fr

SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Catégorie

News

Site du podcast

www.sbs.com.au

Dernier épisode

22 oct. 2026

Où écouter ?

Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponible

Les podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts

Télécharger sur Google Play Installe-la gratuitement Android près de 10 M de téléchargements · note de 4,8 iOS bientôt

Épisodes

ልዕሊ 25 ሽሕ ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ሚልየነራት ኣካል ናይ'ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግሎባዊ ጉጅለ ሕብረተሰብ ሃብታማት ኮይኖም። 05.07.2026

ስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ፡ ዓለማዊ ሃብቲ ካብ 2017 ንደሓር ብዝቐልጠፈ ናህሪ ሰፊሑ ክብል ደምዲሙ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብ’ዚ ተገሊጹ ኣሎ።

ኢንግላንድን በልጂምን ብክንደይ ቀይቀይ ናብ ዝቕጽል ሓሊፈን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብቐሊሉ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ። 02.07.2026

ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ሃብሮማት ሃሪ ኬንን ዩሪ ቲልማንስ ን ብዘመዝገብወን ሸቶታትኢንግሊዝን ቤልጁምን ናብ ሰንጠረዥ 16 ክጽምበራ ከለዋ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ካብ ቦዝኒያ ሆርዞጎቪና ቐሊል ብድሆ ገጢምዋ እያ ናብቲ ዙር ሓሊፋ። እዚ ናይ መበል 21 ጽሟቕ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሓምለ 2026 ዘተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ ፦

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሓምለ 2026) 02.07.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ጉጅለታት ኣድሕን ኣብ ቨነዝዌላ ድሕሪ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝድሕኑ ሰባት እንተረኸቡ ቃልሶም ቀጺሎም። ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ሜላት ኪሮስ ኣብ ምርጫ ኮንግረስ ኣመሪካ ንብዙሕ ዓመታት ስልጣን ሒዛ ንዝጸንሐት ኣባል ኮንግረስ ስዒራ ተዓዊታ፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ፊፋ፡ እንግሊዝ ኣንጻር ኮንጎ ገጢማ 2 ብ 1 ክትስዕር ከላ በልጂየም ድማ ንሰኔጋል 3 ብ 1 ስዒራ።

ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ) 01.07.2026

ባንክ ኤርትራ፡ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ። ህወሓት ምስ ፌደራል መንግስቲ ንምድርዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይኮነስ ሳልሰይቲ ሃገር ከም ዝደሊ ገሊጹ። ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ገበናት ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ #ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክምርመሩ ተሓቲቱ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሓምለ 2026) 01.07.2026

** ንብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ካብ ሎሚ ክውስኽ እዩ... ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ረድኤት ቃፍላይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም... ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ።...

How to get into inclusive football in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንጥዕና ክትጻወቱ ይኹን ኣብ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ክትጥርነፉ ምስ ትደልዩ ከመይ ትጅምሩ፧ 30.06.2026

It’s no exaggeration when we hear that the FIFA World Cup is bringing the world together. After all, football is known as the world’s most popular sport. But football really begins on the suburban ovals and in the local clubs, with everyday players of all ages and abilities. Here’s how you can become one of them. - ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንዓለም ዝጥርንፍ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ'ዩ ዝብል ክንሰምዕ እንከለና ምግናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩዕሶ እግሪ ኣብ...

"ዕላማ'ዚ ምትእኽኻብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ካብ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ካልእን ጸግዒ ዘይብሉ ነጻ ርክብ ንምፍጣር'ዩ።" ኣሌክስ 30.06.2026

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ናይ ቀደም ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃሮ ተኣኪቦም ኔሮም። ናይዚ ርክብ ዕላማ፡ ነዚ ንምውዳብ ዝተሓልፈ ላዕሊ ታሕቲን ውጽኢታቱን መጻኢ መደባቱን ዝምልከት ምስ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ምስ ኣለክሳንደር ጠዓመ ፈቶ ዝተገብረ ዕላል።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (30 ሰነ 2026) 30.06.2026

ንሎሚ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ: * ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝሃሰያ ቬንዙዌላ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ብድሕሪ ምንቅጥቃጣት ይሰናኸሉ፣ * ቴህራን ዝተመደቡ ዝርርባት የለውን ኣብ ትብለሉ ዋይት ሃውስ ግን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ኢራን ኣብ ቀጠር ክራኸቡ’ዮም ይብል፡ * ኣውስትራልያን ቫኑዋቱን ኣብ ጽልዋ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ ክፈላለያ ብምስምማዕ ውዕል ተፈራሪመን፣ ቻይና ድማ ድሕሪ’ዚ ውዕል ናብ ኣውስትራልያ ዘቕንዐ መጠንቀቕታ ሂባ፣

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (29 ሰነ 2026) 29.06.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (29 ሰነ 2026) 29.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ብናይ ወጻኢ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኣብ ኦንላይን ንዋን ኔሽን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ሳራ ሃንሰን ያንግ ገሊጻ። ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓድሽ ተጻብኦታት እናተዘርግሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ምጥቃዕቲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መገዲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ 1-0 ድሕሪ ምስዓራ ፡ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ጋንታ ኮይና ።

MiniPod: Hammered | Words we use - MiniPod: Hammered | Words we use 29.06.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘hammered’. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘hammered’.

ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብምስዓር እታ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዝሓለፈት ሃገር ክትከውን ኪኢላ። 29.06.2026

ካናዳ፥ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ሸቶ ብምእታው ንልቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰብር ተዓዊታ። በዚ ድማ ካናዳ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ ዙርያ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ካብ ሃገራ ዋጻኢ ዓወት ዝረኸበት ኣኣንጋዲት ሃገር ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ናይ መበል 18 መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።

ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዘይኽእሉ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትቕበል ምዃና ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 28.06.2026

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሚኒስተር መዚዙ። ፔን ኢንተርናሽናል ንመንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እሱራት ጋዜጠኛታት ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዘይኽእሉ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትቕበል ምዃና ተገሊጹ። ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።

“ቋንቋ ትግርኛ ብስሩዕ ደረጃ ኣይማዕበለን፡ ነናይ ወለዶኡ እዩ ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን ዘሎ” ኣርኣያ ካሳ 28.06.2026

ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

ኬፕ ቨርደ፣ ተኣምራታ ኣብ ዋንጫ ዓለምን ሚልዮናት ተኸተልቲ ዝኸሰበ ሓላው ልዳታን 28.06.2026

500 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዘለውዋ ሃገረ ኬይፕ ቨርደ (ብቋንቋ ፖርቱጊዝ ካቦ ቨርደ ተባሂላ ትጽዋዕ) ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ዝነብሩ ተወላዶኣ ዘሐጎሰ ኩሉ ግምታት ኣምኪና ናብ ዙርያታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሓ’ላ። ኬፕ ቨርዳውያን ደገፍቲ ኣብ ኣውስትራልያ እታ ንእሽቶ ደሴታዊት ሃገር ንፈለማ ግዚኣ ናብ ደረጃታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ድሕሪ ምብጻሓ ሓጎሶም ይገልጹ’ለዉ።

ዲ ኣር ኮንጎ ናብ ዝቕጽል ውድድራት ብምሕላፍ ታሪኻዊ ዓወት ዝተመዝገበሉ 32 ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጡ ናይ ጉጅለ ዉድድራት ተዛዚሙ፡ : World Cup Daily 28.06.2026

ዲ.ኣር. ኮንጎ ንመጀመርታ ግዜኣ ብዘደንቕ ኩነታት ኣብ መበል 17 መዓልቲ ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ንፈለማ እዋን ናብ ጉጅለ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ። ኣልጀርያን ኦስትርያን ብማዕረ ብምውጻአን ፡ ናይ ኢራን ተስፋ ምሕላፋ በኒኑ።

ብራዚል ኣብ ጉጅለ C ቀዳማይ ተራ ተሰሪዓ ነይማር ኣብ ጸወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከተስልፎ ትቕርቦ; (ጽሟቕ ጸብጻብ መዓልቲ 14 ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026) 25.06.2026

ብራዚል ኣብ መስርዕ መድረኽ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሰሪዓ ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ታሪኽ ሰሪሓ ፣ ሶኮሩስ ግና ቅድሚ እቲ ምስ ፓራጓይ ትገብሮ ወሳኒ ግጭት ፡ ካልእ ማህሰይቲ ተጻዋታያ ኣጋጠሙዋ ። ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 14 መዓልቲ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 እዩ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (25 ሰነ 2026) 25.06.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።

"ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሓድሽን ኣዝዩ ዝለዓለን ደሞዝ ተገይሩሎም።" ሚ/ር ዜና ኤርትራ (ጸብጻብ) 24.06.2026

*ኪዳን ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ብምርጫ ዝተዓወቶም መንበራት ከምዘይርከብ ኣፍሊጡ፤ ኣባላቱ እውን ፓርላማ ከይጽንበሩ ኣጠንቂቑ። *ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ሰብ-መዚ ትግራይ ሓድሽ ዘውጽእዎ ሕጊ ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ክስርዙ ሓቲቱ። *ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናብ ዞባ ምብራቕ ሊብያ ከይኣትዉ ተኣጊዶም። *ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ሾሞንተ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ተፈሪድዎም ዝነበሩ 343 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። *ጅቡቲን ናይ ኤምሬትስ ኩባንያ ነዳድን ንዕዳጋ ኢትዮጵያ ዝውዕል ምስፍሕፋሕ መሰረተ-ልምዓት ነዳድ ኣመልኪቶም ተመያይጦም ። *ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ብዝኸፈቶ...

Can nature help tackle loneliness? - SBS Examines፥ ተፈጥሮ፡ ጽምዋ ኣብ ምምካት ክሕግዝ ይኽእል ዶ፧ 24.06.2026

In a recent study of LGBTQIA+ asylum seekers and refugees, nature was used not just as a meeting place, but as an environment where participants felt safe without being questioned or judged. - ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፡ ተፈጥሮ ከም ሓደ መራኸቢ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ብዘይምትዕዝዛብን ሕቶታትን ድሕነት ዝስምዖም ቦታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ሮናልዶ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ሽዱሽተ ግዜ ሸቶ ዘመዝገበ ናይ ፈለማ ተጻዋታይ ኮይኑ: ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 13 ጸወታታት ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 24.06.2026

ኣገዳሲ ምዕባለ ንሉካ ሞድሪችን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ክብረ ወሰን ንክሪስቲያኖ ሮናልዶ ከም ኡውን ጋንታ እንግሊዝ ቅጥቀጥ ዝበለትሉ ጸወታ ናይ ሎሚ ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ ። እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ መበል 13 ጸወታታት ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026 እዩ ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 ሰነ 2026) 24.06.2026

** ዝቕባበ ኣብ ኣውስትራሊያ ትሒቱ... ** ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወጻኢ ትልእኮ ነዳዲ ወሲኹ፡... ** ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ናጽነታ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሃገራዊ መርጫ ክተካይድ ምዃና ተፈሊጡ።

The Torres Strait Islander Flag: Land, Sea and People - ባንዴራ፡ መሬት፡ ባሕርን ህዝብን ቶረስ ስትሬት ኢይላንደር 23.06.2026

In Australia, you might see three flags flying together: the Australian National Flag, the Aboriginal Flag and the Torres Strait Islander Flag. Aboriginal peoples and Torres Strait Islander peoples are the two distinct Indigenous peoples of Australia, each with their own histories, cultures, languages and flag. For many Torres Strait Islander people, the flag is a powerful symbol of identity and b...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (23 ሰነ 2026) 22.06.2026

* ኣብ ኣውሮጳ ብዘሎ ሓያል ሙቐት 18 ሰባት ቀቲሉ።...** ** ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ን ሰር ከይር ስታርመር ምስጋና ኣቕሪቡ ።...** ** ሊዮነል መሲ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ብምዃን ክብረ ወሰን ሰይሩ ።...**

Écoute le podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ sur Replaio

La radio et les podcasts dans une seule appli - gratuite, sans inscription. Installe-la dès aujourd'hui et ne rate pas le lancement

Télécharger sur Google Play

Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics