SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ Επεισόδια: 1428

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Μην παραλείψεις να επισκεφτείς τη σελίδα του podcast και να στηρίξεις τον δημιουργό: www.sbs.com.au

Δημιουργός

SBS

Κατηγορία

News

Ιστοσελίδα του podcast

www.sbs.com.au

Τελευταίο επεισόδιο

26 Οκτ 2026

Πού να ακούσεις;

Podcast στην εφαρμογή Replaio Radio Έρχεται σύντομα

Τα podcast έρχονται σύντομα στην εφαρμογή. Εγκατάστησέ την τώρα και δες πρώτος μια εντελώς νέα προσέγγιση στα podcast

Κατέβασέ το από το Google Play Δωρεάν εγκατάσταση Android σχεδόν 10 εκατ. λήψεις · βαθμολογία 4,8 iOS σύντομα

Επεισόδια

ናይ ኢትዮጵያ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። (ጸብጻብ) 01.04.2026

ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ።

መጠኑ ዝሓለፈ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሱዳን፥ 01.04.2026

ካብ ውግእ ሱዳን ዘምለጣ ዉጻእ መዓት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጽ ፣ መግረፍትን መግሃስትን ከምዘጋጠመን ገሊጸን። ሰራሕተኛታት ረድኤት ድማ እቲ ኣብዘን ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ካብቲ ናብ ሕክምና ዝበጽሓ ዘለዋ ኣጸቢቑ ይዛይድ ። ብመዲስንስ ሳንስ ፍሮንቴር ዝወጸ ሓሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዳርፉር ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት እውን ክብጽሑ ኣይትኻእለን ።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2026) 01.04.2026

**እስራኤል ኣንጻር ፍልስጢኤማውያን ኣውጺኣቶ ዘላ ናይ ሞት ፍርዲ ዓለማዊ ኩነኔ ይበጽሖ ኣሎ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ሎሚ ምሸት ሰዓት 7 ድ.ቐ. ኣብ ኵለን ናይ ተለቪዥንን ናይ ሬድዮን መርበባት ብቐጥታ ንህዝቢ መግለጺ ክህብ እዩ ። ** ኤርትራ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም ዓሊ ሱለይማይን ብዘቑጸረን ክልተ ሸቶታት ተዓዊታ ብድርብ ዓወት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።

#107 Protecting Wildlife | Talking About Animals and Nature (Med) - #107 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS | ዝርርብ ብዛዕባ እንስሳን ተፈጥሮን (Med) 31.03.2026

Learn useful English for talking about animals, nature, and protecting wildlife. Practise everyday phrases for discussing threats to animals, expressing concern, and describing the environment. - ብዛዕባ እንስሳታትን ተፈጥሮን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ንምዝርራብ ጠቓሚ ዝርርብ ብእንግሊዝኛ ንምሃር ። ብዛዕባ ስግኣት እንስሳታት ፡ ብዛዕባኦም ሻቕሎት ንምግላጽ ፡ ከምኡውን ንኣከባቢ ንምግላጽ መዓልታዊ ሓረጋት ንለማመድ ።

Australia’s unique wildlife: what makes it special and what’s at risk - ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን። 31.03.2026

Australia is one of the most biodiverse places on Earth, home to wildlife and plant species found nowhere else on the planet. In this episode of Australia Explained you’ll learn about what makes Australia’s biodiversity so special, the threats it faces and how we can all help protect it. - ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ምድሪ ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ዝነብሩላ ሃገር እያ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ው...

መንግስቲ፡ ንናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ንምርግጋእ ላዕሊ ታሕቲ ይብል፥ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (31 መጋቢት 2026) 31.03.2026

** ኣብ ኲናት ኢራን ንዝወጽእ ዘሎ ቢሎናት ዶላራት ሃገራት ኣዕራብ ክከፍሎ ፕረሲደንት ትራምፕ ከምዝሓትት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። ** ዕጡቓት ሖቲ ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢሎም፡ የመን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ክትሽመም’ያ ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ** ናብ ኲባ ነዳዲ ንምብጻሕ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ኣብ ማያት እታ ሃገር ከምዝበጽሐት ተፈሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 መጋቢት 2026) 30.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 30 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ...

“መንግስቲ ኤርትራ ንዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ ምስ ካልእ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ሓቀኛ ጽምዶ ክገብር ዘድልዮ።” ሰመረ ሰሎሞን 30.03.2026

ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (30 መጋቢት 2026) 30.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ 'ቲ ዞባ ዝርከባ ናይ ኣመሪካን እስራኤልን ዩኒቨርሲቲታት መጥቃዕቲ ከምትገብር ኣፈራሪሓ ፡ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰነተር ሳራ ሃንሰን ያንግ መንግስቲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ 'ዕግርግርን ዘይሓላፍነታዊን' ዝበለቶ ኲናት ስለምንታይ ይድግፎ ከምዘሎ ኣውስትራሊያውያን ይሓቱ ኣለው ፤ ክትብል ከሲሳ። ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ሰልፈኛታት ኣብቲ "ኣይፋልን ንነገስታት ወይ "No Kings" " ዝብሃል ሰላማዊ ሰልፊ ሳልሳይ ዙርያ ብብዝሒ ወጺኦም ዊዒሎም ።

Are dogs man's most loyal and long-lasting friend? - ከልቢ ኣዝዩ እሙንን ነዊሕ ዝጸንሐን ዓርኪ ወዲ ሰብ ድዩ፧ 29.03.2026

They’re often called man’s best friend - but it turns out that friendship goes back even further than we realised. New research shows dogs were already living alongside humans thousands of years before civilisation began. - ከልቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ዓርኪ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ - እንተኾነ ግን እዚ ምሕዝነት ካብ’ቲ ንሓስቦ ግዜ ንላዕሊ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝጀመረ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ። ስልጣነ ወዲሰብ ቅድሚ ምጅማሩ ንኣሽሓት ዓመታት ከልቢ ኣብ ጎድኒ ወዲሰብ ድሮ ይነብር ከምዝነበረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣ...

ኢትዮጵያ ንስደተኛታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዘይከኣለት ገሊጻ። (ጸብጻብ) 29.03.2026

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት 167 ተምሃሮ ኣመሪቑ። በጀት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ካብ ፌደራል ከም ዘይተለቐቐ መንግስቲ ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ፡ ንልዕሊ 500 ዜጋታት መጥባሕቲ ሓበላ ተኻዪዱ። ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ፡ ፊልምታትን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡሉ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርቲስት ሰራዊት ፍቕሬ ዝርከቦም ፍሉጣት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኢትዮጵያ ንስደተኛታት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዘይከኣለት ገሊጻ።

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 መጋቢት 2026) 26.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ- ነቲ ኣብ ኢራን ዘለዋ ቀንዲ ዕላማታት ክትበጽሖ ከምዝቐረበት ገሊጻ። ናይ ሱዳን ዕጡቓት ሰራዊት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ትርከብ ንከተማ ኩርሙክ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ንኢስዋቲኒ ብ 2 ን 0 ስዒራ።

ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብምዃን ኣብ ዶብ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ) 25.03.2026

ብቐዳም ዝጀመረ ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ንክልተ ዓበይቲ ንጥፈታት ቆላሕታ ሂቡ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን ምቁራጽ ደመወዝ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፤ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክግበር ድማ ጸዊዖም። ሕብረት_ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ_ኣፍሪቃን ቀይሕ_ባሕርን ገይሩ ሸይሙ። ኪዳን ሓሙሽተ ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም" ከምዘሎን "ንመረጻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ" ከምዝኾነን ገሊጹ። ሱዳናዊ ዕጡቓት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ኩርሙክ ከም ዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ብወገኑ ኢትዮጵያ ምስ ሰራ...

"ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ።" ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጸርርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 መጋቢት 2026) 25.03.2026

** ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ። ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዘሕደሮ ጽልዋ ምላሽ ንምሃብ ፡ ፊሊፒንስ ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት ጸዓት ኣዊጃ። ** ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሜክሲኮ ናብ ኩባ ኣምሪሓ ።

"ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ምጽንናዕን ዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድነት ዘመልክት እዩ።" ኣቶ ፍቕር ረታ (ራያ) 24.03.2026

ማሕበረሰብ መልበርን ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኣቶ ፍቕረ ረታ (ራያ) ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣባል ኩሉ ማሕበረሰብባት ኣብ ምብጻሕ ሓዘን፡ ኣብ ምጽንናዕ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ሞጒሱ። እዚ ምትሕብባርን ምድንጋጽን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ሓይሉ ከምዝተራእየን ምስክሩ ገሊጹ ኣሎ። ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ት ኣቱ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገበረት ብዝሓደራ ሕማም ካንሰር ኣብ ን ኡስ ዕድሚኣ ክልተ ቖልዑ (ማንታ) ገዲፋ ዓሪፋ። ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ኣብ ወረቢ ንዕለት 28 መጋቢት 2026 ክፍጸም እዩ።

How to buy Indigenous art and craft ethically in Australia - ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገባብ ምዕዳግ ስርሓት ስነ ጥበብ ደቀባት፡ 24.03.2026

Buying Aboriginal and Torres Strait Islander art can be meaningful, but how do you know if it's real and ethical? Fake art is still a problem in Australia, and protections are still developing. This guide helps you understand what to look for, what questions to ask, and where to buy safely. By choosing carefully, you can support First Nations artists and their communities. - ስነ-ጥበብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026) 24.03.2026

**ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስ...

"ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026) 23.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:

ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። (ጸብጻብ) 23.03.2026

ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም።

ስንብታ: ተቓላሲት ባህሊ ደቀባት ኣውስትራሊያ ሮዳ ሮበርትስ 22.03.2026

ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። እታ ህብብቲ ጸሓፊት ፡ ተዋሳኢትን ዳይረክተርን ኣብ 2016 ስነጥበብን ዓቢ ጽልዋን ኣብ መድረኽን ስክሪን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተሸላሚት ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ እያ። ስድራ ሮዳ ሮበርት ፡ ኤስቢኤስ ስእልን ድምጽን ክዝርግሕ ፡ ህይወታ ከኽብሩን ከዝክሩን ፡ ከምኡ 'ውን ነቲ ነባሪ ዝገደፈቶ ሓድጊ ህይወታ ክዝርዘር ፍቓድ...

UN warn of growing landmine contamination as countries abandon treaty - ሃገራት ካብ ውዕላት ኣብ ዝሃድማሉ እዋን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እናዓበየ ዝኸደ ብከላ ነተጒቲ የጠንቅቕ 22.03.2026

The heads of the UN land mine action program for Ethiopia and Sudan have called for more funding and awareness over the munitions, which kill and maim a disproportionate number of children. They are launching the International Campaign to Ban Landmines, hosted by the United Nations Institute for Disarmament Research. - ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መደብ ስጉምቲ ምጽራግ ነተጒቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዝያዳ ገንዘብ ክምደብን ኣፍልጦ ብዛዕባ ነተጒ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 19 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዜ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣብ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራ...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026) 19.03.2026

ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥቓ ኣህሳህሉያ ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መኸዘኒ ጋዝ ኣጥቂዓ። ናይ ሳውዝ ኣውስትራልያ ፕሪመር፡ ፒተር ማሊናውስካስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣሽተን ሃርንን ቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳም ዝግበር ምርጫ ፡ ናይ መወዳእታ ክትዕ ኣካይዶም ። እስራኤል ካልእ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ከምዝቐተለት ገሊጻ ፣ንሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝቕተል ዘሎ ሳልሳይ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኢራን'ዩ ።

#106 Mmm or Hmm? Trying new and unusual food - #106 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS ; ምጥዓም ሓድሽን ዘይልሙድን ዓይነት መግቢ፡ Mmm or Hmm? Trying new and unusual food 18.03.2026

Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and encouraging someone to try something new. - ብዛዕባ ዘይልሙድን ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ብእንግሊዝኛ ብኸመይ ከምዝግለጽ ጠቓሚ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ። Learn useful English for talking about unusual or strong flavours. Practise everyday phrases for reacting to new foods, sharing opinions, and en...

Άκου το podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ στο Replaio

Ραδιόφωνο και podcast σε μία εφαρμογή - δωρεάν, χωρίς εγγραφή. Εγκατάστησέ την σήμερα και μη χάσεις την πρεμιέρα

Κατέβασέ το από το Google Play

Το Replaio δεν είναι εκδότης podcast - τα ονόματα των εκπομπών, τα εξώφυλλα και ο ήχος ανήκουν στους δημιουργούς τους και διανέμονται μέσω δημόσιων ροών RSS