SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1434 episodi

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au

Autore

SBS

Categoria

News

Sito del podcast

www.sbs.com.au

Ultimo episodio

29 ott 2026

Dove ascoltare?

I podcast nell'app Replaio Radio In arrivo

I podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast

Scaricala su Google Play Installala gratis Android quasi 10 mln di download · valutazione 4,8 iOS in arrivo

Episodi

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026) 29.10.2026

ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ስፐይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ ኣብ ሓዘን ኣትያ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣብ’ታ ሃገር ክኽበር’ዮ። * ዝተሳዕረ ብራዚላዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን ስድራቤቱን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዮም፣ * ኣማኢት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኳንታስን ኳንታስሊንክን ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ኣካይዶም፣ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና * ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረ ኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ፣ ግጭት ሞያሌ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ገይሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስ...

ስፐይን ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ፣ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ከተኽብር'ያ - ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026) 29.10.2026

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026) * ስፐይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ ኣብ ሓዘን ኣትያ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣብ’ታ ሃገር ክኽበር’ዮ። * ዝተሳዕረ ብራዚላዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን ስድራቤቱን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዮም፣ * ኣማኢት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኳንታስን ኳንታስሊንክን ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ኣካይዶም፣ * ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲ ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ካርሊንግ ካፕ ሓሊፈን፣ #sbsaudiopodcast

ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረ ኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ (ጸብጻባት) 28.10.2026

ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ፣ ግጭት ሞያሌ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ገይሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓታዊ ምምዝባል እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ምሕዝነት ንህልውና ገሊጹ፣ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ስርሑ ዓጽዩ፣ #sbsaudiopodcast

እስራኤል ድምጽታት ትቖጽር፣ መን ክመርሓ'ዩ ግን ገና ንጹር ኣይኮነን - ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28 ጥቅምቲ 2026) 28.10.2026

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 ጥቅምቲ 2026) * ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያን ፈደራል ተሓዝ ሕሳብን ዝቕባበ ንንውሕ ዝበለ እዋን ልዑል ኮይኑ ክጸንሕ'ዩ ይብሉ፡ * ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ግሪንስ ደይቪድ ሹብሪጅ ንዳርጋ ኩሎም ሰራሕተኛታት ናይ 1000 ዶላር ኣውስትራልያ ኣብ ዓመት ሕድገት ቀረጽ ዝገብር መደብ ኣፍሊጡ፡ * ናይ ፈለማ ዝተኣከቡ ርእይቶታት ኣድመጽቲ (ኤግዚት ፖልስ) ምርጫ እስራኤል ተዘርጊሖም - መን'ዩ ኣብ መወዳእትኡ መንግስቲ ዝምስርት ግን ንጹር ኣይኮነን፣ #sbsaudiopodcast

Could Victoria shift right after 12 years of Labor? - ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ቪክቶርያ ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት መሪሕነት ሰልፊ ለይበር ናብ የማን ክትቅይር ድያ፧ 28.10.2026

As Victoria prepares to vote, major and minor parties are battling for support on the issues that matter most to voters. - ቪክቶርያ ክትመርጽ ኣብ ትዳለወሉ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ'ቶም ንኣድመጽቲ ኣዝዮም ዘገድሱ ዛዕባታት ደገፍ ንምርካብ ይቃለሳ'ለዋ።

ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ኣብ ዘዕለቕለቑ ማያት ሬሳ ሓደ ሰብ ተረኺቡ፣ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2026) 26.10.2026

ንሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ - * ንመዓልታት ዝጸንሑ ከበድቲ ዝናባትን ህቦብላታትን ተኸቲሉ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ኣብ ዘዕለቕለቑ ማያት ሬሳ ሓደ ሰብ ተረኺቡ፣ * ፈቓድ ዋንነት ብረት/ኣጽዋር ዘለዎም ሰባት ኣብ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ኣጽዋራቶምን ጥይታቶምን ከረክቡ ብኦንላይን ቆጸራ ክሕዙ ክኽእሉ’ዮም፡ * ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንሓበሬታ ብዛዕባ ኢቦላ መልሲ እናሃቡ’ንከለዉ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም ሓንቲ ነርስ ክትቅተል’ንከላ ሓደ ሰራሕተኛ ጥዕና ድማ ብኸቢድ ተጎዲኡ፣ #sbsaudiopodcast

How people shape change, and why your voice matters | How Australia Works - ሰባት ንለውጢ ከመይ ይቐርጽዎን ድምጽኹም ንምንታይ የገድስን | How Australia Works 26.10.2026

Can a small group change a local council decision? When Julie learns her community library may close, she joins other residents in a campaign to save it. Her story explores how you can take part in Australian democracy by signing petitions, attending community meetings, contacting councillors and voting. - ውሑዳት ሰባት ከባብያዊ ምምሕዳር ዝወሰዶ ውሳነ ክቕይርዎ ይኽእሉ ዶ፧ ጁሊ ናይ ከባቢኣ ቤት ንባብ ክዕጾ ከምዝዓል ምስ ፈለጠት ኣብ ጎስጓስ ምድሓኑ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2026) 26.10.2026

ንሎሚ ዝተዳለወ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ኣርእስታቱ)፡ * መራሒ ሰርብያ ኣብ ምርጫ ሃገሩ በቲ ብተመሃሮ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዝተሳዕረ ኣሚኑ፣ * መራሕቲ ቱሪዝምን ፖለቲከኛታት ኣብ ዘሞገስዎ ስነስርዓት ካብ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ብዓወት ተበጊሳ፣ * ተቓዋሚ ሰልፊ ኣውስትራልያ ትካላት ጸጥታ ንድሕነት ፖለቲካውያን ኣብ ዝሕልዋሉ ወይ ዝከላኸላሉ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን ይብል፣ ጸብጻብ ልኡኽና * በዓል ሓደራ ተባሂሉ ዝቖመ ምምሕዳር ትግራይ ብኹናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ሓለዋ ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ኣ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2026) 26.10.2026

ንሎሚ ዝተዳለወ ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ * መራሒ ሰርብያ ኣብ ምርጫ ሃገሩ በቲ ብተመሃሮ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዝተሳዕረ ኣሚኑ፣ * መራሕቲ ቱሪዝምን ፖለቲከኛታትን ኣብ ዘሞገስዎ ስነስርዓት ካብ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ብዓወት ተኻይዱ፣ * ተቓዋሚ ሰልፊ ኣውስትራልያ ትካላት ጸጥታ ንድሕነት ፖለቲካውያን ኣብ ዝሕልዋሉ ወይ ዝከላኸላሉ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን ይብል፣ #sbsaudiopodcast

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ (ጸብጻብ) 26.10.2026

በዓል ሓደራ ተባሂሉ ዝቖመ ምምሕዳር ትግራይ ብኹናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፣ ኢትዮጵያ ሓለዋ ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን ብምባል ተሳትፎ ክህልዋ ሓቲታ፣ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ሕቶ ምስሉይነት ዝብል ምላሽ ሂቡዎ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ ዝብሉ ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። #sbsaudiopodcast

ናይጀርያ ኣብ 10 ዓመት ናይ ፈለማ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ምርካባ ኣፍሪቃ ‘ዝተሓላለኸ’ ለበዳ ይጽበያ 25.10.2026

ኣቐዲሙ ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ ዲኣርሲ ዝተበገሰ ለበዳ፣ ሕጂ፣ ናብ ምዕራብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰጊሩ’ሎ፣ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ስግኣታት ክለዓሉ ገይሩ’ሎ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026) 22.10.2026

ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2026) 22.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** በዓል ቤታ ንኣባል ባይቶ ፌደራል ሄለን ሄይንስ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲአን እግራ ከምዝሰኣነት ኣፍሊጡ። ** ቅድሚ ዝመጽእ ሰሙን (27 ጥቅምቲ) ኣብ እስራኤል ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ሞሳድን ንስርዓት ኢራን ንምውዳቕ መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ ** ሩስያ ምስ ኣሜሪካን ዩክሬንን ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ክትጅምር ተሰማሚዓ፣ #sbsaudiopodcast

ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂብ "ኣዝዩ ከቢድ፡ ከቢድ ፡ ከቢድ ሳዕቤን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜናታት 21 ጥቅምቲ ) 20.10.2026

** ኣባል ፓርላማ ሀለን ሄንዝ ኣብ ከቢድን ግን ርጉእ ኩነታት ኣብዘላትሉ፡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥጣ መለጺ ክወሃቦም’ዩ ... ** መንግስቲ UK ንሱዕዲ ዓረብ ዝህቦ ወተሃደራዊ ድገፍ ከምዘስፍሖ ኣፍሊጡ... #sbsaudiopodcast

“ተበራቢረ፡ ንገዛእ ርእሰይ ድማ ረኺበያ’ለኹ።” ሃይለ ገብሩ 20.10.2026

ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝሰበኸሉ ኣተሓሳስባ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ እዩ። ሃይለ ገብሩ ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ብወዲ ማልታ ሓሳብን ጸሕፍን Edward de Bono ተጸልዩ ብ ደ ቦኖ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ደጋጊሙ ብምንባብ ኣብዚ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ዝገበረ ናይ...

ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ብማኪና ተጋጭያ፡ ፖሎቲካዊ ምንህሃር ከይህሉ መጠንቀታታት ቀሪቡ፡ (ዕለታዊ SBS ዜና ትግርኛ 20 ጥቅምቲ) 19.10.2026

** ኣባል ባይቶ ኣውስትራሊያ ሄለን ሃንዝስ ብመኪና ድሕሪ ምውቃዓ፡ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ተኾኒኑ። ** ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተፈጸመ ጎኖጻዊ ዕግርግር ምጽርራይ ዕንወት ክግበር ጀሚሩ። ** ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ብሰለስተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሖቲ ተወቒዑ። #sbsaudiopodcast

How laws change, and why it takes time | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይቕየሩ፡ ንምንታይ ከ ግዜ ይወስድ፧ | How Australia Works 19.10.2026

How do laws change in Australia? Through Rodney Croome’s campaigns for human rights and marriage equality, learn how personal stories, community action, courts and parliament can help change the law, and why the process can take time. - ሕግታት ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ'ዮም ዝቕየሩ፧ ሮድኒ ክሩም ብዘካየዶም ጎስጓሳት ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት መርዓን፣ ውልቃዊ ዛንታታት፣ ተበግሶ ማሕበረሰብ፣ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ከመይ ኢሎም ሓደ ሕጊ ክልወጥ ከምዝሕግዙን ንምንታይ እዚ መስርሕ ግዜ ክወስድ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) 19.10.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

ን ኢትዮጵያ ዝገጥምዋ ዘለዉ ዕጡቓት፡ 'ሓይልታት ምግንጻል' ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ሩብዮ ገሊጽዎም፡ (ዕለታዊ ዜና 19 ጥቅምቲ 2026) 19.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኤውሮጳ ብሰንኪ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ብዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተታሒዛ ትርከብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ቤልጅየም፣ ፖርቱጋል፣ ኣልባንያን ኢጣልያን ዓበይቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። መንግስቲ ለበር ክፍለ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተመርጹ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2027 ኣብ ሰሙን ክፍሊት ጽርግያታት (Road toll ) ካብ 30 ዶላር ንላዕሊ ከምዘይከውን ቃል ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ተዛሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢልዎም። #sbsaudiopodcast

"ሰራዊት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዋፍሩሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክዓቢ ዝኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ።" ማርኮ ሩብዮ 18.10.2026

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሓይልታት "ተገንጸልቲ" ኢሉ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይድግፍ ገሊጹ። #sbsaudiopodcast

Are immigration cuts an economic solution or a political strategy? - ምንካይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ቁጠባዊ ፍታሕ ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ስትራተጂ? 18.10.2026

Australia's immigration debate has shifted dramatically. Despite no imminent federal election, both major parties are backing policies to reduce migration numbers and limit international students. - ክትዓት ብዛዕባ ኢሚግረሽን ኣብ ኣውስትራልያ ብዝለዓለ መጠን'ዮም ተቐይሮም። ክሳብ 2028 ፈረደራላዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተኾን'ኳ ክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምቕናስ ቁጽሪ ፍልሰትን ምድራት ቁጽሪ ናይ ደገ ተመሃሮን ፖሊሲታተን ክሕግዙ'ዮም ኢለን ይማጎታ'ለዋ። #sbsaudiopodcast - #sbsaudiopod...

ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበጊሳ። (ጸብጻብ) 18.10.2026

ኣውስትራልያ ንደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ውጽኢታዊ ስራሕ ትሰርሕ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኤርትራዊት ኣብነታዊት ኣንስተይቲ ሓረስታይ ሓንቲ ካብ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። ሩስያ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ክትሽምግል ተበግሶ ወሲዳ። ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ንዝቖመ 'ሞጕዚት ምምሕዳር' ትግራይ ነፂጉዎ። ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ምዕጻው ጽርግያታት ንከተማ ጋምቤላ ምስ ከባቢኣ ከይትራኸብ ከም ዝገበረ ውን ተሰሚዑ። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) 15.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) 15.10.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

“ሰራዊት ኣብይ ንዓሰብ ክሕዝ ከምዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።” ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ 14.10.2026

ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሓድሕድ ኲናት ናብ ዶብ ኤርትራ ተጸጊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ባሕሪ ብምልዓል ንወደብ ዓሰብ ናይ ምቁጽጻር ክኒኡ ሓሊፉ'ውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘረባታት ካብ መራሒኣ ኣትሒዝካ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ይዝረበሉ ኣሎ። ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማሲ ወደብ ዓሰብ ከነምልስ ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ገዲዱ ኣሎ። እዚ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ገጹ'ዩ ከምርሕ፧ ኤርትራ ንዝመጻ መጥቃዕቲ ክትምክት ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ? ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶታትን ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ቃለ መሕትት። #sbsaud...

Ascolta il podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ su Replaio

Radio e podcast in un'unica app - gratis e senza registrazione. Installala oggi e non perderti il lancio

Scaricala su Google Play

Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici