SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
No dejes de visitar la web del podcast y apoyar a su creador: www.sbs.com.au
¿Dónde escuchar?
Podcasts en la app Replaio Radio Muy prontoLos podcasts llegarán muy pronto a la app. Instálala ahora y sé el primero en descubrir una forma totalmente nueva de vivir los podcasts
Episodios
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ጥቅምቲ 2024) 31.10.2024 13:39
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ከምዘይጎድል ተፈሊጡ። ሓድሽ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ናዒም ቃስም ፡ዘተኣማምን ውዕል እንተልዩ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝሰማምዕ ገሊጹ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምርጫ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣብቲ ወሳኒ ቦታታት ዝገብርዎ ወፈራ ኣሐዪሎም ቀጺሎም ኣለዉ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (31 ጥቅምቲ 2024) 31.10.2024 51:39
ንሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ክቐርብ እዩ። ኣ...
ኣብ ፈለማ ዘቤታዊ ዓመጽ ብኸመይ ደው ተብሎ? 30.10.2024 14:07
ኣብዚ ፍሉይ ትሕዝቶ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ፡ ንውሉዳትን ከነዕብዮም ከለና ፡ ኣኽብሮት ዘለዎም መጻምድቲ ምእንቲ ክዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኽንርእይ ኢና ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናይ ብሕቶም ተመኩሮን ዓሚቝን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰለስተ ኣጋይሽ ክትረክብ ኢኻ ። ወላዲ ኩን ኣባል ስድራ ቤት ፡ ምስ መንእሰያት ብዛዕባ ኣኽብሮት እንታይ ከም እትደልን ብኸመይን ስለምንታይን ከም እትዘራረብን ካብዚ ምምሃር ይከኣል እዩ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2024) 30.10.2024 5:39
ንሎሚ 30 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ *** ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ፡ ንኣጽዋር ኲናት ፡ መከላኸሊ ሚሳይል ፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መሳርሕን ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ ። *** ኣብ ማእከላይ ሱዳን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብዘካየድዎ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ልዕሊ 120 ሰባት ተቐቲሎም ። *** ሓድሽ መራሒ ሕዝቡላህ ተሸይሙ ።
SBS Examines: In Conversation with the Governor-General - SBS Examines: ተራ ንግስነት ኣብ ዘመናዊት ኣውስትራልያ እንታይ'ዩ፧ ዕላል ምስ ዋና ኣመሓዳሪት ኣውስትራልያ 30.10.2024 9:26
Australia's Governor-General is hopeful about Australia's future, despite conflict and difficulty dominating headlines. - ባሕቲ ሓምለ 2024 ክብርቲ ሳም ሞስቲን ኣመሓዳሪት ኣውስትራልያ ወይ Governor-General (ጋቨርነር ጀነራል) ኮይና ብወግዒ ቃለመሓላ ፈጺማ። ንሳ ናይ'ዛ ሃገር መበል 28 ኣመሓዳሪትን ነዚ መዝነት ዝሓዘት ካልኣይቲ ጓለንስተይቲን እያ። SBS Examines ኣብ ከተማ ብሪዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ (Ethinic Communities Council of Australia) ተረኺቡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ስምረት...
ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዝርከብዎም ኣብ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ዝነብሩ ካብ መንበሪኦም ክወጹ ዝተገብርሉ ጉዳይ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ተናዊሑ። 29.10.2024 14:22
ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ትሕዝቶ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2024) 29.10.2024 4:43
ንሎሚ 29 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ነታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዝያዳ ኣህጉራዊ ቘላሕታ ክግብር መጸዋዕታ ቐሪቡ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናህሪ ዋጋ ገዛ እናዘሓለ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ ። ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ዩናይትድ ን ኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኣሰናቢታቶ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ጥቅምቲ 2024) 28.10.2024 50:44
ንሎሚ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዴቪድ ክራሲሊ ሎሚ [28 ጥቕምቲ] ኣብ ኲንስላንድ ሓድሽ ፕሪመር ኮይኑ ብወግዒ ምሒሉ ። ግብጺ ፡ ኣብ ቓዛ ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል እማመ ስምምዕ ከም ዘ...
መጻረዪ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተሰሪዙ፣ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ማዕረ ኣብ ዝወጻሉ ማን ሲቲ ከሲባ፣ 27.10.2024 12:53
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/10/2024) * ዮሚፍ ቀጀልቻ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ኣመዝጊቡ፡ * ኢትዮጵያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2029 ከተአንግድ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘይትሳተፍ ድሕሪ ምፍላጣ ካፍ ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝሰረዞ ገሊጹ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ሱፐርስፖርት ዩናይትድ ንኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናስር ምስኣ ክጽንበር ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣ * ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ማዕረ ዝተፈላለያሉ ግጥም ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ንማንቸስተር ሲ...
"ኣብ ኤርትራ ብቖልዓኣ 2000 መጻሕፍቲ ኣንቢባ፡ ካብ ቦትስዋና ክሳብ ኣመሪካ ብ ነፋሪት እናተጓዕዘት 800 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ኣንቢባ ወዲኣ" ዕላል ሰዊትን ዮሃንስ በራኺን 27.10.2024 29:43
ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰዊት ዮሃንስን ወላዲኣ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺን ብዛዕባ ኣብ ትምህርታ ዕውትቲ ኮይና ዝለዓለ ናይ ጥብቅና ሞያ ዝበጽሓትሉ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ናታ ጉዕዞ ዓወት ተራ ወለዲን ማሕበረሰብን ዓላል ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግኛ ፖድካስት (24 ጥቅምቲ 2024) 24.10.2024 55:30
ንሎሚ ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ።ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ጥቅምቲ 2024) 24.10.2024 14:35
ኣርእስታት ዜና፥ ብዝሒ እቶም ብ ትምህርቲ መሕረሲት ዝምረቑ ሰባት ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝድለ ብዝሒ ዘየማል ኡ ምዃኖም ስክፍታ ከምዘሕድር ሓደ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሓይልታት እስራኤል ነቲ ዝተቐትለ መራሒ ሕዝቡላህ ክትክኦ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓሽም ሰይፈዲን ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።
ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብሕሱም ድኽነት ዘለዋ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ። 23.10.2024 7:36
ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብ ዓለም፣ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ተገሊጹ ኢትዮጵያ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ክትከውን ከላ ኤርትራ ብወገና ዝዓበየ ዕዳ መንግስቲ ካብ ዘለወን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ትግራይ ንህንፀት ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንዱስትሪ ደጀና ኮንትራት ዝሓዘ ኩባንያ ቻይና CEC ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ተባሂሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መጭወይቲ ዜጋታት ገዲዱ ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥቅምቲ 2024) 23.10.2024 4:30
ንሎሚ 23 ጥቅምቲ ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ኣብ ካዛን ሩስያ፡ መራሕቲ ደቡባዊ ደምበ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዋዕላ ብሪክስ ይካየድ ኣሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ውግእ እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅምር ን መበል 11 ግዜ ናብ እስራኤል ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ዓመትካብ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ፍልሰት ሓቢሩ።
ኣብ ኣውስትራሊያ መስርሕ ምህናጽ መንበሪ ገዛኻ (ምንባረ ኣብ ኣውስትራሊያ) 23.10.2024 7:17
ኣብ ኣውስትራሊያ ገዛ ምስራሕ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕልሚ ወይ ራእይ እዩ ፡ እዚ ሕልሚ ተግባራዊ ንምግባር ግን እንታይ ኣገደስቲ ስጕምትታት እዮም ዘድልዩ ። ዝጸንሐ ቤት ምዕዳግ ቀሊል ዝመስል እኳ እንተ ኰነ ፡ መሬት ንምዕዳግን ቤትካ ንምህናጽን ዝግበር መስርሕ ብጥንቃቐ መደብ ምውጻእን ኣብ ግምት ምእታውን ዝሓትት እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ መንበሪ ገዛኻ ንምህናጽ ዝድለዩ ስጉምትታት ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባአ ኣብ ኣውስትራሊያ ተገሊጹ ኣሎ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥቅምቲ 2024) 22.10.2024 5:54
ንሎሚ 22 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት: ነጻ ኣባል ባይቶ ሊድያ ቶርፔ ነቶም ኣብ ካንቤራ መንግስታዊ ኣቀባብላ ዝግበረሎም ዝነበረ ንጉስ ቻርለስን ሰበይቱን “ንጉሰይ ኣይኮነን ኢላ ዝጨደረቶ ዓለምለኻዊ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ዊዒሉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ማርካቶ ኣዲስ ኣበባ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ፡ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ፡ ዳግም ብምጽላም ስም ተኸሲሱ ።
“ወለደይ ነጻ ኣተሓሳስባ ክውንን ነጻ ጌሮሙኒ።” ሰዊት ዮሃንስ፡ ዕላል ኣቦን ጓልን 21.10.2024 21:01
ሰዊት ዮሃንስ ብንእስነታ ምስ ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተሰዲዳ ዝለዓለ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዛዚማ ብሞያ ጥብቅና ትሰርሕ ዘላ እያ። ኣቦን ወድን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ብዛዕባ ዝምድና ወለድን ዉልድን፡ ጥዑይ ኣተዓባብያ ዉሉድን ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን ብሰፊሑ ኣዕሊሎምና ኣለዉ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥቅምቲ 2024) 21.10.2024 52:58
ንሎሚ ሰኑይ 21 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናጹ ሚድያታት ብነጻነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዝብሉን ካልእን ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ኣባል ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ዝምልከት ዝተገብረ ቃለ መሕትት። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢ...
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ) 20.10.2024 6:04
ኣብ ዝተኻየደ ዓብዪ ቴሌቶን ትግራይ ክልተ ሚኢትን ሓደን ሚሊዮን ብር ንምልጋስ ቃል ተኣትዩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13.4 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናፁ ሚድያታት ብነፃነት ክሰርሓ ኣይክኣላን ተባሂሉ። ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ ናይ ኣምባሳደርነት ወረቐት ንንጉስ ስዊድ ኣቕሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎጃም “ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ተሓጽዩ፣ ኣርሰናል ኣብ`ዚ ወቐቲ ፕሪምየር ሊግ ንፈለማ ግዜ ተሳዒራ፣ 20.10.2024 15:10
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/10/2024) * ማራቶን ኣምስተርዳም ብዓወት ኢትዮጵያውያን ብክልቲኡ ጾታታት ተዛዚሙ፣ * ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ሓዳስ ጋንታ ይደሊ ከምዘሎን ሰባት ክተሓባበርዎን ኣብ መድረኽ ሓፋሽ ክፉት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2024 ካብ ዝተሓጽዩ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምናይ ዙርያ ግጥማቱ ኣካይዱ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዓወታት ከመዝግባ`ንከለዋ ኣርሰናል ንፈለማ ግዜ ኣብ`ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ደጊማ...
"ኤሪሳት ይኹን ካልእ ትካል ዝሕለፍ ሓሊፉ ክቕጽል ምኽኣል ዓቢ ነገር'ዩ" ዝርርብ ምስ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ዝመጽእ ሲምፖዚዮም። 20.10.2024 16:15
ኣባላ ኮሚቴ ምምኻርን ኣድኣላዊ ሲምፖዚየምን ኤሪሳት ኣቶ ዮሴፍ ኣልኣዛር ብዛዕባ ኣብ 2 ሕዳር 2024 ዝግበር ሲምፖስየምን ስልማት ተባዕ ጋዜጠኛ ምልክያስ ይዛረብ።
ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ጥቅምቲ 2024) 17.10.2024 14:29
ኣርእስታት ዜና፥ ፓርላማ ደቡብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ 27 ሰሙናውን ሽድሽተ መዓልታትን ጥንሲ ምውራድ ሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ብጸቢብ ድምጺ ዉዱቕ ገይርዎ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለነስኪ፡ መሻርክቲ ዩክሬን ሃገሩ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዕድመ ከቕርባ ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ።
ኣብ ዓፋር ተጫጭሑ ዝተብሃለ ኣንበጣ ገረብ ስግኣት ሓረስቶት ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 16.10.2024 7:32
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣመልኪቱ ፀብፃቡ ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኸቕርብ ተሓቲቱ። ኢትዮቴሌኮም ካብ ጠቕላላ 100 ቢልዮን ብር ኣክስዮን ናይ 100 ሚልዮን ብር ኣክስዮን ንመሸጣ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። ስምምዕ ኣጠቃቅማ ማይ ሃገራት ተፋሰስ ፈለግ ኣባይ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ተፈፃምነት ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣንጻር ዋልያታት ኢትዮጵያ ክትገጥም'ያ። 16.10.2024 3:59
ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣብ ዞና ሴካፋ ንመጻረዪ ግጥማት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ኣብ ዝሳተፋሉ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ኣንጻር ኢትዮጵያ ክትገጥም በጺሕዋ፣ * ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ከተማ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኣካይዳ ኣብ ጀርመን ዝጻወት ሰርሑ ጊራሲ ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ 4-1 ተሳዒራ,
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2024) 16.10.2024 6:56
ንሎሚ 16 ጥቅምቲ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ : ኣርእስታት ዜና፥ ግዚያዊ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ሰራዊ እስራኤል መጥቃዕቲን ወረራን ኣብ ሊባኖስ ቐጺሉ። ሰባት ኣብ ናይ ዘይሃሰብዎ ኮንትራት ወይ ሳብስክሪፕሽን ዘእቱ መጻወድያታትን ፡ ነቲ ውዕላት ንምስራዝ ኣጸጋሚን ኣደናጋርን ዝኸውን ዘሎን ተግባራት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ክእገድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ዝተኸፋፈሉ ፖለቲከኛታት ህወሓት ንምዕራቕ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።
Replaio no es editor de podcasts; los nombres de los programas, las portadas y el audio pertenecen a sus autores y se distribuyen a través de canales RSS públicos