SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Bezoek zeker de website van de podcast en steun de maker: www.sbs.com.au
Waar luisteren?
Podcasts in de app Replaio Radio Binnenkort beschikbaarPodcasts komen binnenkort naar de app. Installeer nu en zie als eerste een compleet nieuwe kijk op podcasts
Afleveringen
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026) 20.07.2026 10:15
ኣርእስታት ዜና፥ ስምምዕ ተዂሲ ካብዝፈርስ ንዳሓር ንፈለማ ሰራዊት ኣመሪካ ኣባላቱ ድሕሪ ምስኣኑ ኣመሪካ 'ንቴህራን ብኸቢድ ክምትቐጽዓ' ዋሽንግተን ኣጠንቂቓ። ሰልፊ ጥምረት ነቲ መንግስቲ ብዛዕባ እስላሞፎብያ (ጽልኣት ኣብ ልዕሊ እስልምና) ኣብ ኣውስትራልያ ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ ይምርምሮን ኣብ ቀረባ ምላሽ ከምዝህበሉን ገሊጹ ። ስጳኛ ኣንጻር ኣርጀንቲና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ተዓዋቲት ኮይና ።
ኤርትራን ኣሜሪካን "ኣድማዒ" ዘተ ኣካይደን ተባሂሉ። (ጸብጻብ) 19.07.2026 9:10
ኤርትራ፣ ግብጽን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ምትእስሳር ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛትየን። መራሒ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደራልን ዝግበሩ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት 'ግዜ መግዝኢ' እዮም ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። ኣብቲ ክልል ናይ መኸተ ምድላዋት ሓይሉ ከም ዝቕጽል ውን ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ "ግፋ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣንጻር ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ ተኻይዱ።
"ድኽመት ፈረንሳ መወዳእታ እዋናት ኣሰልጣኒ ደሻምፕ ዘመልክት'ዩ፣ ጸገም እንግሊዛውያን ድማ ንጹር መንነት ኣጸዋውታ ክህልዎም ዘይምኽኣሉ'ዩ፣" ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 18.07.2026 32:01
ክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታ...
ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ስዒራ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ስጳኛ ክትገጥም እያ። 16.07.2026 3:13
ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ብዘደንቕ ጸወታ 2ብ1 ስዒራታ ፣ ሊዮነል መሲ ድማ በቲ ንተዓዘብቲ ዘገረመ ጥበብ ኣጸዋውታኡ ነታ ጋንታ ናብ ፍጻመ ኣብቂዕዋ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 35 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (16 ሓምለ 2026) 16.07.2026 10:19
ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ጀሚራ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ለበዳ ኢቦላ ናብ 2000 መልከፍቲ በጺሑ ። ኣርጀንቲና ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር እንግሊዝ ገጢማ 2ብ1 ብምዕዋት ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ በጺሓ ።
ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። (ጸብጻብ) 15.07.2026 10:36
ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ክካየድ ጀሚሩ; ወከልቲ ትግራይ ኣብቲ 'ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ' ዝተባህለሉ ዘተ ከይተሳተፉ ተሪፎም። ሓንቲ ኮሚሽነር እቲ ሃገራዊ ዘተ ድማ ብፍቓዳ ሓላፍነት ክትለቅቕ ከላ ፤ ውድብ ኢሕአፓን ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ 'ፅላልን' ብወገኖም ኣብ መፈለምታ መዓልቲ እቲ ሃገራዊ ዘተ ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለዉ። ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ተካይድ ኣላ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መቐለ ዑደት ኣሳሊጡ። ኣብ ኤርትራ ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ...
ብዕድመ ዝኣረጉ ሰባት ዝመልእዎ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: 15.07.2026 9:29
እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኣመሪካ ኮንግረስ ፡ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ዓበይቲ ዝመልእዎ ኮይኑ ፡ እቶም ኣብ ኡ ዘለዉ ዝነውሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ይርከብዎ ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፡ ሊንድሰይ ግራሃምን ምማቱን ሚች ማኮነልን ድማ ኣብ ሆስፒታል ምናዩን፡ እቲ ብዛዕባ ደረት ዕድመ ንኮንግረስ ዝግበር ክትዕ ተበራቢሩ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሓምለ 2026) 14.07.2026 4:18
***ኮንጎ ፡ ነቲ ብ15 ግንቦት ንፈለማ ግዜ ከምዝተራእየ እተነግረ ፡ ክሳዕ ሕጂ ሕክምናን ክታበትን ዘይተረኽቦ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ኢቦላ ብቐጻሊ ትቃለሶ ኣላ ። ***ዶናልድ ትራምፕ ብ ሆርሙዝ ኣብ ዝሓልፋ መራኽብ 20 ሚእታዊ ከኽፍለን ዝወጠኖ ሰሪዝዎ። *** ስጳኛ ንፈረንሳ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማ ክልተ ብባዶ ድሕሪ ምርትዓ ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ ።
What are the rules for taking photos in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ስእሊ ንምስኣል እንታይ ሕግታት'ዮም ዘለዉ? 14.07.2026 8:11
Whether you’re new to taking photographs, a social media content creator or a professional photographer, it’s important to be aware of where you can and can’t take photographs. Here’s what to consider before you take that perfect photograph, legally. - ፎቶግራፍ ክትወስድ ወይ ስእሊ ክትስእል ሓድሽ ኩን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝኸውን ትስእሉ ወይ ክኢላ ሰኣልቲ እንተኾይንኩም፡ ኣበይ ክትስእል ከም እትኽእልን ስእሊ ክትወስድ ከም ትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ፎቶግራፍ ቅድሚ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሓምለ 2026) 14.07.2026 5:21
***ላዕለዋይ ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጻኢ ሆርሙዝ ኣብ ምውሳን ግደ ከም ዘይብላን ኣብቲ ናይቲ መጻብቦ ኵነታት ጣልቃ ክትኣቱ ከም ዘየፍቀድን ገሊጹ። *** ልዕሊ 120 ስድራቤታት ብሰራሕተኛ ቻይልድ ኬር ግዳያት ምዃኖም እተፈልጡ ከምዘዛረበ ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ። *** ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝጽበዮም ዘሎ ይከታተሎ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ጉዕዞ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኣርጀንቲናን ኢንግላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 13.07.2026 3:58
ካብተን ኣብዚ ዋንጫ ዓለም 2026 እተሳተፋ 48 ጋንታታት ፡ እተን ኣርባዕተ ጥራይ ተሪፈን ኣለዋ ፣ ኣብ መወዳእታ ውድድር ዋንጫ ዓለም ድማ ፡ ፈረንሳ ፡ ስጳኛ ፡ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ኮይነን ኣለዋ ። እቲ ውድድር ፡ቅድሚ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ረቡዕ ምጅማሩ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዱ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ናብዚ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ዝርከብ ክቡር ቦታ ብኸመይ ከም ዝበጽሀት እስከ ንርአ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 መበል 32 መዓልቲ እዩ ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሓምለ 2026) 13.07.2026 11:17
ኣርእስታት ዜና፥ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣመሪካን ኢራንን ፡ ብከቢድ ሚሳይላትን ድሮንን ተታዂሰን። ቻይና ኣብ ፓሲፊክ እተካይዶ ዘላ ፈተነ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለዎ ሚሳይል ፡ መሻርኽቲ ኣውስትራልያ ኣብ ጸጥታ ብሓባር ደው ንኽብሉ ደሪኹ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ረቡዕ ንግሆ [15 ሓምለ] ዝጅምር ኮይኑ ፡ ፈረንሳ ኣንጻር ስጳኛ፡ ሓሙስ ድማ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ክገጥማ እየን ።
እንግላንድ ብበሊንግሃም ዝተረኽባ ሸቶታት፡ ኣርጀንቲና ድማ ንስዊዘርላንድ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም 2026 ሓሊፈን። 12.07.2026 3:10
እንግሊዝ ድሕሪ ካልእ ብሉጻት ሸቶታት ናይ ጁድ ቢንግሃም ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ፡ ኣርጀንቲና ድማ ነታ 10-ተጻወቲ ሒዛ ዝተረፈት ስዊዘርላንድ ብምስዓር ናይ ዋንጫ ዓለም ምርኩስ ብምግባር ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ ኣላ ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መን'ዩ - መጻእቲ፧ ወረቐት ዘይብሎም፧ ወጻእተኛታት፧ እቲ ምኽንያት ከ፧ 12.07.2026 8:05
ኣወሃሃድቲ ኣድማ፣ ኣንጻር ወረቐት ዘይብሎም መጻእቲ ኢና ንቃወም ዘለና ይብሉ፣ እንተኾነ ግን ገሊኦም ካልኦት ምኽንያታት’ውን ከላግብሎም ደልዮም ከስፍሕዎ ይደልዩ።
ህወሓት፥ "ምስ ኤርትራን ሱዳንን ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።" ንዝብል ክሲ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነፂጉ። (ጸብጻብ) 12.07.2026 10:00
ኮለጅ ስነ ፍልጠት ማይ ነፍሒ ከምህሮም ዝጸንሐ 300 ተመሃሮ ብመዓርግ ቀዳማይ ዲግሪ ኣመሪቑ። ብሪጣንያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ገሊጻ። ኤርትራ፡ ንምስሳን መሬትን ኣከባብን ዝውዕል ናይ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ። ኡጋንዳ ብጉዳይ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምዃና ኣፍሊጣ። ኢትዮጵያ ጥራይ ዝርከብ ብሕታዊ እንስሳ ዋሊያ አይበክስ ቁፅሪ ዓሌቱ ኣንቆልቊሉ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ቤት ፍርዲ ሱዳን ንጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ዝርከቡዎም 16 መራሕቲ ሓይሊ ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሞት ፈሪዱ።
ቀጥታ ምሉእ SBS ትሕዝቶ ትግርኛ ፖድካስት (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026 49:04
ን ሎሚ ሓሙስ 9 ሓምለ 2026 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ እዩ፥
ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። 09.07.2026 3:59
ዋንጫ ዓለም ፊፋ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ሞሮኮን ፡ ብዝግበር ዉድድር ርብዒ ፍጻመ ክጅመር እዩ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 2022 ቐጠር ኣብዝተገብረ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ፈረንሳ ስዒራ ኔራ። ሞሮኮ ሕነኣ ትፈዲ ዶ ትኸውን ወይስ ፈረንሳ ነቲ ዓወት ክትደግሞ እያ ? እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 28 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሓምለ 2026) 09.07.2026 10:31
ኣርእስታት ዜና፥ ዴንማርክ ንግሪንላንድ ካብ ወረራ ኣመሪካ ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ተልስትራ ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መርበቡ ከምዝተዓረየ ገሊጹ። እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምቁራጽ መርበብ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ሞባይል ፡ ስርዓተ መጓዓዝያ ባቡርን ገለ ናይ ትሪፕል ዜሮ ምድዋልን ተዓናቒፉ ዊዒሉ እዩ። ኣርጀንቲና ኣንጻር ግብጺ ገጢማ ምስሰዓረትን ስዊዘርላንድ ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረትን ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጠን።
ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 08.07.2026 7:32
ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ዝተሸለምዎ 50 ሽሕ ዶላር ግዳያት ኲናት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣበርኪቶም። ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ኣብ መንበሪ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ጥይት ተኲሶም ንዝበሎም ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ። ኤርትራ ንዕኣ ዒላማ ንዝገበረ መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፋ። ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ እትርከብ ስትራቴጂካዊት ዶባዊት ከተማ ኩርሙክ ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸራ ገሊጹ።
"ብራዚል ኣይግድን...፣ ኬፕ ቨርደ ግን መቐረት ፈጢሮምን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ከምዘይኮነ ኣመስኪሮምን፣" ትንተና ዋንጫ ዓለም ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 08.07.2026 33:24
ክቡራት ሰማዕትና፣ ከመይ ትኾኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይ)፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘአንግድኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዚ ዋንጫ ዓለም ዘይትጽቢታዊ ውጽኢታት ብፍላይ ድማ ጀርመንን ነዘርላንድስን ኣብ ዙር 32 ተገሊፈን ዘሰንብድ ውጽኢት ክርከበሉ’ንከሎ፣ ተኣምራታዊ ብቕዓትን ውጽኢትን ኬፕ ቨርደ ዝደመቐሉን ኔሩ። ተስፋ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮን ግብጽን ክወድቕ’ንከሎ ኮትዲቯርን ሰነጋልን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢት ኣመዝጊበን ንዓደን ዝተመልሳሉ ኮይኑ። ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም...
ኣርጀንቲናን ስዊዘርላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፈን። 08.07.2026 3:14
ኣርጀንቲና ኣደናቒ ውጽኢት ኣንጻር ግብጺ ምስረኸበትን ስዊዘርላንድን ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረት ሎሚ ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ተፈሊጠን። እዚ ጽሟቕ ናይ መበል 27 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ።
Bonus Practice: #114 Talking about the Census and data security (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS : #114 Talking about the Census and data security (Med) 08.07.2026 2:49
Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. - Practise speaking the dialogue from episode #114 Talking about the Census and data security. Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English . - Find the full episode, learning notes and more free resources at SBS Learn English .
"ኣይኰነንዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና) 08.07.2026 5:21
** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ፡ ካብ ሎሚ [ረቡዕ 8 ሓምለ] ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ይበጽሕ ኣሎ... ** ኣብ ብዙሓት ክፋላት ኣውስትራሊያ ፡ መራኸቢ ተለስትራ ኣቋሪጹ... ** "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የለን፡" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
2026 Census: What you need to know to ensure you’re counted - መጽናዕቲ ህዝቢ (Census) 2026 : ከም ተቖጸርኩም ንምርግጋጽ ክትገብርዎ ዝግባእ ነገራት፡ 07.07.2026 10:25
The 2026 Census is on Tuesday 11 August and every person in Australia on this night must be counted. Census data is used to understand where we live, the languages we use at home (including Auslan), the support we need and how Australia is changing as a nation. Being counted helps ensure your community, culture and beliefs are represented. Here’s what you need to know about completing the Census f...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሓምለ 2026) 07.07.2026 3:52
** ሰልፊ ጥምረትን መንግስትን ነቲ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ኮኒኖምዎ ... ** ኣብ ስሪላንካ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብእተላዕለ ናዕቢ ፡ሽዱሽተ ሓለውቲ ዝርከብዎም ዕስራን ሓሙሽተን ሰባት ተቐቲሎም ... ** ስጳኛ ንፖርቹጋል ብምስዓር ካብ 2010 ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተዓወተትሉ ንደሓር ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ እያ ።
Replaio is geen uitgever van podcasts; namen van shows, covers en audio zijn eigendom van hun makers en worden verspreid via openbare RSS-feeds