SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au
Dove ascoltare?
I podcast nell'app Replaio Radio In arrivoI podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast
Episodi
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026) 03.09.2026 10:26
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ። ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።
"ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ እምሕጸን።"ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ። (ጸብጻብ) 02.09.2026 8:49
ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ። ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን። ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።
Prostate cancer in Australia: Testing, treatment and support - መንሽሮ ፕሮስተይት (Prostate cancer) ኣብ ኣውስትራልያ: ምርመራ፣ ሕክምናን ደገፍን 02.09.2026 11:48
About one in five Australian men will be diagnosed with prostate cancer in their lifetime. Understanding the prostate, your risk and the options for testing can help with early detection and treatment. In this episode of Australia Explained, learn about prostate cancer, PSA testing, treatment and support. - ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ መላእ ግዜ ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስተይት/ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም’ዩ። ኣብ ናይ ዕሸ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (2 መስከረ 2026) 02.09.2026 6:09
ንሎሚ ሰሉስ 2 መስመረም 2026 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀቅድሚ`ቲ ቀታሊ ዝኾነ መደራግሕ በረድን ብርቱዕ ውሕጅን ኔፓልን ቲቤትን ዝነበሩ መጠንቀቕታታት ሸለል ምብሃሎም ሕቶታት ቀሪቦም፣ 5 ኣውስትራልያን ድማ ደሓን ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፡ * ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላይፕዚግ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንዝተፈጸመ ፈተነ መጥቃዕቲ ሩስያ ፈጺማቶ ትብል፣ * ዩናይትድ ስቴትስ ሕነ ምፍዳይ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን ፈጺማ፣
"ታሪኽ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ታሪኽ ናይ ኢሳያስ ኣፎርቂን ወልደኣብ ወልደምርያምን’ዩ" 01.09.2026 16:56
ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩን ብዕለት 31 ኣብ መልበርን ዝዓረፈን ተጋዳላይ ማሕሙድ ጃብር ዮንስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ይወጽእ፡ ህቡብ ሙዚቀኛ ሊዮነል ሪቺ ኣብ ሆስፒታል ይዕቆብ: ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 01.09.2026 5:39
**ስድራ ቤት ናይ ሓደ ወዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰብኣይ ፡ በቲ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ህይወቱ ዝሰኣነ ናይ መጀመርታ ኣውስትራልያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ። ... ** ሬሳ ናይ ሓደ ህጻን ኣብ መጉሓፊ በርሚል ምርካቡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን እዩ ክብል ፖሊስ NSW ገሊጹ ። ** ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮነል መሲ ካብ ኣህጉራዊ ኩዑሶ እግሪ ጡረታ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026) 31.08.2026 50:31
ንሎሚ 31ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (31 ነሓሰ 2026) 31.08.2026 11:24
ኣርእስታት ዜና፥ መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ፡ ኣብ መልበርን ኣብ እተገብረ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኽትኸይድ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዉርደት ገጢምዋ ። ሓይልታት ኣመሪካ ወንጨፍቲ ሮኬታት ሚሳይል ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ወቒዖም ፣ እዚ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ። ኣብ ሲድኒ ኣብዝተገብረ ማራቶን ጉያ እግሪ ኢትዮጵያዊ አዲሱ ጎበና ብክልተ ሰዓትን ኣርባዕተ ደቒቕን 42 ካልኢትን [2: 04: 42] ብምእታው ክብረ ወሰን ሰይሩ ።
32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። (ጸብጻብ) 30.08.2026 6:58
ተሓጋጋዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፤ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሞቓዲሾ ተሰናቢቱ። 32 ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ። ኡጋንዳ ኣብ ፍልስጤም ከባቢ ጋዛ ንዝካየድ ኣህጉራዊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም 1200 ሰራዊት ከተበርክት ምዃና ተሓቢሩ።
130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንኣካይዳ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ 30.08.2026 10:50
130,000 ገጻት ሰባት ኣብ ሰሙን ይሰኣሉ: ንስርዓተ ፖሊስ ኣውስትራልያ ዝቕይር ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዊሕ ክእመነሎም ዝጸንሑ ትጽቢታት ብዛዕባ ህይወት ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ብሰላሕታ ደጊሞም ይጸሓፉ’ለዉ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ነሃሰ 2026) 27.08.2026 51:46
ንሎሚ 27 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ነሓሰ 2026) 27.08.2026 11:05
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን በቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መጻብቦ ሆርሙዝ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ፡ ምስ ዖማን ኣብ ግዝያዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ። ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርከብዎም 500 ሰባት ድማ ጠፊኦም ኣለዉ። ብሪጣንያዊ ማቲው ብርናን ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ቮሉታ ኣ ስጳኛ ንፈለማ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተዓዊቱ።
ህብብቲ ደራፊት 'ካንትሪ ሙዚክ' ዶሊ ፓርተንን ዝገደፈቶ ሓድግን፡ 26.08.2026 10:58
በሃር ድምጻዊት 'ካንትሪ ሙዚክ" ዶሊ ፓርትን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ ። ንሳ ብናይ ነዊሕ ዕድመ ከም ደራሲት ሙዚቃ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገባር ሰናይ: ብምምዕባል ቤተ-መጻሕፍቲ'ውን ተዘኪራ ትነብር እያ። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሞያ ፡ ካብ 55 ሕጸ ስልማት ፡ 10 ናይ ግራሚ ሽልማት ብምውሳድ ኣብ ታሪኽ ሳልሰይቲ ብብዝሒ ንስልማት ዝተሓጽየት ጓል-ኣንስተይቲ ክትከውን ኪኢላ ። ኣብ 80 ዓመት ዕድሚኣ ብሕማም መንሽሮ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምቅላስ'ያ ፡ ኣብ ናሽቪል ብሰላም ዓሪፋ ።
ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ (ጸብጻብ) 26.08.2026 9:07
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ : ደገፍ ኣውስትራልያ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝጭበጥ ውጽኢት የምጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 25 ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ኣብ ትግራይ ድጋፈን ገሊፀን። ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ ኣላ። ኢትዮጵያዊት ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ትስዕብ ኣላ። እቲ ኣብ ቬትናም ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ውድድር ብድምጺ ህዝቢ ብመሪሕነት ኤርትራዊት፣ ኢትዮጵያዊትን ናይጄሪያትን ተወዳደርቲ ደሚቑ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር...
How can my child learn about Indigenous Australia? - ዉሉደይ ብዛዕባ ደቀባት ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ? 26.08.2026 7:30
Supporting your child’s connection with the world’s oldest continuing living culture is one of the greatest gifts you can offer them while raising them in Australia. But if you’re new to the country, you may be unsure where to begin. Here are some starting points and ideas to help you and your child learn about Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, cultures and history. - ውሉድካ ኣብ ኣውስትራልያ...
ዶሊ ፓርተን ዓሪፋ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ነሓሰ 2026) 25.08.2026 6:55
** ህብብቲ ደራፊት ዶሊ ፓርተን ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ... ** ካናዳ ኣንጻር ኣመሪካ $20 ቢልዮን ዶላር ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብሪ ኣብ ሰደድ ኣመሪካ ኣዊጃ። ** ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ምትእስሳር ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025) 25.08.2026 3:55
** ዓባይ ብሪጣንያ ምስጢራዊ ናይ ሚሳይል ተክኖሎጂኣ ንዩክረይን ከተካፍላ ተሰማሚዓ... ** መጠን ጸዓት ኣብ ማእከላት መኸዘኒ ሓበሬታት ዝውዕል ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብሸውዓተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ተፈሊጡ። ** ኣብ ቪክቶርያ ፡ ሰበ-ስልጣን ካብቲ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ኤች5 ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ስጕምቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዘሎ እዋን ፡ 600 ንኣሽቱ ፔንጒን ኸቲቦም ።
“ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ 25.08.2026 55:36
ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ምስ SBS ትግርኛ ኣብ ታሕሳስ 2015 ገበረ። ብዙሓት ድማ ዝኽሮም ተሃዲሱ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ስርሑ ክድህስሱ ተቐሲቦም። ሎሚ ድማ ሕልፈት ናይቲ ህዝቡብ ስነ ጥበባዊ የሱፍ ስዒድ ኣብዝስመዓሉ ዘሎ እዋን ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026) 24.08.2026 47:59
ንሎሚ 24 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026) 24.08.2026 11:01
ኣርእስታት ዜና፥ ሕማም ጉንፋዕ ኣዕፋ- H-5N-1 ንፈለማ እዋን ኣብ መጥበውቲ ምር ኣዩ ሻቕሎት ፈጢሩ። ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርጻ ፕረዚደንት፣ ሰንደቕ ዓላማ ፣ ኣመራርጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከምኡውን ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ጉዳያት ብዘይምስምማዕ ተዛዚሙ ። ሰለስተ ተጻወትቲ ኣርጀንቲናን ሓደ ተጻዋታይ ስጳኛን ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዝፈጸምዎ ናይ ዲሲፕሊን ጉድለት ተቐጺዖም ።
በዓል ኣሸንዳ ፥ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይተኻየደ ተሪፉ ። (ጸብጻብ) 23.08.2026 7:33
ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይካየድ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ዝተሰረዘ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዶባት ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ። ኣብ ኤርትራ መሃይምነት ንምጥፋእ፡ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ተሓንጺጹ ። ሃገራዊ ዋዕላ ሕርሻዊ መጽናዕትታት ኤርትራ 2026፡ ተዛዚሙ። ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጡ።
Prepare now: authorities flag significant spring bushfire risk - ሕጂ ተዳለዉ! ሰብመዚ ልዑል ሓደጋታት ሓዊ ዝመጽእ ወቕቲ ከምዝህልዉ የጠንቅቑ 23.08.2026 6:47
Australians are being urged to prepare for a potentially challenging spring, with an elevated bushfire risk forecast across several parts of the country. Authorities say conditions vary significantly from region to region, with dry weather, warmer temperatures and increased fuel loads contributing to the risk. - ኣውስትራልያውያን ትንበያ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ባርዕ ጣሻ ኣብ ብዙሕ ክፋላት’ዛ ሃገር ኣብ ዝሃለወሉ ንተኽእሎ ክስተት ሓደ በዳሂ ዝኾነ ጽ...
ተዘክሮ ኣሸንዳ፡ ‘ናይ ወለድና ቀምሽ ተኸዲንና ንፃወት ኔርና’ ወ/ሮ ኣበባ ሓጎስ 23.08.2026 13:17
ኣብ ኣወስትራልያ ን 32 ዓመታት ዝተቐመጠት ነባሪት መልበርን ወ/ሮ ኣበባ፡ ካብተን ባህሊ ኣሸንዳ ከይርሳዕ ዓመት መፀ ከይተሓለላ ዝጉስጉሳን ዘምህራን ሓንቲ እያ። ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብታ ዝተወለደትላ ከተማ መቐለን ኣብዚ ኣብ ኣወስትራልን ዝምልከት ተክሮታታ ክተካፍለነና ምስ ሃይሉ ሳህለ ፃንሒት ጌራ ኣላ። ርሑስ በዓል ኣሸንዳ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026) 20.08.2026 51:01
ንሎሚ 20 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026) 20.08.2026 9:07
ኣርእስታት ዜና፥ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዞሚ ፍራንኮም ን ን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝቐተለ ስርሒት ዝምልከት ክግበር ዝጸንሐ መርመራ ገበን ንምዕጻው ምውሳኑ ፡ኣውስትራሊያ ምቚጣዓ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣውስትራሊያ ተዛሪባ። ሚንስተር ታንያ ፕሊበርስክ ካብ 20 መስከረም ኣትሒዙ ልዕሊ 5.3 ሚሊዮን ኣውስትራሊያዊያን ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ዝኽፈል ክፍሊት ክብ ከምዝብል ኣፍሊጣ ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋቲ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ናይ ሓሽሽ ኮኬን ከምዝወሰደ ተመርሚሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ይቕረታ ሓቲቱ ።
Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici