SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1434 episodi

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au

Autore

SBS

Categoria

News

Sito del podcast

www.sbs.com.au

Ultimo episodio

29 ott 2026

Dove ascoltare?

I podcast nell'app Replaio Radio In arrivo

I podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast

Scaricala su Google Play Installala gratis Android quasi 10 mln di download · valutazione 4,8 iOS in arrivo

Episodi

ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ተጸጊዖም። (ጸብጻብ) 14.10.2026

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝተፀገዐ ነበርቲ ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘውጽኣ ሃገራት ሸሞንተ በጺሑ። ብሰንኪ ኲናት ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም ግእዝ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሱዳን ኢትዮጵያ ንRSF ምድጋፍ እንተድኣ ኣቋሪጻ ዝርርብ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ምትሕብባር ኣብ ዝኽእላሉ መንገዲ ከም ዝተዘራረባ ኣፍሊጠን። #sbsaudiopodcast

መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2026) 14.10.2026

*** ነቲ ናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ገዛ ኽራይ ገደብ ክግበረሉ ዝጽውዕ ድምጺ እናበዝሐ መጺኡ።... *** መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። *** ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዋንጫ ኤስያ ስክፍታታት ጸጥታ ኣለዓዒሉ። #sbsaudiopodcast

ለውጢ ኣብ ቪዛታት ናይ ኣውስትራሊያ 14.10.2026

ልዕሊ 150 ሽሕ ዝቐረቡ ናይ ወለዲ ቪዛ መመልከቲታት ዉሳነ ኣብ ዝጽበይሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕግታት ናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝተገብረ ለውጢ፡ ምስ ኣረጋውያን ወለዲ ዳግማይ ምርኻብ ዝያዳ ከቢድ ክገብሮ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንገሊኦም፡ ልዑል ወጻኢታትን ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜን፡ ኣብ መንጎ ምቕጻል ህይወት ኣብ ኣውስትራልያ ወይ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ምምራጽ ማለት እዩ። #sbsaudiopodcast

ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 13 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026

** ጾታዊ ምዕሩይነት ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 460,000 ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክውስኽ’ዩ... ** ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ... ** ሶማል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ "ዘይሻራዊ" መርገጺ ከምትሕዝ ኣፍሊጣ። #sbsaudiopodcast

How laws are made, and how they affect you | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይወጹ፡ ንዓኹም ከ ከመይ ይጸልውኹም፧| How Australia Works 12.10.2026

How are laws made in Australia? Through Wurundjeri Elder Uncle Dave Wandin’s story of the Birrarung, also known as the Yarra River, learn how an idea becomes a bill, passes through Victoria’s parliament and receives royal assent, the formal approval that makes it law. - ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታት ከመይ ይወጹ፧ ሽማግለ ዓዲ ዉራጁሪ ዝኾነ ዴይቭ ዎንዲን ብዛዕባ'ቲ ሩባ ያራ (Yarra River) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቡራሩንግ (Birrarung) እናዘንተወልኩም፣ ሓደ ሓሳብ ከመይ ኢ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026) 12.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ካብ ገለ እማመታት ፖሊሲ ፓውሊን ሃንሰን ከም ዝረሓቐ እንተገለጸ’ኳ፡ ኣጀንዳ ኢሚግሬሽን ዋን ኔሽን ንዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውስትራልያ ይጸልዎም ኣሎ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። መራሕቲ ናይቲ ብ ኮክሮች ጃንታ ፓርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህንዲ፡ ፡ ኣንጻር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር ተቓውሞኦም ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም። ኣብ ኣብ ዉድድር ደቂ ተባዕትዮ መልበርን ማራቶን ኤልዮድ ኪፕቾገ ቀዳማይ ወጺኡ። #sbsaudiopodcast

ትራምፕ ንምንታይ’ዩ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ማዕቀብ ዝገብረሉ ዘሎ፧ ንኣውስትራልያ’ኸ እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧ 11.10.2026

ማዕቀባት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ICC ንመሻርኽቲ ሃገራት ክኸፋፍለን’ንከሎ ንኣውስትራልያ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳኣ ሚዛን ሒዙ ከምዝኸይድ ክትገብር ገይርዎ’ሎ። #sbsaudiopodcast

"ተኣምራታዊ ጸረ መጥቃዕቲ ክንፍኑ ኢና።" መራሕቲ ህወሓት ካብ ዘይተገልጸ ከባቢ። (ጸብጻብ) 11.10.2026

ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ናብ መቐለ ተጀሚሩ። ሚንስተር ጌታቸው ረዳ ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ዑደት ኣካይዶም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም ትጸንሕ ተዛሪቡ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ወሪዱ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026) 08.10.2026

ንሎሚ 08 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026) 08.10.2026

** ብ ፌካ (FECCA) ዝፍለጥ ፈደረሽን ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኢትኒክ ኣውስትራልያ፡ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓብይ ምጒዳል ዝወጠኖ ቅድሚ ዉዱእ ምግባሩ ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ክውከስ ተላብዩ። ** እስራኤል ንሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ7 ጥቅምቲ ዝኽሪ ጌራ። ** ሊዮነል ሜሲ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ምስ ኣርጀንቲና ተጻዊቱ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። #sbsaudiopodcast

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነዚ ክሲ ምላሽ ሂባ። (ጸብጻብ) 07.10.2026

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ። ኤርትራ ብወገና ወተሃደራታ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂባ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ 'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ። ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ዳግማይ ክጅመር ጸዊዓ። ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶሎዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ኢትዮጵያን እስራኤልን ብህሉው...

'ዮርዳኖስ ተወልደመድህን፡ ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ ኣላ።' ተጣባቒ እሱራት ሃኒባል ዳኒኤል 06.10.2026

ኣደ ሓደ ቆልዓ ዮርዳኖስ ተወልደመድህን ን2ዓመትን 10 ወርሕን ብምኽንያት እምነታ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ብ ዕለት 28 መስከረም 2026 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዝዓረፈት ካብ ኣባላት ስድራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ ዮርዳኖስን ኩነታት እሱራት ብእምነትን ዝምልከት ተጣባቒ ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ጥቅምቲ 2026) 06.10.2026

** ሰልፊ ጥምረት ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ስደተኛታት ኣብ ሰራሕተኛታት ክንክን ኣረጋውያን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ተኣሚኑ... ** ብምሕንያት ጸገም ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ፈረንሳ ናይ ተቕዉሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ ** ኖቫክ ጆኮቪች ንሻብዓይ ግዜኡ ዋንጫ ቻይና ኦፐን ተዓዊቱ፡ #sbsaudiopodcast

ብድሆን ሜላን ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ወጻኢ ምስ ኪኢላ'ዚ ዓውዲ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ። 06.10.2026

ኣተሕሳስባ ቆልዑን ዓብይትን ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧ ኣብ ውጻኢ ንዝዓዩ ቆልዑ፡ ኣተሓሕዛ ወለዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉን ካልእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑን ብድሆታቱን ኣመልኪትና ምስ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast

"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ጥራይ'ዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና SBS ትግርኛ 6 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026

** ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዘሕደሮ ጽልዋ ስጉምቲ ክውሰድ መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም። ** ኦሎምፒክ 2032 ብተፈጥሮ፡ እንስሳ ዘገዳምን መንነትን ኲንስላንድ ዝተደገፈ ኣርማ ጸወታታት ብሪስበን ወግዓዊ ኮይኑ። ** ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል መሪጹ። #sbsaudiopodcast

Why power is split, and how that protects you | How Australia Works - ንምንታይ'ዩ ስልጣን ዝከፋፈል፡ ከምኡ ምዃኑ ኸ ንዓኹም ከመይ ይሕልወኩም፧ | How Australia Works 05.10.2026

After receiving a fine for not wearing his motorbike helmet correctly, Hugo decides to have the matter heard in court. His story explains how Parliament, government and the courts have different roles, and how some official decisions can be questioned. - ናይ ሞተር ብሽግለታ ቆብዑ (ሀልመት) ብግቡእ ዘይምግባሩ መቕጻዕቲ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ህዩጎ (Hugo) እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣየሉ ወሲኑ። ዛንትኡ ባይቶ፣ መንግስቲን ኣብያተ ፍርድን ከመይ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ዕማማትን ኣለ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026

ንሎሚ 05 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026) 05.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ የመን ዝካየድ ዉግእ ገዲዱ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ሱዕዲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺ... ** ኣብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቲ ኒውካስል ናይትስ ብመኪና ረጊጹ 10 ሰባት ኣቑሲሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 18 ዓመት መራሒ መኪና ዋሕስ ተኸልኪሉ።... ** ኣብ ግጥማት N-R-L ሲድኒ ሩስተርስ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ፡... #sbsaudiopodcast

ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናይ ሓባር ዉሳኔአን ኣፍሊጠን… ጸብጻብ 04.10.2026

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ህወሓት ብወገኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ድሮን ሓላፍነት ወሲዱ። ኢትዮጵያ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከሲሳ ፤ ኤርትራ ብወገና ንሸውሃት መስኮት ባሕሪ ዝግበር ምስምስ ምዃኑ ገሊጻ። ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ። ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያን ሱዳንን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም። #sbsaudiopodcast

መስርሕ ምምኽኻር ክለሳ SBS ጀሚሩ 04.10.2026

ብዙሓት ድርብ ቋንቋታት ዝዛረቡን ስደተኛታትን ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ምትእስሳርን ናይ SBS መደባት ብቛንቋኦም ኣብ ሬድዮ ናይ ምስማዕ ዝኽርታትን ኣለዎም። እቶም መደባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተቐይሮምን ሰፊሖምን እዮም፣ ሕጂ ድማ፣ SBS ነቲ በብእዋኑ ዝቕየር ማሕበረሰባትን ድሌታትን ዘመናዊት ኣውስትራልያ ንምንጽብራቕ ዳግመ ክለሳ ኣገልግሎት ቋንቋኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ 5 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ህዝቢ ምምኽኻር ግዜ ድማ የካየድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast

Seismic: The Manchester City scandal and what happens now? - ዘንቀጥቅጥ፡ ውርደት ማንቸስተር ሲቲን መጻኢ ኣንፈቱን፧ 04.10.2026

Manchester City appeals a ruling over 115 alleged financial breaches as questions grow over a decade of success. - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር’ቲ ልዕሊ 100 ፋይናንሳዊ ሕግታት ጥሒሳ’ይሉ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸባ ውሳነ ይግባይ ኢላ’ላ። እቲ ውሳነ ነዛ ጋንታ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ዝዓበየ ውርደት ኣብ ታሪኽ ስፖርት ክኸውን ዝኽእል ከቐምጣ’ንከሎ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶም ውጽኢታትን ዓወታትን ድማ ምልክት ሕቶ ብምቕማጥ ኣብ ጠርጠራ የእትዮም ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2026) 01.10.2026

ንሎሚ 01 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 01 ጥቅምቲ) 01.10.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር እስላም ዝተፈጸመ ምፍርራስ መቓብራት ይምርምር ኣሎ። ** መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ብመሳርሕቱ ተወጊኡ ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዕርፎ ነፋሪት ሱዕዲ ዓረብ ዓሊባ። ** ማንቸስተር ሲቲ ናይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሕግታት ፕረምየርሊግ ብምጥሓሳ ገበነኛ ኮይና ድሕሪ ምኽሳሳን መቕጻዕቲ ክገጥማ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። #sbsaudiopodcast

ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ) 30.09.2026

ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም። ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉማጅ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብፂ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። #sbsaudiopodcast

Ascolta il podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ su Replaio

Radio e podcast in un'unica app - gratis e senza registrazione. Installala oggi e non perderti il lancio

Scaricala su Google Play

Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici