SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1423 episodios

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

No dejes de visitar la web del podcast y apoyar a su creador: www.sbs.com.au

Autor

SBS

Categoría

News

Web del podcast

www.sbs.com.au

Último episodio

22 de oct. de 2026

¿Dónde escuchar?

Podcasts en la app Replaio Radio Muy pronto

Los podcasts llegarán muy pronto a la app. Instálala ahora y sé el primero en descubrir una forma totalmente nueva de vivir los podcasts

Descárgala en Google Play Instálala gratis Android casi 10 M de descargas · valoración de 4,8 iOS muy pronto

Episodios

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026

ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ 24.09.2026

ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 23.09.2026

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ። #sbsaudiopodcast

ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። 23.09.2026

መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተኣቢያ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። #sbsaudiopodcast

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026) 23.09.2026

*** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡ #sbsaudiopodcast

Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን። 22.09.2026

Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it’s an effective way to take charge of our health. Let’s take a closer look at why a breast screen is nothing to be anxious about. - ስሩዕ መርመራ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ ብኣግኡ እቲ ሕማም ምህላዉ ን...

ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከረም) 21.09.2026

*** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027) 21.09.2026

ንሎሚ 21 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026) 21.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ’ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast

Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዘለዎምን ክትንከፉ'ዮም 20.09.2026

The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger enforcement and a crackdown on visa hopping. - መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት...

ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ውድባትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሕዝነት ከም ዝፈጠሩ ኣፍሊጦም። 20.09.2026

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መደረ ኣስሚዑ ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026) 17.09.2026

ንሎሚ 17 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

“ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ’ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ" 17.09.2026

ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast

ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። (ዜና 17 መስከረም 2026) 17.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ** ጽላት ንግዲ ኣብ መደብ ፖሊሲ ስደት ኣውስትራልያ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስግኣቱ ገሊጹ... ** ሓንቲ እንግሊዛዊት ቁሸት ብሰንኪ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትግንጸል ረፈረንደም ኣካዪዳ... ** ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። ** ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ንዓመተ ስፖርት 2027 F1 ኣብ መልበርን ኣይክኽፈትን ኢዩ። #sbsaudiopodcast

"ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ።" ኤምባሲ ኣመሪካ (ጸብጻብ) 16.09.2026

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካዶ ዘተ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ብካልእ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምቕጻል ደገፍ ከም ዝገብር ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ። #sbsaudiopodcast

ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ናይዶል ንውዮን ነቲ "ናይ ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን" ዝበለቶ ስዒቡ ንዝቐርብ ዘሎ ዝለፋ መልሲ ሂባ። 16.09.2026

ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ። እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ። #sbsaudiopodcast

#119 Talking about hay fever (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS #119 Talking about hay fever (Med) 15.09.2026

Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. - Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. Keep practising the phrases from this episode an...

ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 መስከረም 2026) 15.09.2026

** ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ** መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋታት መጠኑ ከቢድ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣረጋጊጹ። ... ** ናይሮቢ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ከተማ ንሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ከተአንግድ ተመሪጻ። #sbsaudiopodcast

What are Indigenous Protected Areas in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ሕዙኣት ቦታታት ደቀ'ባት ዝበሃሉ እንታይ'ዮም፧ 15.09.2026

National parks, nature reserves, marine sanctuaries and Indigenous Protected Areas protect different environments and operate under different rules. What makes an Indigenous Protected Area different, and how can you find out whether you are welcome to visit? - ሃገራዊ ፓርክታት፡ ዕቑር ተፈጥሮ፡ ሕዙእ ናይ ባሕር ክፋልን ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይሕዝኡን ብዝተፈላለዩ ሕግታት ይሰርሑን። ናይ ሓደ ሕዙእ ከባቢ ደቀባት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ክትበጽሑዎም ትኽእሉ...

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋታት ነዳዲ ከንህር'ዩ፡ (ሕጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 15 መስከረም 2026) 14.09.2026

** ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረብ ዝወስድ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ቀጻሊ ጽልዋ ክህልዎ ምኹኑ ተፈሊጡ።... ** ሰልፊ ዋን ኔሽን ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ን ኣውስትራሊያ ቢልዮናት ዶላራት ቁጠባዊ ክሳራ ከውርደላ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ** ኤ-ኣይ ኣዝዩ ሓያልን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋምን ቅድሚ ምዃኑ፡ ወዲ ሰብ መከላኸሊታት ንምትካል ውሱን ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ ። #sbsaudiopodcast

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026) 14.09.2026

ንሎሚ 14 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ትካላት ንግዲ ሶማልያ ኣማራጺ መስመራት መራኽብ ይደልዩ፡ (ዕለታዊ ዜና 14 መስከረም 2026) 14.09.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ። ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም። ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ። #sbsaudiopodcast

'ንብምሉኡ ኢንተርነት ክቆጻጸሮ ይኽእል’ዩ፣' ላዕለዎት መራሕቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ዓመት ክለዓል ይኽእል ዝብልዎ ስግኣት 13.09.2026

ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ። #sbsaudiopodcast

ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሰንዓፈ፡ (ጸብጻብ) 13.09.2026

ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ። ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ ። ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ። ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast

Escucha el podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ en Replaio

Radio y podcasts en una sola app - gratis y sin registro. Instálala hoy y no te pierdas el estreno

Descárgala en Google Play

Replaio no es editor de podcasts; los nombres de los programas, las portadas y el audio pertenecen a sus autores y se distribuyen a través de canales RSS públicos