fr

SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Catégorie

News

Site du podcast

www.sbs.com.au

Dernier épisode

22 oct. 2026

Où écouter ?

Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponible

Les podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts

Télécharger sur Google Play Installe-la gratuitement Android près de 10 M de téléchargements · note de 4,8 iOS bientôt

Épisodes

ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክነግስን ተሓታትነት ክሰፍንን ጻዊዒት ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 14.05.2026

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ፡ ስትራተጅያዊ ስምምዕ ኣሐዲሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ኣብ ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ኣልዒላ።

Treasurer flags 'fairer' budget as business groups criticise tax reforms - ባጀት ኣውስትራልያ ወሪዱ - ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ 'ርትዓዊ'ዩ' ይብሎ፣ ማሕበራት ንግዲ ግን ይነቕፍኦ 13.05.2026

The Federal Budget has been handed down, including major tax changes that have been welcomed by unions, social services groups, and renters groups. Industry groups have raised concerns, saying the tax changes will be bad for business, as debate continues over how to balance fairness and fiscal restraint. - ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂ...

Tips to manage financial stress | Fuel in Focus - ቀረብን ክብርን ነዳዲ ኣትኩሮ ኣብ ዝሰሓቡሉ እዋን ንፋይናንሳዊ ጸቕጥታት ኣብ ምቁጽጻር ዝሕግዙ ምኽርታት 12.05.2026

Australia's petrol and diesel prices remain under pressure. The RBA’s decision to hike the cash rate this month is adding to the financial strain facing many households. We look at some free and independent support services that are available to help people manage financial stress. - ኲናት ዩናይትድ ስቴትስ-ኢራን ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ዝኣተወሉ ኣውስትራልያዊ ዋጋታት ፔትሮል (በንዚን)ን ዲዘል (ናፍታ)ን ኣብ ትሕቲ ወጥሪ (ጸቕጢ) ይርከቡ። ንብዙሓት ኣውስትራልያውያን...

"ብምዝራብ ሰናፍ ኣይኮንኩን፡ ግን ብምጽሓፍ’የ ዝያዳ ዝበልጽ።" ጸሓፊ መርሃዊ ወልደሚካኤል 12.05.2026

ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ግንቦት 2026) 12.05.2026

** ኢራን ካብ ኣመሪካ ንዝመጽእ ዝኾን ይኹን ዕንደራ ንምምካት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ... ኣ** ትረዠረር ጂም ቻልመስ ሓሙሻይ ፈደራላዊ ባጀት ሎሚ ክገልጾ እዩ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተራኺቦም ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ተመያይጦም።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) 11.05.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 11 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) 11.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ ብፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ኣቢሉ ብ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ዝብለሉ ዘተኮረ ዘተ ክግበር ጸዊዓ ። ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዘለወንን ብ ገበን ባርነት እተኸሰሳን ክልተ ኣንስቲ ፡ ሎሚ ዋሕስ ኪሓታ እየን ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ካብ 'ታ ብሃንታ ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልወት መዛወሪት መርከብ ኤምቪ ሆንዴስ ኣብ ተኔሪፌ ከምዝተራገፉ ገሊጹ ።

ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። (ጸብጻብ) 10.05.2026

ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ዞባ ማእከል፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

One Nation claims historic win in Farrer in poll seen as litmus test for Coalition - ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ 10.05.2026

Voters in the southern New South Wales seat of Farrer have headed to the polls to choose a new MP after their former representative Sussan Ley resigned from parliament. Analysts say the vote could have lasting consequences for the coalition. - ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህል...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) 07.05.2026

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) 07.05.2026

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) * ብመርዑት ኣይሲስ ተባሂለን ዝፍለጣ ደቀንስትዮ ሎሚ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ’የን፣ * ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተዂሲ ከፊታ፣ * ኣርሰናልን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣

FIFA World Cup preparations ramp up for the Socceroos - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ 07.05.2026

The Socceroos are ramping up their World Cup preparations, with just over a month until the 2026 tournament begins in North America. Coach Tony Popovic has a lot to do... and everyone has a lot to look forward to. - ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ...

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓታ (ጸብጻባት ዜና) 07.05.2026

ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (07052026) * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ካብ ኤርትራ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ * ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ * ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ * ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ፣

ለበዳ ሃንታቫይረስ ንዓለም የሻቕል፡ 06.05.2026

ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ፡ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ ። ብዛዕባ ኣብታ መርከብ እንታይ ከምዘጋጠመ ፡ ሃንትቫይረስ እንታይ ምዃኑን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክምልሶ እዩ ።

ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ መዓስከር ኣል-ሮጅ ዝጸንሑ ምስ ጉጅለ ኣይ ኤስ ርክብ ዘለዎም ኣንስትን ቆልዑን ናብ ኣውስትራሊያ ይምለሱ ኣለዉ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (06 ግንቦት 2026) 06.05.2026

** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውጥረት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ።... ** መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ድሮን ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ድሕሪ ምኽሳሳ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባ... ** ህወሓት ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን መሪጽዎ ተባሂሉ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ግንቦት 2026) 05.05.2026

** ወጥሪ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ይውስኽ... ** ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባጀት፡ ምጉዳል ተሳተፍትን ኣብ NDIS ተጠቃሚ ንምዃን መምዘኒ ጸቢብ እንተኾነ’ኳ ምስ ኦቲስም ዝነብሩ ሕጂውን ተጠቀምቲ ክኾኑ ምዃኖም ተገሊጹ ... ** ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ቢቢሲ ሓቢሩ።

Are you prepared for Australia’s flu season? - ንወቕቲ ጉንፋዕ (ፍሉ) ኣውስትራሊያ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም? 05.05.2026

Influenza is a highly contagious viral infection. As flu season begins in Australia, here’s what you need to know to protect yourself, your family and the most vulnerable in our community. - ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ እዩ ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር እንከሎ ፣ ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቀሪቡ ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ግንቦት 2026) 04.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከባ 11 ከተማታትን ኣቝሻትን ንዝነብሩ ሰባት ፡ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ። 80 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ ሞይተን ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ ሳም ኬር ኣብ ግጥማት ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ንቸልሲ ካብ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣመዝጋቢት ሸቶ ኮይናትላ ።

ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ፤ ኣብ ኤርትራ ድማ በቲ ዝኸፍአ ደረጃ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) 03.05.2026

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ 38 ጋዜጠኛታት ካብ ሚድያታት ለቒቖምን ተሰዲቶምን ከም ዝወጹ ተሓቢሩ። መበል 19 ሳይንሳዊ ጉባኤ ማሕበር ሞያ ፋርማሲ ኤርትራ ተኻይዱ። ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ ደው ክብል ጸዊዖም። ናይ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ እንተተቋሪጹ “ክሳብ 3.1 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ሴናተር ኣመሪካ ኣጠንቂቓ።

Colombians divided over the fate of hippos linked to Pablo Escobar - ዕሉል ገበነኛ ፓብሎ ኤስኮባር ዝውንኖም ዝነበሩ ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝብል ኮሎምቢያውያን ተኸፋፊሎም 03.05.2026

Colombia is confronting a unique problem: what to do with a population of hippopotamuses originally linked to Pablo Escobar. The notorious late drug lord became infamous for importing the creatures and establishing a zoo at one of his properties. - ኮሎምቢያ ሓደ ፍሉይ ጸገም ገጢምዋ’ሎ፣ ምስ ፓብሎ ኤስኮባር ቀዲሞም ምትእስሳር ዝነበሮም ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ዝብል። እቲ ዕሉል ወይ ፍሉጥ ጎይታ ምስግጋር ዕጽታት ወይ ሓሽሽ ዝነበረ መዋቲ፣ ነዞም ሓራምዝ ናብ ሃገሩ ብምእታዎምን ኣብ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) 30.04.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና:

ዕለታዊ ዜና Tigrinya ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) 30.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ። ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ። ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ።

ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ካብ ኦፐክ ክትወጽእ ወሲና፧ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤን ከ፧ 29.04.2026

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዛ ካብ ዉድብ ናብ ወጻኢ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወይ ካብ OPEC ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ ። እዚ ውሳነ እዚ ፡ እታ ሀገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዉጥረትን ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ድልዱል ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐጻሊ ዝዕጾ ዘሎን እዚ ናይ ኢማራት ዉሳነ፡ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ዝህልዎ ጽልዋ ክድህስስ እዩ ።

"ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ።" ጸብጻብ 29.04.2026

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ። ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026) 29.04.2026

** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

Écoute le podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ sur Replaio

La radio et les podcasts dans une seule appli - gratuite, sans inscription. Installe-la dès aujourd'hui et ne rate pas le lancement

Télécharger sur Google Play

Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics