SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au
Dove ascoltare?
I podcast nell'app Replaio Radio In arrivoI podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast
Episodi
"ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 30.09.2026 5:58
** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ... #sbsaudiopodcast
መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡ 29.09.2026 9:15
ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት። #sbsaudiopodcast
ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026) 29.09.2026 6:43
** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... #sbsaudiopodcast
Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works 28.09.2026 8:57
Do you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia’s three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn for help. - ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም...
You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works 28.09.2026 4:17
How do Australia’s governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ? ብሓቀኛ ዛንታታት ኣቢሉ፡ እዚ መእተዊ ናይ’ቲ ተኸታታሊ መደብ፡ ሓበሬታን ደገፍን ኣብ ዘድልየኩም እዋን ካበይ ትጅምሩን፡ ንሓደ ውሳነ ድማ ብኸመይ ትብድህዎን ትሓቱን...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026) 28.09.2026 47:43
ንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ። 28.09.2026 8:23
ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ... #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026) 28.09.2026 11:48
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast
ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . . 28.09.2026 5:52
በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ..... #sbsaudiopodcast
ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧ 27.09.2026 9:34
ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ። #sbsaudiopodcast
ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ) 27.09.2026 9:39
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026 58:21
ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ 24.09.2026 15:17
ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026 12:01
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 23.09.2026 7:09
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ። #sbsaudiopodcast
ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። 23.09.2026 9:51
መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተኣቢያ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። #sbsaudiopodcast
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026) 23.09.2026 6:00
*** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡ #sbsaudiopodcast
Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን። 22.09.2026 10:37
Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it’s an effective way to take charge of our health. Let’s take a closer look at why a breast screen is nothing to be anxious about. - ስሩዕ መርመራ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ ብኣግኡ እቲ ሕማም ምህላዉ ን...
ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከረም) 21.09.2026 7:10
*** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027) 21.09.2026 50:43
ንሎሚ 21 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026) 21.09.2026 10:30
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ’ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast
Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዘለዎምን ክትንከፉ'ዮም 20.09.2026 11:47
The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger enforcement and a crackdown on visa hopping. - መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት...
ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ውድባትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሕዝነት ከም ዝፈጠሩ ኣፍሊጦም። 20.09.2026 7:03
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መደረ ኣስሚዑ ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026) 17.09.2026 52:58
ንሎሚ 17 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
“ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ’ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ" 17.09.2026 39:28
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici