SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1438 episodi

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Visita il sito del podcast e sostieni chi lo crea: www.sbs.com.au

Autore

SBS

Categoria

News

Sito del podcast

www.sbs.com.au

Ultimo episodio

2 nov 2026

Dove ascoltare?

I podcast nell'app Replaio Radio In arrivo

I podcast stanno per arrivare nell'app. Installala ora e scopri per primo un modo tutto nuovo di vivere i podcast

Scaricala su Google Play Installala gratis Android quasi 10 mln di download · valutazione 4,8 iOS in arrivo

Episodi

ካብ ዋንጫ ዓለም ብፍሉይ ንዝክሮም ኣየኖት'ዮም፧ ሓደስቲ ሕግታት ንመቐረት ጸወታ ለዊጦሞ ድዮም፧ ብዝሒ ተሳተፍቲ ሃገራት ከ፧ ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 25.07.2026

ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስፐይን ከምዝተዛዘመ ዝዝከር'ዩ። ስፐይን 'ብቑዓትን ዝግበኦም ተዓወትን' ተባሂሎም ብብዙሓት ይግለጹ። ኣብ ፍጻመ ዝተሳዕሩ ኣርጀንቲና ግን ኣብ’ቲ መዓልቲ፣ ግጥም፣ ምዱብ ግዚኡ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊኦም ኤንዞ ፈርናንደዝ ብክልተ ቢጫ ካርድታት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተሰጒጉ ብ10 ተጻወቲ ክቕጽሉ ተገዲዶም። ነዚ መዝሚዞም ድማ ስፐይን ብፌራን ቶረስ ኣቢሎም ተዐውቶም ሽቶ ኣመዝጊቦም። እቲ ምልኩዕ ጸወታ ኢልና ንጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መወዳእትኡ ተዓዊቱ እንተወጸ'ኳ ነባሪ ተዘክሮ ወይ ሓድጊ ናይ'ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዘአንገደኦ ታሪኻዊ ውራይ ግን እንታይ ክኸውን'...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026) 23.07.2026

ንሎሚ 23 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 ሓምለ 2026) 23.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ እትገብሮ ዓብዪ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ንምጽዳቕ ትዳሎ ኣላ: በዚ ስምምዕ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብታ ንግስነት ኒክለሳዊ ኣጽዋር ከማዕብላን ከካይዳን እየን። ክፍሊ ጥዕና ፈደራል ፡ ሰባት ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥም ደገፍ ክደልዩ ንምትብባዕ ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሓድሽ ናይ ኣፍልጦ ወፍሪ ኣበጊሱ ኣሎ ። ናይ ቀደም ሓለቓ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ፡ ሶኮሩስ ፖል ዋደ Paul Wade ሕማም encephalopathy ወይ CTE ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

#115 Working on the side (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS ትግርኛ#115 ተወሳኺ ስራሕ ምስራሕ፥ Working on the side (Med) 22.07.2026

Learn English useful for talking about side hustles and earning extra income. Practise everyday phrases for describing additional work, managing responsibilities, and talking about money. - ብዛዕባ ጐድናዊ ስራሕ ተወሳኺ እቶት ንምርካብ ዝምልከት ንምዝርራብ ዝሕግዝ ኣበሃህላታት ብእንግሊዝኛ ንምሃር ። ብዛዕባ ተወሳኺ ስራሕ ክትገልጽን ሓላፍነታትካ ንኽትቈጻጸርን ብዛዕባ ገንዘብ ኽትዛረብን ከለኻ ፡ ጥጥቀመሎም መዓልታዊ ሓረጋት ንለማመድ። Learn English useful for talking about side hustles an...

ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ፥ (ጸብጻብ) 22.07.2026

ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ካልእ ሓድሽ ዘስካሕክሕ ኲናት ከይውላዕ ንምክልኻል ዝዓለመ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደብዳበ ጽሒፉ። ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዕላዊ ገይሩ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ተመያዪጦም።

ኣውሮጳ ብማዕበል ሙቐት ትልብለብ: 22.07.2026

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ሓያል ሃሩር ፡ ይልብለባ ኣለዋ። በዚ ከኣ ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ባርዕ መሮር ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ። ኣብ ዓለም ብቅልጡፍ ትመዉቕ ዘላ ኣህጉር ኤውሮጳ ፡ ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ዋዒ ፡ ብድርቅን ኣዕናዊ ባርዕ ዱርን ኣዝያ ትጥቃዕ ኣላ ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 ሓምለ 2026) 22.07.2026

** ኣብ ዩክሬን ህዝቢ ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምግባሩ ሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት ተሸይሙ... ** ቻይና ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ትፍጽሞ ዘላ ተግባራት "ምርግጋእ ዝዘርግን ሓደገኛን ተግባር'ዩ" ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ ፔኒ ዎንግ ገሊጻ።... ** ኣብ ወስት ኣውስትራሊያ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ፡ንኣዲኡ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታልን ነታ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓፍቱ ኣቚሲሉ ተባሂሉ ተኣሲሩ።

When can my teenager start work in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ መንእሰይ ዉሉደይ መዓስ'ዩ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል? 21.07.2026

Teenagers in Australia can undertake paid work under certain restrictions, with general employment rights also protecting young workers. Here’s what you need to know as a parent or guardian of a worker under 18. - ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ቀይድታት እናተኸፍሉ ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ መሰላት ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ውሕስነት ዝህብን'ውን እዩ ። ከም ወላዲ ወይ ኣላዪ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሰራሕተኛ መጠን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣ...

ሖቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ሱዕዲ ዓደብ ዕጽዋ ኣዊጁ (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (21 ሓምለ 2026) 21.07.2026

** ኣብ የመን ዝርከብ ብ ኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ሖቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ሱዕዲ ዕጽዋ ኣዊጁ። ** ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣንዲ በርሃም ቀዳማይ ካቢኔኡ ሸይሙ... ** ዋንጫ ዓለም 2026 ዝተዓወተት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ኣብ ማድሪድ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢን መራሕትን ተቐቢሎማ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026) 20.07.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ።

ስጳኛ ን ኣርጀንቲና 1-0 ብምስዓር ኣኽሊል ሻምፒዮን ዓለም ደፊኣ። 20.07.2026

ድሕሪ ናይ 104 ግጥማት ን ሓደ ወርሒ ዘይርሳዕ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፡ ስጳኛ ንኣርጀንቲና 1ብ0 ብምስዓር ነቲ ዝዓበየ ሽልማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ዓለም 2026 ክትወስድ ክኢላ ኣላ ። እዚ ጽሟቕ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም ጸብጻብ እዩ ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ሓምለ 2026) 20.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ስምምዕ ተዂሲ ካብዝፈርስ ንዳሓር ንፈለማ ሰራዊት ኣመሪካ ኣባላቱ ድሕሪ ምስኣኑ ኣመሪካ 'ንቴህራን ብኸቢድ ክምትቐጽዓ' ዋሽንግተን ኣጠንቂቓ። ሰልፊ ጥምረት ነቲ መንግስቲ ብዛዕባ እስላሞፎብያ (ጽልኣት ኣብ ልዕሊ እስልምና) ኣብ ኣውስትራልያ ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ ይምርምሮን ኣብ ቀረባ ምላሽ ከምዝህበሉን ገሊጹ ። ስጳኛ ኣንጻር ኣርጀንቲና ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ተዓዋቲት ኮይና ።

ኤርትራን ኣሜሪካን "ኣድማዒ" ዘተ ኣካይደን ተባሂሉ። (ጸብጻብ) 19.07.2026

ኤርትራ፣ ግብጽን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ምትእስሳር ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛትየን። መራሒ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደራልን ዝግበሩ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት 'ግዜ መግዝኢ' እዮም ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። ኣብቲ ክልል ናይ መኸተ ምድላዋት ሓይሉ ከም ዝቕጽል ውን ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ "ግፋ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣንጻር ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ ተኻይዱ።

"ድኽመት ፈረንሳ መወዳእታ እዋናት ኣሰልጣኒ ደሻምፕ ዘመልክት'ዩ፣ ጸገም እንግሊዛውያን ድማ ንጹር መንነት ኣጸዋውታ ክህልዎም ዘይምኽኣሉ'ዩ፣" ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ 18.07.2026

ክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታ...

ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ስዒራ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ስጳኛ ክትገጥም እያ። 16.07.2026

ኣርጀንቲና ን እንግሊዝ ብዘደንቕ ጸወታ 2ብ1 ስዒራታ ፣ ሊዮነል መሲ ድማ በቲ ንተዓዘብቲ ዘገረመ ጥበብ ኣጸዋውታኡ ነታ ጋንታ ናብ ፍጻመ ኣብቂዕዋ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 35 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (16 ሓምለ 2026) 16.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ጀሚራ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ለበዳ ኢቦላ ናብ 2000 መልከፍቲ በጺሑ ። ኣርጀንቲና ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር እንግሊዝ ገጢማ 2ብ1 ብምዕዋት ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ በጺሓ ።

ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። (ጸብጻብ) 15.07.2026

ኤርትራ ንፖሊሲታት ‘ውድብ ብልጽግና’ ብምኹናን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ። ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ክካየድ ጀሚሩ; ወከልቲ ትግራይ ኣብቲ 'ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ' ዝተባህለሉ ዘተ ከይተሳተፉ ተሪፎም። ሓንቲ ኮሚሽነር እቲ ሃገራዊ ዘተ ድማ ብፍቓዳ ሓላፍነት ክትለቅቕ ከላ ፤ ውድብ ኢሕአፓን ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ 'ፅላልን' ብወገኖም ኣብ መፈለምታ መዓልቲ እቲ ሃገራዊ ዘተ ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለዉ። ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ተካይድ ኣላ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መቐለ ዑደት ኣሳሊጡ። ኣብ ኤርትራ ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ...

ብዕድመ ዝኣረጉ ሰባት ዝመልእዎ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: 15.07.2026

እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኣመሪካ ኮንግረስ ፡ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ዓበይቲ ዝመልእዎ ኮይኑ ፡ እቶም ኣብ ኡ ዘለዉ ዝነውሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ይርከብዎ ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፡ ሊንድሰይ ግራሃምን ምማቱን ሚች ማኮነልን ድማ ኣብ ሆስፒታል ምናዩን፡ እቲ ብዛዕባ ደረት ዕድመ ንኮንግረስ ዝግበር ክትዕ ተበራቢሩ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሓምለ 2026) 14.07.2026

***ኮንጎ ፡ ነቲ ብ15 ግንቦት ንፈለማ ግዜ ከምዝተራእየ እተነግረ ፡ ክሳዕ ሕጂ ሕክምናን ክታበትን ዘይተረኽቦ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ኢቦላ ብቐጻሊ ትቃለሶ ኣላ ። ***ዶናልድ ትራምፕ ብ ሆርሙዝ ኣብ ዝሓልፋ መራኽብ 20 ሚእታዊ ከኽፍለን ዝወጠኖ ሰሪዝዎ። *** ስጳኛ ንፈረንሳ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማ ክልተ ብባዶ ድሕሪ ምርትዓ ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ ።

What are the rules for taking photos in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ስእሊ ንምስኣል እንታይ ሕግታት'ዮም ዘለዉ? 14.07.2026

Whether you’re new to taking photographs, a social media content creator or a professional photographer, it’s important to be aware of where you can and can’t take photographs. Here’s what to consider before you take that perfect photograph, legally. - ፎቶግራፍ ክትወስድ ወይ ስእሊ ክትስእል ሓድሽ ኩን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝኸውን ትስእሉ ወይ ክኢላ ሰኣልቲ እንተኾይንኩም፡ ኣበይ ክትስእል ከም እትኽእልን ስእሊ ክትወስድ ከም ትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ፎቶግራፍ ቅድሚ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሓምለ 2026) 14.07.2026

***ላዕለዋይ ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጻኢ ሆርሙዝ ኣብ ምውሳን ግደ ከም ዘይብላን ኣብቲ ናይቲ መጻብቦ ኵነታት ጣልቃ ክትኣቱ ከም ዘየፍቀድን ገሊጹ። *** ልዕሊ 120 ስድራቤታት ብሰራሕተኛ ቻይልድ ኬር ግዳያት ምዃኖም እተፈልጡ ከምዘዛረበ ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ሓቢሩ ። *** ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝጽበዮም ዘሎ ይከታተሎ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኣርጀንቲናን ኢንግላንድን ናብ ርብዒ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 13.07.2026

ካብተን ኣብዚ ዋንጫ ዓለም 2026 እተሳተፋ 48 ጋንታታት ፡ እተን ኣርባዕተ ጥራይ ተሪፈን ኣለዋ ፣ ኣብ መወዳእታ ውድድር ዋንጫ ዓለም ድማ ፡ ፈረንሳ ፡ ስጳኛ ፡ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ኮይነን ኣለዋ ። እቲ ውድድር ፡ቅድሚ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ረቡዕ ምጅማሩ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዱ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ናብዚ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ዝርከብ ክቡር ቦታ ብኸመይ ከም ዝበጽሀት እስከ ንርአ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 መበል 32 መዓልቲ እዩ ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሓምለ 2026) 13.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣመሪካን ኢራንን ፡ ብከቢድ ሚሳይላትን ድሮንን ተታዂሰን። ቻይና ኣብ ፓሲፊክ እተካይዶ ዘላ ፈተነ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለዎ ሚሳይል ፡ መሻርኽቲ ኣውስትራልያ ኣብ ጸጥታ ብሓባር ደው ንኽብሉ ደሪኹ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ረቡዕ ንግሆ [15 ሓምለ] ዝጅምር ኮይኑ ፡ ፈረንሳ ኣንጻር ስጳኛ፡ ሓሙስ ድማ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ክገጥማ እየን ።

እንግላንድ ብበሊንግሃም ዝተረኽባ ሸቶታት፡ ኣርጀንቲና ድማ ንስዊዘርላንድ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም 2026 ሓሊፈን። 12.07.2026

እንግሊዝ ድሕሪ ካልእ ብሉጻት ሸቶታት ናይ ጁድ ቢንግሃም ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ፡ ኣርጀንቲና ድማ ነታ 10-ተጻወቲ ሒዛ ዝተረፈት ስዊዘርላንድ ብምስዓር ናይ ዋንጫ ዓለም ምርኩስ ብምግባር ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ ኣላ ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መን'ዩ - መጻእቲ፧ ወረቐት ዘይብሎም፧ ወጻእተኛታት፧ እቲ ምኽንያት ከ፧ 12.07.2026

ኣወሃሃድቲ ኣድማ፣ ኣንጻር ወረቐት ዘይብሎም መጻእቲ ኢና ንቃወም ዘለና ይብሉ፣ እንተኾነ ግን ገሊኦም ካልኦት ምኽንያታት’ውን ከላግብሎም ደልዮም ከስፍሕዎ ይደልዩ።

Ascolta il podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ su Replaio

Radio e podcast in un'unica app - gratis e senza registrazione. Installala oggi e non perderti il lancio

Scaricala su Google Play

Replaio non è un editore di podcast; i nomi dei programmi, le copertine e l'audio appartengono ai rispettivi autori e vengono distribuiti tramite feed RSS pubblici