SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au
Où écouter ?
Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponibleLes podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts
Épisodes
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (22 ሰነ 2026) 22.06.2026 48:55
ን ሎሚ ሰኑይ 22 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፥
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ሰነ 2026) 22.06.2026 12:07
ኣርእስታት ዜና፥ ዋጋ ነዳዲ ንምፍኳስ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ክቕጽል ተወሲኑ። ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኤል ኦቤድ መጠነ ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢ ከስዕብ ዝኽእል ካልእ መጥቃዕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቐን ። ካብ ጸወታት ዋንጫ ዓለም 2026፥ ስጳኛ ንስዑዲ ዓረብ 4-0 ብምስዓር ፡ ካብቲ ዘሰምብድ ናይ ኬፕ ቨርደ ስዕረት ከየጋጠማ ተገላጊላ ።
መዓልታዊ ጸብጻብ ዋንጫ ዓለም Word Cup 2026: ስጳኛ ናብ ንቡር ክትምለስ’ከላ ካቦ ቨርደ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ትሰርሕ: 22.06.2026 3:56
ስጳኛ ድሕሪ ወዲቓቶ ዝጸንሐት ናብ ንቡር ቦታኣ ብምምላስ ንመሪሕነት ጉጅለ H ወኒናቶ ፣ ካቦ ቨርደ ከኣ ኣንጻር ኡራጓይ ገጢማ ታሪኻዊ ናይ ፈለማ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ብምርካብ ብማዕረ ነጥቢ ተፈላልያ። በልጅዩምን ኢራንን ኣብ ጉጅለ G ክፈላለያ ኣይከኣላን ፡ ግብጺ ድማ ንኒውዚላንድ ስዒራታ ። ናብ ዕለታዊ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም እንቋዕ ኣራኸበና ። እዚ ናይ መዓልቲ 11 ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ጽሟቕ ጸብጻብ እዩ ።
MiniPod: Banger | Words we use - MiniPod: Banger | Words we use 22.06.2026 3:34
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘Banger’. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘Banger’.
መረፃ ኢትዮጵያ፥ ሰልፊ ብልጽግና ካብ 486 መናብር ፓርላማ 438 ተዓዊቱ፡ ተባሂሉ። (ጸብጻብ) 21.06.2026 7:46
ኢትዮጵያ ንዘዕቖበቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝነደፈቶ "ምሕዋስ' ዝተሰምየ ሃገራዊ ንድፊ ወግዓዊ ገይራ። ልኡኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ከም "ናይ ጂኦፖለቲካዊ ውድድር" ከረአ የብሉን ኢሉ። ህወሓት፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ዘይሚዛናውዊ' ብምባል ነጺጉዎ።
ዋንጫ ዓለም 2026: ትንታነን ትዕዝብትን ግጥማትን ጉዕዞ ሃገራት ኣፍሪቃን ብነጋ ወልደጊዮርጊስ 20.06.2026 22:19
ኣብ’ዚ እዋን ቀዳማይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ተዛዚሞምስ ካልኣይ ዙርያ ግጥማት’ውን ተጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ኩሉ ሕልኽላኻቱን ፖለቲካዊ ጽልዋታቱን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፧ ጉዕዞ’ተን ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝረጋረጋ ዘለዋ ሃገራትን ጋንታታትን ከመይ ኣሎ፧ ንሎሚ ምስ ጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ገምጋም ምጥንቓቕ ቀዳማይ ዙሩያ ምድባዊ ግጥማት ክንገብር ደጊምና ተራኺብና ኣለና። ሰናይ ምክትታል!
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ሰነ 2026) 18.06.2026 43:51
ን ሎሚ ሓሙስ 18 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ፥
World Cup Update: ኢንግላንድ ኣብ ልዕሊ ክሮኦሺያ ጸብለል ኢላ፡ ፖርቹጋል ብ ዲ ኣር ኮንጎ ካብ ዓወት ተኾሊፋ። 18.06.2026 3:03
ኣብ ሻውዓይ መዓልቲ ጸወታ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ደሚቐን ዊዒለን፡በዚ ድማ DR ኮንጎን ጋናን እወታዊ ውጽኢት ኣንጻር ፖርቹጋልን ፓናማን ኣመዝጊበን። ሃሪ ኬን ፡ ኢንግላንድ ኣብ ልዕሊ ክሮኦሺያ ዓብሊላ ክትወጽእ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ሰነ 2026) 18.06.2026 8:08
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ ዓቐን ብዝውሰድ ናይ ሓሽሽ መድሃኒት ሞት ምብዛሑ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይነጸረ ቀረብ መድሃኒት ከምዘጋደዶ ሰራሕተኛታት ጥዕና ገሊጾም ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ነጥብታት ስምምዕ እንተዘይተግቢሩ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍጸም ትእዛዝ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ፡። ኦስትርያ ካብ 1990 ኣትሒዛ ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኣ ተዓዊታ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራ ንዝቐረበ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምላሽን (ጸብጻብ) 17.06.2026 6:42
ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ከምኡ’ዉን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራ ንዝቐረበ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምላሽ ሂባ። ህወሓት፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ተዳልዩ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ መናእሰይ ንወተሃደራዊ አገልግሎት የሰልጥን ምህላው ኣሚኑ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓቢ ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (17 ሰነ 2026) 17.06.2026 4:39
** የማናይ ሰልፊ ዋን ኔሽን ተቐባልነቱ እናዓበየ ኣብዝኸደሉ ዘሎ መራሒቱ ፖሊን ሃንሰን ኣብ ሃገራዊ ክለብ ፕረስ መደረ ከተስምዕ እያ... ** ዕብየት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ናብቲ ኣድላዪ ዝኾነ ምዝሓል ይኸይድ ኣሎ ክብል ሪሰርቭ ባንክ ገሊጹ.. ** ሶማሊላንድ ኣብ ሃገረ እስራኤል ናይ ፈለማ ኤምባሲኣ ከፊታ።
How do charities and individual fundraisers work in Australia? - ማሕበራት ግብረ ሰናይን ሓገዝ ዝሓቱ ዉልቀሰባትን ዝምልከት ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ይሰርሕ? 16.06.2026 8:41
What are the rules around raising money and charities? How can you ensure you don't get scammed? Here is what you need to know if you're donating, raising money yourself or launching an online crowdfunding appeal. - ብዛዕባ ምሕታት ናይ ሓገዝ ገንዘብን ግብረ ሰናይን ዝምልከቱ ሕግታት እንታይ እዮም ? ከም ዘይጠፋፋእ ወይ ሃክ ከምዘይግበር ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል? ወፈያ ትገብር እንተ ኣሊኻ ፡ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ገዛእ ርእስኻ ትሓትት እንተ ኣሊኻ ፡ ወይ ከኣ ኣብ ኦንላይን ናይ ክራውድፍንዲንግ ናይ ምሕ...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 ሰነ 2026) 16.06.2026 4:22
** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንሃገሩ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ስምምዕ ኣግሊልዋ... ** ሎሚ ዝጋባእ ሪሰርቭ ባንክ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ከጽንሖ ትጽቢት ይግበር... **ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ጋንታ ሶኮሩ ንቱርኪየ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ካናዳ ብዘመዝገብቶ ዘደንቕ ዓወት ሓጎሱ ብምግላጽ ንጋንታ ሶኮሩ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ኢሉ ኣሎ ...
ቀጥታ ምልኡእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (15 ሰነ 2026) 15.06.2026 46:35
ን ሎሚ ሰኑይ 15 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና;
World Cup Daily: ጀርመን ብገፊሕ ዓወት ትምርሽ ጃፓን ኣብቲ ዘደንቕ ጸወታ ብማዕረ ትፋላለ 15.06.2026 9:53
ጀርመን ክትምርሽ'ከላ ጃፓን ኣብ መሳጢ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣብ ቃልሲ ዊዒላ ። እንቋዕ ብደሓን ናብ መዓልታዊ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም መጻእኩም ። እናበልና እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ 4ይ መዓልቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 እዩ ።
MiniPod: On the back foot | Words we use - MiniPod: On the back foot | Words we use 15.06.2026 3:01
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'On the back foot'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'On the back foot'.
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ሰነ 2026) 15.06.2026 9:11
ሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ማርክ በትለር ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገራዊ መድሕን ስንክልና (NDIS) ተገይሩ ንዘሎ ለውጢ ዝምልከት እማመታት ፡ ዝቐርብ ዘሎ ስክፍታ ኣፍልጦ ከምዝህቦ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ እተገብረ ስምምዕ ንኺመያየጡ ናይ ጸጥታ ካቢነኡ ኸእክቦም እዩ ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ቶኒ ፖፖቪች ፡ ኣውስትራልያ ንቱርኪየ 2ብ0 ብምስዕራ ኣዝዩ ከም ዝሕበን ገሊጹ ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ንክኸፍት ናብ እስራኤል ኣትዩ። (ጸብጻብ) 14.06.2026 11:23
መበል 13 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ተሳሊጡ። ናይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብ3 ዕፅፊ ዘዕቢ ንኡስ ጣብያ ተመሪቑ። ኤርትራ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ እተዛበዐ ሓበሬታ ዝተሰረተ ፕሮፓጋንዳ ይዝርግሕ ኣሎ ክትብል ከሲሳ። CPJ ሓንቲ ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ትግራይ ጸብጻብ ኣዳልያ ብዝብል ንዘባረሩዋ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኮኒኑ። ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ንፈለማ ወግዓዊ ዑደት ናብ እስራኤል ኣትዩ፤ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ክኸፍት እዩ።
World Cup Daily: Debutants lead Australia to a dream 2-0 victory over Türkiye - World Cup Daily: ንፈለማ ግዜ ንኣውስትራልያ ዝወከሉ ተጻወቲ ናብ 2-0 ዓወት ኣብ ልዕሊ ቱርኪየ መሪሖማ 14.06.2026 5:42
The Socceroos opened their 2026 FIFA World Cup campaign with a vital win against a strong rival, while five-time champions Brazil were held to a surprise draw by Morocco. - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ናይ 2026 ጎስጓሳ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ብዓወት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብ’ተን ሓያላት ተቐናቐንቲ ብምምዝጋብ ክትከፍቶ’ንከላ ሓሙሽተ ግዜ ሻምፒዮን ዝኾነት ብራዚል ግን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምስ ሞሮኮ ማዕረ ወጺኣ። ነብሲ ወከፍ ደቒቕ ዋንጫ ዓለም ፊፋ (FIFA World Cup 2026™) ብ SBS On Demand ተዓዘብዎ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026 45:41
ን ሎሚ ሓሙስ 11 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ ፥
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026 9:11
ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ ። ኣብ ቤልፋስት ፡ ድሕሪ ንምሉእ ለይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተገብረ ዕግርግር፡ ፡ ኣባይትን ማካይንን ብሓዊ ነዲዶም ። ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ ሎሚ 11 ሰነ ጀሚሩ ብወግዒ ክጅመር እዩ ።
ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተወዳደረሎም ኩሎም መናብር ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) 10.06.2026 7:32
ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ዝተወዳደረሎም መንበራት ኩሎም ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ግብጺ ኣገዳሲት ወደብ ሱክና በጺሑ። ናይ 2019 ዓ/ም ዓመታዊ ባጀት ኢትዮጵያ 2.3 ትሪልዮን ኮይኑ ፀዲቑ። ትግራይ: ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦወንበሩን ብደረጃ ኣፍሪካ ተዓዊቶም።
#112 Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS : Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) 10.06.2026 11:39
Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyday English for talking about children’s behaviour, boredom, and common challenges at home. - ቆልዑ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ብንጥፈታት ጽሙዳት ክኾኑ ንጥቀመሎም ኣበሃህላታት ብቛንቋ እንግሊዝኛ። ብዛዕባ ጠባያት ቆልዑ፡ ምስልካይን ልሙድ ብድሆታት ኣብ ገዛን ዝምልከት ኣበሃህላታት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyd...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (10 ሰነ 2026) 10.06.2026 4:47
** ኢራን ዳግም ምስ ተቖጻጻሪ ኣቶሚካዊ ጸዓት ክትላዘብ ጻዊዒት ቀሪቡ። ** ንሕሙም ኢቦላ ዝተዋህበ መድሃኒት ኢቦላ ትስፉው ምዃኑ ተገሊጹ። ** ኣብ ርእሲ ከተማ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ቤልፋስት መጥቃዕቲ ብኻራ ምስ ተፈጸመ ዕግርግር ተፈጢሩ ።
ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026: ምድላዋት፣ መሓለኻታትን ትጽቢታትን፣ 'ብሉጽ ዳኛ ቪዛ ዝኽልከለሉ ዋንጫ ዓለም!' (ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ) 10.06.2026 18:18
ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 መዓልቱ ኣኺሉ ዝጅመረሉ እዋን በጺሑ'ሎ። ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታን ብነጻን ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን SBS እዩ። ስለ'ዚ እዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ውራይ ክካየድ'ንከሎ ሸፈነና ኣብ ኩሉ መድረኻት ቴሌቪዥን፡ ሬድዮ፡ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድረኻትን ክውስኽ'ዩ ማለት'ዩ። ንሎሚ እምበኣር እቲ ውራይ ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕብኡ ሓፈሻዊን እዋናውን ሓበሬታን ርእይቶን ንምርካብ ምስ ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ሓጺር ዕላል ከነካይድ ኢና። * ሃንቀውታን ትጽቢትን ንዋንጫ ዓለም ከም ቀደሙ ድዩ ዘ...
Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics