fr

SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Catégorie

News

Site du podcast

www.sbs.com.au

Dernier épisode

22 oct. 2026

Où écouter ?

Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponible

Les podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts

Télécharger sur Google Play Installe-la gratuitement Android près de 10 M de téléchargements · note de 4,8 iOS bientôt

Épisodes

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026

** ኣብ ተሂራን ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምዕጻው መጻብቦ ሀርሙዝ ንምቅዋም ወጺኦም። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ።... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ብዝተሓሓዝ፡ ቀረብ ነዳዲ ንምምላእ ሎሚ [ሰሉስ] ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዝ ኣሎ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ 13.04.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ዝሃቡና ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን እተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ብቕጽበት" ክዕገት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣዞዙ ። ኣብ ሃንጋሪ እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ እታ ሃገር ፡ ናይ ፒተር ማጋር ሰልፊ ቲሳው ከምዝሰዓረ ድሕሪ ምፍላጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ስዕረቱ ተቐቢሉ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቤልጁማዊ ዋት ቫን ኣርት ነቲ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝኾነ ታድ ፖጋቻ ብምቕዳም ኣብ ዉድድር ፓሪስ ሮይ ተዓዊቱ።

ፓኪስታን ኣብ ዘተ ሰላም ኣሜሪካ-ኢራን ከመይ ኢላ’ያ ዘይትጽቢታዊት ሸምጋሊት ኮይና 12.04.2026

[እቶም ዝርርባት ድሒሮም እንተዘይሰለጡ'ኳ] ፓኪስታን ነቲ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደው ክብል ንምግባር ክትሽምግል ተስፋ ገይራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ሰብ መዚ ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ተራኺቦም። ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ ዝግበሩ ጻዕርታት ድሕሪ ምምራሓን ኣብ ዋና ከተማኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ዝርርባት ሰላም ብምእንጋድ ፓኪስታን ትጽቢት ዘይተገብረላ ሸምጋሊት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ኮይና ተቐልቂላ’ላ።

በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። (ጸብጻብ) 12.04.2026

በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ ተመዝጊቡ። ምንዋሕ ዕድመ ፕረዚደንት ትግራይ "ሕጋዊነት" ኣለዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንት ፕረዚደንት እስማኤል ዑመር ጉሌ ንሻድሻይ ጊዜ ተዓዊቱ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስት...

"ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 09.04.2026

ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

"ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል (ጸብጻብ) 08.04.2026

ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ።

ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡ 08.04.2026

ኣርተሚስ ዳግማይ ጠፈርተኛታት ሒዛ፡ ልዕሊ’ቲ ኣፖሎ 13 ዝበጽሓቶ ዝያዳ፡ ደቂ ሰብ ካብ መሬት ወጺኦም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ርሕቀት መዝገብ ክብረ ወሰን ሰይራ ኣብ ከባቢ ወርሒ በጺሓ ናብ መሬት ገጻ ትምለስ ኣላ። እቶም ጠፈርተኛታት ወርሒ ካብቲ ጸላም ጎድና 4000 ኪሎ ሜተር ልዕሊኣ: ርሒቖም ኵዕሶ ሰኪዔት እትመስል ምድሪ ኰይና ክትርአ ከላ ክርእዩ ኪኢሎም ኣለዉ ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2026) 07.04.2026

** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ክውስዶ ዝሓሰቦ ስጉምቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ገደብ ከናውሕ ጸዊዒት ቀሪቡ ።... ** ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ሞትን ንልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመጻ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ዝሕተት” ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ገሊጹ... ** ኣውስትራሊያውያን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰዓበ ቅልውላው ነዳዲ ናይ ኤሌክትሪክ ማካይን ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ.:

Thinking of a career change? Here are some tips and options to consider - ትሰርሕሉ ሞያ ክትቅይሩ መደብ ኣለኩም ዶ? ኣብ ግምት ከትእትውዎም ትክእሉ ገለ ምኽርን ኣማራጺታትን፡ 07.04.2026

Looking to step into a new career? You're not the only one, the stats suggest. No matter your age, background or whether English is your first language, a career change at some point is almost inevitable nowadays. In Australia, support is available to help you through the process. - ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ናብ ሓድሽ ሞያ ክቕይር ዝደሊ ። ዕድመኻ ፡ ኣተዓባብያኻ ፡ናይ እንግሊዝኛ ምልከት ቋንቋኻ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሞያኻ ምቕያር ዳርጋ ዘይተር...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሚያዝያ 2026) 07.04.2026

** ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቅልውልው ኢራን ብዝተሓሓዝ ዳግማይ ን ኣውስትራሊያ ዒላማ ገይርዋ... ** ዋጋ ነዳዲ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ጠለብ ብ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ ብሽግለታ ሰማይ ዓሪጉ... ** ገለ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026) 06.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026) 06.04.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ...

"ትፍንን ዝመለለይኡ ፖሎቲካ፡ ኣብ ክንዲ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ሻራዊ ፖሎቲካ ዝተመስረተ ዓወታት ጥራይ እዩ ዘጸምብል።" 2ይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ሰመረ ሶሎሞን 06.04.2026

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣቶ ሰመረ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

"ልዕሊ 700 ኤርትራውያንኣብ ከተማ ሸራሮ ተረኺቦም" መንግስታዊ ቴሌቪዥን ትግራይ (ጸብጻብ) 05.04.2026

ዘመነ ስልጣኑ ዝዛዘም ዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ። ኣብ ዓሰብ - ንኣባላት ባይቶን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣስትምህሮ ተዋሂቡ። ቦርድ ምርጫ ን7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝሓዞ ግዜ ምዝገባ መረጽቲ ኣናዊሑ። ስዑዲ ዓረብ፡ ንወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ሓዊሱ ምስ 17 ዞባዊን ኣህጉራዊን መባጽሖ ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረት ተገሊጹ።

Government announces gambling advertising restrictions. Do they go far enough? - መንግስቲ መወዓውዒታት ቁማር ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኡ፣ ኣኻሊ ድዩ ግን፧ 05.04.2026

Prime Minister Anthony Albanese has announced new gambling advertising restrictions during his address at the National Press Club on Thursday. Despite calling it the most significant gambling reform that's ever been implemented, critics warn the Prime Minister's latest measures won't reduce harm. - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ዝሓለፈ ሓሙስ (2 ሚያዝያ) ኣብ ሃገራዊ ክለብ መራኸቢ ብዙሃን (ናሽናል ፕረስ ክለብ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መወዓውዒታት...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026) 02.04.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ናይ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መቐጸ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026) 02.04.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።

ናይ ኢትዮጵያ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። (ጸብጻብ) 01.04.2026

ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ።

መጠኑ ዝሓለፈ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሱዳን፥ 01.04.2026

ካብ ውግእ ሱዳን ዘምለጣ ዉጻእ መዓት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጽ ፣ መግረፍትን መግሃስትን ከምዘጋጠመን ገሊጸን። ሰራሕተኛታት ረድኤት ድማ እቲ ኣብዘን ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ካብቲ ናብ ሕክምና ዝበጽሓ ዘለዋ ኣጸቢቑ ይዛይድ ። ብመዲስንስ ሳንስ ፍሮንቴር ዝወጸ ሓሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዳርፉር ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት እውን ክብጽሑ ኣይትኻእለን ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2026) 01.04.2026

**እስራኤል ኣንጻር ፍልስጢኤማውያን ኣውጺኣቶ ዘላ ናይ ሞት ፍርዲ ዓለማዊ ኩነኔ ይበጽሖ ኣሎ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ሎሚ ምሸት ሰዓት 7 ድ.ቐ. ኣብ ኵለን ናይ ተለቪዥንን ናይ ሬድዮን መርበባት ብቐጥታ ንህዝቢ መግለጺ ክህብ እዩ ። ** ኤርትራ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም ዓሊ ሱለይማይን ብዘቑጸረን ክልተ ሸቶታት ተዓዊታ ብድርብ ዓወት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።

#107 Protecting Wildlife | Talking About Animals and Nature (Med) - #107 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS | ዝርርብ ብዛዕባ እንስሳን ተፈጥሮን (Med) 31.03.2026

Learn useful English for talking about animals, nature, and protecting wildlife. Practise everyday phrases for discussing threats to animals, expressing concern, and describing the environment. - ብዛዕባ እንስሳታትን ተፈጥሮን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ንምዝርራብ ጠቓሚ ዝርርብ ብእንግሊዝኛ ንምሃር ። ብዛዕባ ስግኣት እንስሳታት ፡ ብዛዕባኦም ሻቕሎት ንምግላጽ ፡ ከምኡውን ንኣከባቢ ንምግላጽ መዓልታዊ ሓረጋት ንለማመድ ።

Australia’s unique wildlife: what makes it special and what’s at risk - ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን። 31.03.2026

Australia is one of the most biodiverse places on Earth, home to wildlife and plant species found nowhere else on the planet. In this episode of Australia Explained you’ll learn about what makes Australia’s biodiversity so special, the threats it faces and how we can all help protect it. - ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ምድሪ ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ዝነብሩላ ሃገር እያ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ው...

Écoute le podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ sur Replaio

La radio et les podcasts dans une seule appli - gratuite, sans inscription. Installe-la dès aujourd'hui et ne rate pas le lancement

Télécharger sur Google Play

Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics