SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1434 episodi

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au

Autore

SBS

Categoria

News

Sito del podcast

www.sbs.com.au

Ultimo episodio

29 ott 2026

Dove ascoltare?

I podcast nell'app Replaio Radio In arrivo

I podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast

Scaricala su Google Play Installala gratis Android quasi 10 mln di download · valutazione 4,8 iOS in arrivo

Episodi

" መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ'ሎ።" ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ። 19.08.2026

ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ። ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓገዝ ክስእኑ ከግብር ዝኽእል፡ ዝተመሓየሸ ሓድሽ ሕጊ NDIS ጸዲቑ ። 19.08.2026

ብዛዕባ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ክትዕ ክግበረሉ ድሕሪ ምቕናይ ብደገፍ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ኣሎ ። እቲ ሕጊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ባጀት ግንቦት ዝቐረበ ምጉዳል ወጻኢታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ክቑጠብ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት 37.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ። ግሪንስ: ገለ ኣባላት ፓርላማ ናይ ጎኒ መናብር: ከምኡውን ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላን ነቲ መስርሕ ብታህዋኽ ከም እተኻየደን ጕድኣት ከምጽእ ምዃኑን ይዛረቡ ። እተፈላለዩ ተጣበቕቲ እውን ፡ ኣብ መንግስታት ግዝኣታት ዝምሕደር ኣማራጺታት ኣብ ግዜኡ ድሉው እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ ፣ እቲ ተ...

#117 Borrowing books at the library (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS #117 Borrowing books at the library (Med) 19.08.2026

Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the library catalogue. - Learn English useful for visiting a library. Practise everyday phrases for returning borrowed items, asking about late fees and due dates, renewing items, reserving titles, and using the libra...

ኣብ ትግራይ ከባቢ መቐለ መጥቓዕቲ ድሮን ተፈጺሙ። (ጸብጻብ) 18.08.2026

**ግብጺ ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኒል ዝምልከት ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ፡ ** ወጻኢታት ኣብ ስንክልና ንምንካይ ተባሂሉ ዝወጸ ኣካራኻሪ ሕጊ እተገብረ ምምሕያሽ ፡ ብላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ። ** ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ዘቕረቦ ሕቶ ብምግዳድ ነቲ ስትራተጂያዊ ክሊ ማይ ሓድሽ ናይ ኣመሪካ ግዝኣት ከምዝኾነ ዘርእይ ካርታ ዘርጊሑ።

Birth and pregnancy care options in Australia - ኣማራጺታት ክንክን ሕርስን ጥንስን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 18.08.2026

If you're first-time parents in Australia, choosing where and how to give birth can feel overwhelming. Whether you go through the public or private health system, it is important to understand your options and know where to reach out for advice to make the right decision for you and your baby. - ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንመጀመርታ ግዘ ወለዲ እንተኾይንኩም ፤ ኣበይን ብኸመይን ከምትወልድ ምምራጽ ብዙሕ ከቢድ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ። ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ...

ናብ ትግራይ ካብ ዝኣቱ፡ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ብዝሒ ሰብ እናወሰኸ ይኸይድ። (ጸብጻብ) 18.08.2026

** ዘተ ሰላም ኣብ ኣዕጹው ማዕጾ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋኣን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምትፍኑ ኣፈራሪሓ። ** ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽንያት ወጥርን ስግኣት ውግእን ፣ ናብ ትግራይ ካብ ዝኸዱ ሰባት ንላዕሊ፣ ካብ ትግራይ ናብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰባት ከም ዝበዝሑ ተፈሊጡ። ** ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣውሮጳ፣ ንጀርመን ዝወዳደር ትውልደ ኤርትራዊ ኣማናል ጴጥሮስ ወርቂ ሜዳልያ ተዓዊቱ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 2026) 17.08.2026

ንሎሚ 17 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (17 ነሓሰ 20260 17.08.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ መጀመርታ ግዜ ናብ ኣውስትራልያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ኣኑቲን ቻርነቪራኩል ክቕበሎ እዩ ። ሓለቓ ሰራዊት ኢራን ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝቐተለ ወይ ዝሓዘ ፡ ናይ 30,000 ዶላር ኣመሪካ [42,500 ዶላር] መቑሽሽ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ። እቲ ናይ ኣተኒስ U ዝቕርጹ ስታድዩም ፓናትንኣይክ ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ንፈለማ እዋን ብስርዓታዊ ኣገባብ ክጸሪ ጀሚሩ ።

መንግስታት ፌደራን ክልል ትግራይን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። (ጸብጻብ) 16.08.2026

ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ። ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ። ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።

ጉዳይ ኒኮላስ ማዱሮ - ዓለም ዘሰንበደ ህሞት፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፍተነሉ ኮይኑ'ሎ 16.08.2026

ዓለም ዘሰንበደ ህሞት ኔሩ፣ ሕጂ ግን ደረታት ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይፍትን ኣሎ። ምትሓዝ ኒኮላስ ማዱሮ ዘይተለምደ መንገዲ ሒዙ’ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝበጽሐ። ሕጂ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ ይቃዶ ይካትዕሉ’ለዉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026) 13.08.2026

ንሎሚ 13 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

"ካብ ዓደይ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ'ዩ ኮይኑ፡ ንትግራይ ግና ብዝኾነት ሃገር ክልውጣ ኣይክእል እየ፣" ን 40 ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ። 13.08.2026

ኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ነሓሰ 2026) 13.08.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ጽሩይ /ነት ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ 180,000 ክዉሕድ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ርእይቶ ካብ ብጾቱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣይረኸበን ። ካብ ባሊ ናብ ሎሞቦክ ኣብ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምንዳዳ ክልተ ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 211 ሰባት ድሒኖም ። ሊዮነል መሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦኡ ድሕሪ ምማቱ፡ ምጽዋት ኲዕሶ እግሪ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝጠራጠር ገሊጹ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ) 12.08.2026

ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ። ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ነሓሰ 2026) 12.08.2026

** ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ቀሪበን ኣለዋ ክትብል ፓኪስታን ኣፍሊጣ ... ** ትማሊ ኣብዝተገብረ መጽናዕቲ ህዝቢ ዘይመል ኡ ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ... ** ኣብ ታሪኽ ሂፕ-ሆፕ ሓደ ካብቲ ዘይተፈትሐ ምስጢር ቅትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ይምርመር ኣሎ ።...

Can you pick fruit from someone's garden? - ካብ ናይ ሰብ ግራት ፍረታት ምውሳድ ይከኣል ዶ? 11.08.2026

Walking through an Australian suburb, you might spot everything from curry leaves and lemons to tomatoes and herbs growing in front gardens or on verges. But is it legal to pick it? This guide explains when it's legal to pick produce, why permission matters, and how community gardens offer another way to grow your own food. - ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኽትዛወር ከለኻ ፡ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ከባቢኻ ስፍራ ኣታኽልቲ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርናኛ (11 ነሓሰ 2026) 11.08.2026

** ኣብ ኮሎምቢያ ድሕሪ አጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድልያ ህልዋት ይቕጽል ኣሎ። ** ሎሚ ኣብ ዝግበረ መጽናዕቲ ህዝቢ፡ ንሓለዋ ሓበሬታ ዝምልከት መንግስቲ መረጋገጺሂቡ... ** ጃፓን ምውሳኽ ንምክልኻል እተውጽኦ ወጻኢታትን ነቲ ሰላማዊ ሕገ መንግስታ ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቕስ ዝቃወም ኣብ ቶክዮ ሰልፍታት ተቓዉሞ ተገይሩ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026) 10.08.2026

ንሎሚ 10 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ዕለታዊ ዜን SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026) 10.08.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራባዊ ሳብበርብታት ናይ መልበርን ሓደ በዓል ድኳን ድሕሪ ምማቱ ማሕበረሰባዊ ድሕንነት ንምብራኽ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ መንግስቲ ቪክቶሪያ ገሊጹ ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀድ ቫንስ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ምስ ኢራን እተገብረ ዝርርባት እተወሰነ ዕቤት ከም ዝገበረ ገሊጹ ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዚርከቡ ኵሎም ሰባት ፡ ጽባሕ ለይቲ [ሰሉስ] ኣብ ሃገራዊ ቘጸራ ህዝቢ ኽካፈሉ ተማሕጺኑ ።

ኤርትራ፡ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። (ጸብጻብ) 09.08.2026

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ናይ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ብዝርርብ ፍታሕ ክረኽቡ ጸዊዑ። ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ታሪኻ ኣብ መበል 75 ውድድር ወይዘሪት ዓለም ትሳተፍ ከም ዘላ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ ከተማ ሸራሮ ፕላን ዕብየት 10 ዓመት እታ ከተማ ኣፅድቑ። ኤርትራ ኣብ ልኡላውነት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ዝተሰረተ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ። ዘፈር ዕደና ኢትዮጵያ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝረኸ ሚኒስቴር ዕደና ኣፍሊጡ።

ንኣውስትራልያ ከ ከም ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ድዩ፧ 09.08.2026

ክፋላት ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምና ክብረወሰናት ብዝሓማሸሹ ሙቐታት ተሾሊቖም ኣብ ዝሃለውሉ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ'ዚ ዝሑል ወቕቲ ክረምቲ (ዊንተር) እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ትገብር፧

ንምንታይ ዋጋ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ጎዲሉ፧ ዝርርብ ምስ ኪኢላ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ 09.08.2026

ኣብ ኣወስትራልያ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ይቕንስ ኣሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ምጉዳል ዋጋ ኣባይቲ ብምንታይ ምኽንያት’ዩ፧ ገለ ዓደግቲ ገዛ ተወሳኺ ምጉዳል እንተመጸ ብምሕሳብ እቲ ናይ ምዕዳግ ገዛ መደቦም ዘደንጉዩ ኣለዉ፡ ኣብዚ እንታይ ምኽሪ እዩ ዘሎ? ንዝብሉን ካልእ ምስ ዕዳጋ ገዛ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ክምልስ ልኡኽና ሃይሉ ሳህለ ንበዓል ሞያ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ ሓቲቱ ዘዋደዶ መደብ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026) 06.08.2026

ንሎሚ 06 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ነሓሰ 2026) 06.08.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፡ብኣማእታት ዝቝጸራ መራኽብ ተኸርዲነን ኣብዘለዋሉ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዘገምታ ንቕድሚት ይስጕም ኣሎ ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣየር ኢንዲያ ኰይኑ ። ልዕሊ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከቢድ ናይ መግቢ ጸገም የጋጥሞ ከም ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም [WFP] ገሊጹ ።

ንሕብረት ኣውሮጳ ዘጨነቐ ማዕበል ስደተኛታት 05.08.2026

ስጳኛ ኣብ ስደተኛታት ሳይቱ ዝገበረቶ ኣተሓሕዛ ሕብረት ኣውሮጳዊ ሞጒሱ ። እዚ ዝኾነ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞሮኮ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ከተማ ስጳኛ ብማዕበል ዝሰግሩ ስደተኛታት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ፍልሰት እታ ኣህጉር ዝምልከት ክትዕ ኣልዒሉ ይርከብ ። ሰበ ስልጣን ስጳኛ ፡ ካብቶም ኣስታት 72,000 ዝዀኑ ሰባት ናብ ሳይቱ ዝተሳገሩ ፡ 70,000 ናብ ሞሮኮ ከምዝተመልሱ ገሊጾም እዮም ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ መርበባት ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጻዊዒት ቀሪቡ ኣሎ ።

Ascolta il podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ su Replaio

Radio e podcast in un'unica app - gratis e senza registrazione. Installala oggi e non perderti il lancio

Scaricala su Google Play

Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici