SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Bezoek zeker de website van de podcast en steun de maker: www.sbs.com.au
Waar luisteren?
Podcasts in de app Replaio Radio Binnenkort beschikbaarPodcasts komen binnenkort naar de app. Installeer nu en zie als eerste een compleet nieuwe kijk op podcasts
Afleveringen
2026 Census: What you need to know to ensure you’re counted - መጽናዕቲ ህዝቢ (Census) 2026 : ከም ተቖጸርኩም ንምርግጋጽ ክትገብርዎ ዝግባእ ነገራት፡ 07.07.2026 10:25
The 2026 Census is on Tuesday 11 August and every person in Australia on this night must be counted. Census data is used to understand where we live, the languages we use at home (including Auslan), the support we need and how Australia is changing as a nation. Being counted helps ensure your community, culture and beliefs are represented. Here’s what you need to know about completing the Census f...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሓምለ 2026) 07.07.2026 3:52
** ሰልፊ ጥምረትን መንግስትን ነቲ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ኮኒኖምዎ ... ** ኣብ ስሪላንካ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብእተላዕለ ናዕቢ ፡ሽዱሽተ ሓለውቲ ዝርከብዎም ዕስራን ሓሙሽተን ሰባት ተቐቲሎም ... ** ስጳኛ ንፖርቹጋል ብምስዓር ካብ 2010 ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዓወተትሉ ንደሓር ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ እያ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (6 ሓምለ 2026) 06.07.2026 48:49
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ምሉእ ትሕዝቶ ዜና፡ ትንታነ፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትት፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፦
ኖርወይ ንብራዚል ኣምበርኪኻታ፡ ሕልሚ መክሲኮ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ተበቲኑ። 06.07.2026 4:54
ነርወይ ነታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ግዜ ሻምፕዮን ንዝኾነት ብራዚል ብምስዓር ኣብ ርብዒ ፍጻመ ቦታኣ ሒዛ ። ካብ ኣአንገዲቲ ሃገራት ዝኾነት ሜክሲኮ "ውን ኣብ ሜዳኣ ኣብ ቅድሚ ኣሻሓት ደገፍታ ብ እንግሊዝ 3-2 ድሕሪ ምስዓራ ካብቲ ውድድር ወጺኣ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 25 መዓልቲ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሓምለ 2026) 06.07.2026 11:36
ኣርእስታት ዜና፥ ብሰንኪቲ ኣብ ቨንዙወላ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ጕድኣት ፡ 9.65 ቢልዮን [6.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሚቱ ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ኣመሪካ መዓልቲ ናጽነት መልእኽቱ ነቲ ወትሩ ዝደግሞ ቃል ኮሚኒዝም መንሽሮ ምዃኑ ገሊጹ። ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተገብረ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ነርወይ ፡ ብብሉጽ ተጻዋታያ ኤርንሊ ሃላንድ ተመሪሓ ንብራዚል ፡ ብዘደንቕ መገዲ 2ብ1 ስዒራታ ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። (ጸብጻብ) 05.07.2026 8:10
ኤርትራ ኮለጅ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ዘምሃሮም 1,018 ተመሃሮ ብዲግርን ዲፕሎማን ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምህሮም ዝፀንሐ 2931 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 53 ቶን ወርቂ ከም ዝባኸነ ተገሊፁ። ኤርትራ፣ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ዙርያ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትዛረብ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ። ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝፈጸም ግዱድ ወታደራዊ ምልመላ ተቓዊሙ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፈርዶም ይጽበዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ሰራዊት ሱዳ...
ልዕሊ 25 ሽሕ ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ሚልየነራት ኣካል ናይ'ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግሎባዊ ጉጅለ ሕብረተሰብ ሃብታማት ኮይኖም። 05.07.2026 6:53
ስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ፡ ዓለማዊ ሃብቲ ካብ 2017 ንደሓር ብዝቐልጠፈ ናህሪ ሰፊሑ ክብል ደምዲሙ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብ’ዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ኢንግላንድን በልጂምን ብክንደይ ቀይቀይ ናብ ዝቕጽል ሓሊፈን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብቐሊሉ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ። 02.07.2026 4:07
ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ሃብሮማት ሃሪ ኬንን ዩሪ ቲልማንስ ን ብዘመዝገብወን ሸቶታትኢንግሊዝን ቤልጁምን ናብ ሰንጠረዥ 16 ክጽምበራ ከለዋ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ካብ ቦዝኒያ ሆርዞጎቪና ቐሊል ብድሆ ገጢምዋ እያ ናብቲ ዙር ሓሊፋ። እዚ ናይ መበል 21 ጽሟቕ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026 48:21
ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሓምለ 2026 ዘተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ ፦
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026 10:48
ኣርእስታት ዜና፥ ጉጅለታት ኣድሕን ኣብ ቨነዝዌላ ድሕሪ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝድሕኑ ሰባት እንተረኸቡ ቃልሶም ቀጺሎም። ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ሜላት ኪሮስ ኣብ ምርጫ ኮንግረስ ኣመሪካ ንብዙሕ ዓመታት ስልጣን ሒዛ ንዝጸንሐት ኣባል ኮንግረስ ስዒራ ተዓዊታ፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ፡ እንግሊዝ ኣንጻር ኮንጎ ገጢማ 2 ብ 1 ክትስዕር ከላ በልጂየም ድማ ንሰኔጋል 3 ብ 1 ስዒራ።
ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ) 01.07.2026 10:47
ባንክ ኤርትራ፡ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ። ህወሓት ምስ ፌደራል መንግስቲ ንምድርዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይኮነስ ሳልሰይቲ ሃገር ከም ዝደሊ ገሊጹ። ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ገበናት ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ #ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክምርመሩ ተሓቲቱ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሓምለ 2026) 01.07.2026 4:10
** ንብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ካብ ሎሚ ክውስኽ እዩ... ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ረድኤት ቃፍላይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም... ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ።...
How to get into inclusive football in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንጥዕና ክትጻወቱ ይኹን ኣብ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ክትጥርነፉ ምስ ትደልዩ ከመይ ትጅምሩ፧ 30.06.2026 11:31
It’s no exaggeration when we hear that the FIFA World Cup is bringing the world together. After all, football is known as the world’s most popular sport. But football really begins on the suburban ovals and in the local clubs, with everyday players of all ages and abilities. Here’s how you can become one of them. - ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንዓለም ዝጥርንፍ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ'ዩ ዝብል ክንሰምዕ እንከለና ምግናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩዕሶ እግሪ ኣብ...
"ዕላማ'ዚ ምትእኽኻብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ካብ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ካልእን ጸግዒ ዘይብሉ ነጻ ርክብ ንምፍጣር'ዩ።" ኣሌክስ 30.06.2026 26:05
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ናይ ቀደም ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃሮ ተኣኪቦም ኔሮም። ናይዚ ርክብ ዕላማ፡ ነዚ ንምውዳብ ዝተሓልፈ ላዕሊ ታሕቲን ውጽኢታቱን መጻኢ መደባቱን ዝምልከት ምስ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ምስ ኣለክሳንደር ጠዓመ ፈቶ ዝተገብረ ዕላል።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (30 ሰነ 2026) 30.06.2026 6:38
ንሎሚ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ: * ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝሃሰያ ቬንዙዌላ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ብድሕሪ ምንቅጥቃጣት ይሰናኸሉ፣ * ቴህራን ዝተመደቡ ዝርርባት የለውን ኣብ ትብለሉ ዋይት ሃውስ ግን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ኢራን ኣብ ቀጠር ክራኸቡ’ዮም ይብል፡ * ኣውስትራልያን ቫኑዋቱን ኣብ ጽልዋ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ክፈላለያ ብምስምማዕ ውዕል ተፈራሪመን፣ ቻይና ድማ ድሕሪ’ዚ ውዕል ናብ ኣውስትራልያ ዘቕንዐ መጠንቀቕታ ሂባ፣
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (29 ሰነ 2026) 29.06.2026 47:58
ን ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ሰነ 2026) 29.06.2026 12:02
ኣርእስታት ዜና፥ ብናይ ወጻኢ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኣብ ኦንላይን ንዋን ኔሽን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ሳራ ሃንሰን ያንግ ገሊጻ። ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓድሽ ተጻብኦታት እናተዘርግሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ምጥቃዕቲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መገዲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ 1-0 ድሕሪ ምስዓራ ፡ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ጋንታ ኮይና ።
MiniPod: Hammered | Words we use - MiniPod: Hammered | Words we use 29.06.2026 4:00
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘hammered’. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘hammered’.
ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብምስዓር እታ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዝሓለፈት ሃገር ክትከውን ኪኢላ። 29.06.2026 4:00
ካናዳ፥ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ሸቶ ብምእታው ንልቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰብር ተዓዊታ። በዚ ድማ ካናዳ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ ዙርያ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ካብ ሃገራ ዋጻኢ ዓወት ዝረኸበት ኣኣንጋዲት ሃገር ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ናይ መበል 18 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዘይኽእሉ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትቕበል ምዃና ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 28.06.2026 8:45
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሚኒስተር መዚዙ። ፔን ኢንተርናሽናል ንመንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እሱራት ጋዜጠኛታት ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዘይኽእሉ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትቕበል ምዃና ተገሊጹ። ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።
“ቋንቋ ትግርኛ ብስሩዕ ደረጃ ኣይማዕበለን፡ ነናይ ወለዶኡ እዩ ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን ዘሎ” ኣርኣያ ካሳ 28.06.2026 33:36
ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
ኬፕ ቨርደ፣ ተኣምራታ ኣብ ዋንጫ ዓለምን ሚልዮናት ተኸተልቲ ዝኸሰበ ሓላው ልዳታን 28.06.2026 4:38
500 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዘለውዋ ሃገረ ኬይፕ ቨርደ (ብቋንቋ ፖርቱጊዝ ካቦ ቨርደ ተባሂላ ትጽዋዕ) ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ዝነብሩ ተወላዶኣ ዘሐጎሰ ኩሉ ግምታት ኣምኪና ናብ ዙርያታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሓ’ላ። ኬፕ ቨርዳውያን ደገፍቲ ኣብ ኣውስትራልያ እታ ንእሽቶ ደሴታዊት ሃገር ንፈለማ ግዚኣ ናብ ደረጃታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ድሕሪ ምብጻሓ ሓጎሶም ይገልጹ’ለዉ።
ዲ ኣር ኮንጎ ናብ ዝቕጽል ውድድራት ብምሕላፍ ታሪኻዊ ዓወት ዝተመዝገበሉ 32 ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጡ ናይ ጉጅለ ዉድድራት ተዛዚሙ፡ : World Cup Daily 28.06.2026 4:21
ዲ.ኣር. ኮንጎ ንመጀመርታ ግዜኣ ብዘደንቕ ኩነታት ኣብ መበል 17 መዓልቲ ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ንፈለማ እዋን ናብ ጉጅለ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ። ኣልጀርያን ኦስትርያን ብማዕረ ብምውጻአን ፡ ናይ ኢራን ተስፋ ምሕላፋ በኒኑ።
ብራዚል ኣብ ጉጅለ C ቀዳማይ ተራ ተሰሪዓ ነይማር ኣብ ጸወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከተስልፎ ትቕርቦ; (ጽሟቕ ጸብጻብ መዓልቲ 14 ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026) 25.06.2026 3:59
ብራዚል ኣብ መስርዕ መድረኽ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሰሪዓ ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ታሪኽ ሰሪሓ ፣ ሶኮሩስ ግና ቅድሚ እቲ ምስ ፓራጓይ ትገብሮ ወሳኒ ግጭት ፡ ካልእ ማህሰይቲ ተጻዋታያ ኣጋጠሙዋ ። ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 14 መዓልቲ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 እዩ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (25 ሰነ 2026) 25.06.2026 46:38
ን ሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።
Replaio is geen uitgever van podcasts; namen van shows, covers en audio zijn eigendom van hun makers en worden verspreid via openbare RSS-feeds