይ ህዝባዊ (public) ን ማሕበረሰባዊ (community) መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 03.03.2026 9:08
In Australia, government-subsidised rental housing is available for eligible households. Assessment is based on need under criteria that vary depending on your state or territory. Here’s what to expect when applying for different types of housing assistance, some common myths around social housing and where to reach out for help. - ኣብ ኣውስትራሊያ ብመንግስቲ ዝድጎሙ ናይ ክራይ ገዛ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ስድራቤታት ይዳለው እዩ ። ም...
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣጋር ሰርዊቱ ኣብ ዉግእ ኢራን ከዋፍር ይደናደን፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2026) 03.03.2026 5:57
** ሃገራት ኣውሮጳ ፍሉይ መደብ ምግታእ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኣፍሊጠን... ** ኣብ መንጎ እስራኤላን ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን ድሕሪ ዝጀመረ ግጭት፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ በይሩትን ደቡባዊ ሊባኖስን ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 52 ሰባት ተቐቲሎም 154 ቆሲሎም። ** ነቶም ኣብ ዱባይ ተከርዲኖም ዝርከቡ በሻሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ንምጉዕዓዝ ገሊኦም መገዲ ኣየር ዉሱን በረራታት ጀሚሮም ኣለዉ ። ...
ኣብ ኢራን ብኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ።(ዕለታዊ ዜና) 02.03.2026 9:02
ኣብ ኢራን ብ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኢንሹራንስ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ሰባት ናይ ጉዕዞ ውሕስና ኢንሹራንስ ከምዘይሽፍን ኣጠንቂቑ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ሞት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንምጽምባል ፡ ኣብ ፍደገ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ዕጹው ኤምባሲ ኢራን ተኣኪቦም ሓጎሶም ገሊጾም።
ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ) 01.03.2026 5:25
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓገዝ ምሃቦም ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብን ናብን ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ንግዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብን ብክሪፕቶካረንሲን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪመን። ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካ...
Hillary Clinton testifies in Epstein investigation as Democrats claim cover up - ኣብ መርመራ ኤፕስቲን ዲሞክራታውያን ምሽፍፋን ኣሎ ክብሉ ይኸሱ፣ ሂላሪ ክሊንተን ቃላ ትህብ፣ 01.03.2026 9:16
Political pressure is intensifying over the release of Jeffrey Epstein investigation files as Hillary Clinton appears before U-S leaders, and Democrats accuse the Justice Department of withholding key records. - ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝቐረበትሉ፣ ብሰንኪ ምዝርጋሕ ሰነዳት ገበናዊ መርመራ ጀፍሪ ኤፕስቲን ፖለቲካዊ ጸቕጢ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ቁልፊ ዝኾኑ መዛግብቲ ሓቢእዎም ወይ ከየውጽኦም ተሪፉ ክብሉ ይኸሱ። እዚ ክትዕ፣ ኣ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026) 26.02.2026 46:55
ን ሎሚ 26 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ምስ ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝገበርናዮ ዝርርብ ብዛዕባ ስደትን ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዕቦ ጉድኣትን ክንምለሶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ው...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026) 26.02.2026 7:56
ኣርእስታት ዜና፥ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንኣውስትራሊያውያን ስድራቤታት ኣባላት ኢምባሲን ሰበስልጣንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስን ክወጹ መምርሒ ሂቡ ። ኣብ ሶማል ብሰንኪ ነዊሕ ደርቂ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ጥምየት የንጸላልዎም ከም ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም ። ወከልቲ ናይዚ ዓመት "ዚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዘአንግዳ ከተማታት ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ከቢድ ጸጥታዊ ውሕስነት ስክፍታ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።
ጸብጻብ ልኡኽና (26 ለካቲት 2026) 25.02.2026 8:56
ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ሲቪልን ፖለቲካዊን ውድባት ትግራይ ብተመሳሳሊ ድምጺ ንዝተቓወሙዎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ። ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ።
ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዶናልድ ትራምፕን ቀንዲ ትሕዝቶኡን 25.02.2026 7:02
ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ዝተረኽበ ዓወቱ ብሓበን ብምግላጽን ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣጀንዳኡ ብምግላጽን እቲ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ዝተገብረ መደረ ፡ ብዜደንጹ መገዲ እዩ ተዛዚሙ ፣
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ለካቲት 2026) 25.02.2026 5:50
** ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ሓድሽ እገዳ ብምግባር ንዩክሬን ዝገብሮ ደገፍ ከምዝቕጽሎ ኣፍሊጡ... ** ድሕሪ ስግ ኣት መጥቃዕቲ ቦምባ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ መንበሪኡ ተመሊሱ... *** በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ፣ ሕግታት ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ክዝርግሕ ጸኒሑ” ብዝብል ካብ 24 ለካቲት 2026 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ማዕኸን ዜና ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።
ኣብ ግብጺ: ተታሒዞም ዝለዉ 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግፍዒ ይሳቐዩ...... ሓጸርቲ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2026) 24.02.2026 6:35
** ፈደራል መንግስቲ ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ መጀመርታ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ መስመር ባቡር ንምህናኣጽ ፕሮጀክት ይሳለጥ ምህላዉ ኣፍሊጡ... ** ኣብ ግብጺ: ተታሒዞም ዝለዉ 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ይግፍዑ ምህላዎም ዘይመንግስታዊ ተጣባቒ መሰላት ኤርትራውያን ገሊጹ። ... ** ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ከባቢታት ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጺኡ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቐጥታ ክመርጻ ንዝወሰኖ ዉሳነ ብ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሰልፊ ስምረት ተቓዊምዎ።
More than style: How First Nations fashion is growing in Australia - ክንዮ ቅዲ: ዕብይት ፋሽን ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ኣውስትራሊያ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 24.02.2026 9:00
If you’ve spent any time in Australia, you’ve probably noticed how relaxed the style is. You might notice activewear, surf brands and casual clothes everywhere. But there’s another side to Australian fashion. Aboriginal and Torres Strait Islander designers have been creating clothes and accessories for thousands of years — and that work is very much alive today. You’ll see it on runways, in global...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026) 23.02.2026 49:38
ን ሎሚ ሰኑይ 23 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእንጋድ መዓጹአን ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይን ሰዓታት ወጋሕታን ይኸፍታ’ለዋ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026) 23.02.2026 10:35
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓውሚ ኣውስትራሊያ ናይቶም ምስ ናይ ቀደም ኣባላት ኣይ ኤስ ርክብ ዝነበሮም ኣውስትራሊያውያን ኣንስትን ህጻናትን ፓስፖርት ክንጸግ ጻውዒት ኣቕሪቡ ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ኖርወጃዊ ዮሃንስ የርፍሎት ክላውቦ ኣብ ሓደ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ሽዱሽተ መዳልያታት ወርቂ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ተቐዳዳማይ ኰይኑ ኣሎ ።
"ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ።"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ (ጸብጻብ) 23.02.2026 8:24
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ባጀት ሰሊዑ። ማዕከን ዜና ፈረንሳ (AFP) ኢትዮጵያዊ ወኪሉ ንጸብጻብ ናብ ትግራይ ከይገይሽ ከምዝተኸልከለ ኣቃሊዑ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተስማመዐ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣውሮጳ ዘጽንሕ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታታ ምቕባላ ንኢዱ። ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ ክብል ቀዳማይ ሚንስተር ናይታ ሃገር ተዛሪቡ።
Muslim faithful mark the start of Ramadan in Australia and around the world - ኣብ ኣውስትራልያ፣ ቓዛን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ጾመ ረመዳን የኽብሩ 22.02.2026 6:49
The holy month of Ramadan is underway, with Muslims around the world marking Iftar - the first day of the fasting period. In Australia, venues are catering to the growing number of observers, opening their doors until long after sunset and into the early hours of the morning. - ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእን...
#104 Talking about school exams | NAPLAN - #104 ዝርርብ ብዛዕባ መርመራ ናይ ቤት ትምህርቲ| NAPLAN (ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ) 22.02.2026 10:21
Learn useful English for talking about school tests, studying, exam pressure, and when you do really well. - ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ፈተና፡ መጽናዕቲ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዘሎ ጸቕጢን ዝ ኣመሰሉ ኣድላዪ ዝርርብ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ተመሃሩ። Learn useful English for talking about school tests, studying, exam pressure, and when you do really well.
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026) 19.02.2026 56:22
ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ...
“ሎሚ ብዙሓት ስድራ ቤት ካብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ’ያ ተሰዲዳ፡ ናይ ምምላስ ዕድል ድማ ዝማህመነ’ዩ።” ፊልሞን ሓጎስ 19.02.2026 41:11
ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026) 19.02.2026 8:58
ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ። ኣብ ድሮ ሮመዳን ናብ ኣብ ሲድኒ ላኪምባ ዝርከብ መስጊድ ሳልሳይ መፈራርሒ ደብዳበ ብ 18 ለካቲት ተላኢኹ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ) 18.02.2026 8:41
ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ።
ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሞት ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምውሳኹ ንተጣበቕቲ የተሓሳስብ፡ 18.02.2026 9:09
ኣብ ኣውስትራልያ ቝጽሪ ሓደጋ ብተሽከርከርቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ እታ ሃገር መጠን ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝስዕብ ሞት ኣብ 2030 ብፍርቂ ከተጉድሎ ዝነበራ ሸቶኣ ትበጽሖ ከም ዘየላ ሓድሽ መጠንቀቕታ ይውሃብ ኣሎ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ1300 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራልያ ተቐቲሎም እዮም ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 2026 እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ። ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና መዓልታዊ ስድራ ቤታት ኣብ ስቓይ እናነብራ ስለ ዝኸዳ ፡ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ተጣበቕቲን ፡ ኣብ ጠባያት ዘወርትን ውሑስ ቅድታት ጽርግያን ንኽህሉ ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ኣለዉ ።
ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ለካቲት 2026) 18.02.2026 4:47
** ዉሩይ መራሒ ተጣባቒ መሰላት ኣመሪካዊ ጀስ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ** መንግስቲ ፌደራል ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣውስትራሊያውያን ኣንስቲን ቆልዑን ግብረሽበራውያን ተቓለስቲ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዘለዎ ኣማራጺታት ይፍትሽ ኣሎ ። ** ኣብ መንጎ ል ኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝርርብ ሰላም ፡ ኣብ ጀኔቫ ጀሚሩ ።
Replaio nie jest wydawcą podcastów; nazwy audycji, okładki i audio należą do ich autorów i są rozpowszechniane przez publiczne kanały RSS