fr

SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Catégorie

News

Site du podcast

www.sbs.com.au

Dernier épisode

22 oct. 2026

Où écouter ?

Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponible

Les podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts

Télécharger sur Google Play Installe-la gratuitement Android près de 10 M de téléchargements · note de 4,8 iOS bientôt

Épisodes

በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣስመራን መቐለን ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኸቢሩ ውዒሉ። (ጸብጻብ) 27.05.2026

ጉዳይ ዶብ ምስ ኤርትራ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ትካል ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዝመርሖ ጕጅለ ተዓዛቢ መረጻ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ዝመጽእ ሰኑይ ዝካየድ መረጻ፡ ትግራይን ሸሞንተ ናቑጣታት ኣምሓራን ከም ዘይካየድ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ እዩ። በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣስመራን መቐለን ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኸቢሩ ውዒሉ። ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ንጥሕሰት ሕጊ መንግስቲ ፌደራልን ግፋ መናእሰይ ኣብ ትግራይ ኣውጊዞም። Check out our podcast collection here

ዉዕል ኣብርሃም- ABRAHAM ACCORDS 27.05.2026

ነቲ ምስ ኢራን ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ሃገራት ወሽመጥ ምስ እስራኤል ዘለዎም ርክብ ከመሓይሹ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ጸዊዑ። ትራምፕ ኣብቲ ማሕበራዊ ሜዲያኡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ሃገራት ዓረብን እስላምን ነቲ ብ "Abraham Accords' ወይ ዉዕል ኣብርሃም ዝበሃል ስምምዕ ክፍርማ ኣለወን ኢሉ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ እቲ ውዕል እንታይ ምዃኑን ኣገዳስነቱን ከብርህ እዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (27 ግንቦት 2026) 27.05.2026

** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ናብ ኣውስትራልያ ክበጽሕ እዩ ፣... ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ብናጻ ብኣፍንጫ ዝወሃብ ክታበት ዝወስዱዎ ዝኽእሉ ገደብ ዕድመ ሰፊሑ... ** ሜክሲኮ፡ቅድሚ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም [ፊፋ]ምጅማሩ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ኢቦላ ንምምካት መርመራታት ጀሚራ ከምዘላ ገሊጻ ኣላ ።

#111 Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) - #111 ኣብ ገዛ ብዛዕባ ማይ|ዝርርብ ምስ ሰራሒ ቡምባ። Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) 26.05.2026

Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging repairs. - ኣብ ገዛ ንዘሎ ናይ ቡምባ ጸገማት ንምግላጽ ብእንግሊዝኛ ንጥቀመሉ ኣገላልጻ ንመሃር ። ብዛዕባ ዋጋ ንምሕታትን ጽገና ንምሕታትን መዓልታዊ ሓረጋት ልመድ ። Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging r...

A guide to fuel types in Australia | Fuel in Focus - ዓይነታት ነዳዲ ኣብ ኣውስትራሊያ | ኣተኩሮ ኣብ ነዳዲ 26.05.2026

Drivers across Australia are paying more at the bowser as fuel prices remain unstable. So does it make sense to go for cheaper petrol options when filling up? The answer depends largely on your engine requirements, as not every fuel works for every vehicle. - ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብ ዘይኮነሉ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዘለዉ መራሕቲ መካይን ነዳዲ ንምዕዳግ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ ኣለዉ ። ስለዚ ፡ ነዳዲ ኣብ እትመልኣሉ እዋን ናብ ዝሓሰረ ናይ ነዳዲ መማረጺታት ምኻድ ርትዓዊ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ግንቦት 2026) 26.05.2026

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመሓየሽ እንተኮይኑ ጉዳይ ዶብ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ከምኡ'ውን ንተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ስምምዕ ክግበርን ከምዘድሊ መንግስታዊ ትካል መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዉልቂ ኣባላት ፓርላማ " ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቛም” ኣብ ዘተ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ... ** ሜክሲኮ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከተአንግድ ተሰማሚዓ። ... ** ካልኣይ ጉጅለ ምስ እስላማዊ መንግስቲ (Islamic State) ዝጸንሑ ቆልዑን ኣንስትን ኣውስትራሊያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ትኬት ነፋሪት ምዕዳጎም ተፈሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) 25.05.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 25 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) 25.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሎሚ ፌደራላዊ ምርጫ እንተ ዝካየድ ነይሩ ፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ክሳዕ 59 ዝዀኑ መናብር ታሕተዋይ ባይቶ ክሕዝ ይኽእል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቱ ኣፍሊጡ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝምልከት ምርመራታት ይቕጽሉ ኣለው ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ዌስት ሃም ዩናይትድ ፡ ካብ ዝርዝር ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ክትወርድ’ከላ ቶተንሃም ግን ንስክላ ድሒና።

MiniPod: GOAT | Words we use - MiniPod: GOAT | Words we use 25.05.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'.

ኣብ 24 ግንቦት፡ "ሰራዊት ናብ ኣስመራ ክኣቱ የብሉን ዝብል መልእኽቲ ናይ ኢሳያስ ብመገዲ ሸሪፎ ኣቢሉ'ዩ መጺኡና።" ተጋ/ ዳኒኤል ጋርዛ 25.05.2026

ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 35 መዓልቲ ነጻነት የኽብር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካብቶም ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ዝኾነ ዳንኤል ጋርዛ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ስምዒቱ እንታይ ከምዝነበረን ዝተፈጸመ ኩነታትን ኣዘንትዩልና ኣሎ። Check out our podcast collection here

Second-hand EV sales are surging - even classic cars are going electric - መሸጣ ዘገልገላ (Second-hand) ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ብናህሪ ይውስኽ፣ ናይ ቀደም (classic) መካይን'ውን ናብ ኤሌክትሪክ ይቕየራ 24.05.2026

Australia’s electric vehicle (EV) market hit a new record in April. And sales of second-hand EVs are soaring too. Some owners are also converting classic cars. - ዕዳጋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም። መሸጣታታት ካልኣይ ኢድ ወይ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ድማ ብተመሳሳሊ ብናህሪ ወሲኾም። ገለ ሰብ መካይን’ውን ንህቡባት ናይ ቀደም ቅዲ (ክላሲክ) መካይኖም ናብ ኤሌክትሪክ ይቕይርወን ኣለዉ።

ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ። (ጸብጻብ) 24.05.2026

ኣብ ናይ ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና ብፍላይ ብዛዕባ ምኽባር ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዘተኩር ክኸውን እዩ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 ግንቦት 2026) 21.05.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩ-ኤስ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ከም ዝርከብ ገሊጹ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ኢቦላ ንምምካት ፡ መከላኸሊ ናውትን ናውቲ ሕክምናን ንምቕራብ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ ። ደገፍቲ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ጋንታኦም ብምስዓራ ሓጎሶም ክገልጹ ዊዒሎም ሓዲሮም። Check out our podcast collection here

ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ንምቕባል ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። (ጸብጻብ) 20.05.2026

ኣውስትራሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ እምባታት ባሌ ንዝተኻየደ መደብ ስልጠና ሓለውቲ ፓርክ ሓገዝ ገይራ። ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይልታት ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ኣብ ትግራይ ብዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ከኣሊ ምዃኑ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ " ንመድረኻዊ ቃልሲ ምርግጋፅ ህልውና ኣብ ሓደ ንዕሰል" ክብል ጸዊዑ። ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ክብል ግብጻዊ ሚኒስተር ተዛሪቡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ክልተ ተወሰኽቲ ስትራቴጂካዊ ቦታታት መሊሱ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊ...

ለበዳ ኢቦላን ምላሽ ዉድብ ጥዕና ዓለምን : 20.05.2026

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኡጋንዳን ሕማም ኢቦላ ናይ ህጹጽ ኩነታት ከምዝኾነ ኣዊጁ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሰክፍ ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም እዩ ኮይኑ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ንቅጥዕታት ናይ ለበዳ ህጹጽ እዋን ከምዘየማልእ እኳ ንተገለጸ፡ እቲ ሕማም ናብተን ምስ ምስ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝዳበዋ ሃገራት ዝያዳ ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ ኣለዎ ።

ኣርሰናል ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ቻምፒዮን ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ኮይና። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ግንቦት 2026) 20.05.2026

** ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሲድኒ ብዝተተኮሰ ጠያይት፡ ሓደ ሰብኣይ ሞይቱ ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቈሲሎም ... ** ፕረዚደንት ሩስያ ቫልደሚር ፑቲን ናብ ቻይና ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ በይጂንግ ኣትዩ ... ** ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ንፈለማ ቻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና።

The Aboriginal flag: History, meaning and recognition - ባንዴራ ደቀባት፡ ታሪኽ፡ ትርጉም፣ ክብርን ኣፍልጦን 19.05.2026

At school, work, council offices or sporting events, you might see a red, black and yellow flag flying beside the Australian national flag. This is the Aboriginal flag, representing the Aboriginal people of Australia and their connection to land, community and stories. - ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቤት ጽሕፈታት ምምሕዳር ወይ ስፖርታዊ ውራያት፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ባንዴራ (ሰንደቕ ዓላማ) ኣውስትራልያ፣ ቀይሕ፣ ጸሊምን ቢጫን ባንዴራ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚኣ ባንዴራ ደቀ...

‘ሕብረተሰብና ኣብ ምጥያሽን ስራሕ ምድላይን ክረኽቦም ዝግባእ ሓገዛት ኣይፈልጦምን’- ገብረስላሰ ገብሩ በዓል ሞያ ምስላጥ ትምህርትን ስራሕን 19.05.2026

ኣወስትራልያ ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ፅላታት ናይ ሰብ ሞያ ሕፅረት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ነዚ ሓጓፍ ንምምላእ ዝተፈላለየ ክእለታት ዘለዎም ሰባት ብቐዋምነትን ጊዝያውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣትውሉ መስርሕ ብምትግባር እውን ትፍለጥ። ብኻልእ ገፅ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ዝመፁ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ፡ ስራሕ ምርካብ ቀሊል ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ። ንምዃኑ ሓደሽቲ መፃእቲ፡ ስራሕ ኣብ ምድላይ ዝገጥምዎም ዕንቅፋታት እንታይ እዮም? ዘለዉ ዕድላትከ? ኣብዚ ዛዕባ፡ ሃይሉ ሳህለ ንሓደሽቲ መፃእቲ ኣብ ምጥያስ፣ ስራሕን ትምህርትን ክረኽቡ ኣብ ምግባርን ኣብ ዝነጥፍ ትካል፡ በዓል ሞያ ምስላጥ ዕድላት ትምህርት...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) 18.05.2026

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 18 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) 18.05.2026

ኣርእስታት ዜና * ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ነዘርላንድስ ምስ’ቶም ብሃንታቫይረስ ተጠቒዓ ካብ ዝነበረት መዛወሪት መርከብ ዝገዓዙ ኣውስትራልያውያን ተራኺቡ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ብቕልጡፍ ክዘራረብ መደብ ሒዘ ይብል፣ ኩናት ደጊሞም ክጅምሩ ይሓስቡ'ለው ክትብል ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ተቃልዕ፣ * ኣብ ስኮትላንድ ኣብ መወዳእታ ግጥም ሰልቲክን ሃርትስን ደገፍቲ ሜዳ ብምውራሮም ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ፣

ኲናት ከይገደሳ ንተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበሎም ኣሜሪካዊት ከተማ 18.05.2026

ኣብ መጻብቦ ሖርሙዝ መራኽብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመራኽብ ነዳዲ ኢራን ኣብ ሓደጋ የእትወአን፣ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ፍጹም ዓወት ይጠልብ። ኣብ ቱሶን (Tucson) ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክመስል ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉ ይሸባሸቡ’ለዉ።

ቻይና ሓድሽ ሚዛን ሓይሊ ዓለም ኣብ ዝፈጠረትሉ ትራምፕ መጀሃሪ ዝኾኖ ብዙሕ ከይሓዘ ተመሊሱ 18.05.2026

ኣብ መላእ’ቲ ብዓቢኡ ናይ ክብሪ ዋዕላ ዝነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኔሮም።

ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም (ጸብጻብ) 18.05.2026

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ዝነበሮ ኩነታት ሓውዩ ምምላሱ፣ ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም፣ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ወደብን መጓዓዝያ ባሕሪን ስምምዕ ምኽታመንን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተወሳኺ 10 ቢሊዮን ብር በጀት ምሕታቱን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም።

ቀረጽ ኣባይቲ ምትዕርራይ ተገይርሉ ይብል መንግስቲ፣ ግን ድሕሪት ዝተርፉ ኣውስትራልያውያን ክህልዉ ድዮም፧ 17.05.2026

ኣብ ናይ’ዚ ዓመት ፈደራል ባጀት ኣብ’ቶም ምትዕርራያት ንቀረጽ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ክቕርቀሩ/ክህሰዩ ዝኽእሉ ኣየኖት ኣውስትራልያውያን’ዮም፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 ግንቦት 2026) 14.05.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

Écoute le podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ sur Replaio

La radio et les podcasts dans une seule appli - gratuite, sans inscription. Installe-la dès aujourd'hui et ne rate pas le lancement

Télécharger sur Google Play

Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics