SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Μην παραλείψεις να επισκεφτείς τη σελίδα του podcast και να στηρίξεις τον δημιουργό: www.sbs.com.au
Πού να ακούσεις;
Podcast στην εφαρμογή Replaio Radio Έρχεται σύντομαΤα podcast έρχονται σύντομα στην εφαρμογή. Εγκατάστησέ την τώρα και δες πρώτος μια εντελώς νέα προσέγγιση στα podcast
Επεισόδια
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሚያዝያ 2026) 16.04.2026 49:53
ን ሎሚ ሓሙስ 16 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥
ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ። (ጸብጻብ) 15.04.2026 7:23
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ተዘራሪቡ። ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ኣላ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ደኺሞም ደቂሶም 'ንዓድና ምለሰና' ካብ ዝበሉዎ ተመዛበልቲ ብዙሓት ከም ዝሞቱ ከም ዘረጋገጸ ተዛሪቡ። ናይ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ይትባረክ ዳዊት ዝተባህለ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብገበን ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠረጠሩ 11 ሰባት ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ።
"ካልኣይ ዙር ዝርርብ ኣመሪካ ኢራን ኣብ ፓኪስታን ክግበር ይኽእል'ዩ።" ፕ/ትራምፕ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2026) 15.04.2026 4:25
** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወተህደራዊ መፍትሒ የብሉን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፣ ** ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ጋንታታት ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ኣትለቲኮ ማድሪድን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮን ሊግ ሓሊፈን።
#108 Talking about the cost of living - ዝርርብ ብዛዕባ ክብሪ መነባብሮ Talking about the cost of living ትምህርቲ ቋንቋ ንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ 15.04.2026 8:33
Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising costs, managing a budget, and explaining financial challenges. - ብዛዕባ ገንዘብ፡ ወጻኢታትን ፋይናንሲያዊ ጸቕጥን ዝምልከት ብእግሊዝኛ ንምዝርራብ ዝጠቕሙና ሓሳባት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising cos...
Women’s legal services in Australia: Understanding your options - ኣገልግሎት ሕጋዊ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራሊያ: 14.04.2026 9:14
Workplace discrimination, gender-based violence and financial inequality—these are just some of the reasons why women need dedicated legal services. You don’t have to navigate the legal system alone. In Australia, free legal services exist to advocate for vulnerable women in ways that are safe, confidential and culturally appropriate. - ኣብ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ገንዘባዊ ዘይማዕርነትን ፣ ገለ ካብቲ ደቂ...
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026 5:18
** ኣብ ተሂራን ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምዕጻው መጻብቦ ሀርሙዝ ንምቅዋም ወጺኦም። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ።... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ብዝተሓሓዝ፡ ቀረብ ነዳዲ ንምምላእ ሎሚ [ሰሉስ] ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዝ ኣሎ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ 13.04.2026 50:05
ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ዝሃቡና ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳ...
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (13 ሚያዝያ 2026) 13.04.2026 7:48
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን እተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ብቕጽበት" ክዕገት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣዞዙ ። ኣብ ሃንጋሪ እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ እታ ሃገር ፡ ናይ ፒተር ማጋር ሰልፊ ቲሳው ከምዝሰዓረ ድሕሪ ምፍላጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ስዕረቱ ተቐቢሉ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቤልጁማዊ ዋት ቫን ኣርት ነቲ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝኾነ ታድ ፖጋቻ ብምቕዳም ኣብ ዉድድር ፓሪስ ሮይ ተዓዊቱ።
ፓኪስታን ኣብ ዘተ ሰላም ኣሜሪካ-ኢራን ከመይ ኢላ’ያ ዘይትጽቢታዊት ሸምጋሊት ኮይና 12.04.2026 8:11
[እቶም ዝርርባት ድሒሮም እንተዘይሰለጡ'ኳ] ፓኪስታን ነቲ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደው ክብል ንምግባር ክትሽምግል ተስፋ ገይራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ሰብ መዚ ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ተራኺቦም። ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ ዝግበሩ ጻዕርታት ድሕሪ ምምራሓን ኣብ ዋና ከተማኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ዝርርባት ሰላም ብምእንጋድ ፓኪስታን ትጽቢት ዘይተገብረላ ሸምጋሊት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ኮይና ተቐልቂላ’ላ።
በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። (ጸብጻብ) 12.04.2026 10:33
በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ ተመዝጊቡ። ምንዋሕ ዕድመ ፕረዚደንት ትግራይ "ሕጋዊነት" ኣለዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንት ፕረዚደንት እስማኤል ዑመር ጉሌ ንሻድሻይ ጊዜ ተዓዊቱ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026 53:24
ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስት...
"ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 09.04.2026 27:11
ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026) 09.04.2026 9:03
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
"ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል (ጸብጻብ) 08.04.2026 8:02
ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ።
ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡ 08.04.2026 7:45
ኣርተሚስ ዳግማይ ጠፈርተኛታት ሒዛ፡ ልዕሊ’ቲ ኣፖሎ 13 ዝበጽሓቶ ዝያዳ፡ ደቂ ሰብ ካብ መሬት ወጺኦም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ርሕቀት መዝገብ ክብረ ወሰን ሰይራ ኣብ ከባቢ ወርሒ በጺሓ ናብ መሬት ገጻ ትምለስ ኣላ። እቶም ጠፈርተኛታት ወርሒ ካብቲ ጸላም ጎድና 4000 ኪሎ ሜተር ልዕሊኣ: ርሒቖም ኵዕሶ ሰኪዔት እትመስል ምድሪ ኰይና ክትርአ ከላ ክርእዩ ኪኢሎም ኣለዉ ።
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2026) 07.04.2026 5:03
** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ክውስዶ ዝሓሰቦ ስጉምቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ገደብ ከናውሕ ጸዊዒት ቀሪቡ ።... ** ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ሞትን ንልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመጻ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ዝሕተት” ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ገሊጹ... ** ኣውስትራሊያውያን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰዓበ ቅልውላው ነዳዲ ናይ ኤሌክትሪክ ማካይን ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ.:
Thinking of a career change? Here are some tips and options to consider - ትሰርሕሉ ሞያ ክትቅይሩ መደብ ኣለኩም ዶ? ኣብ ግምት ከትእትውዎም ትክእሉ ገለ ምኽርን ኣማራጺታትን፡ 07.04.2026 8:47
Looking to step into a new career? You're not the only one, the stats suggest. No matter your age, background or whether English is your first language, a career change at some point is almost inevitable nowadays. In Australia, support is available to help you through the process. - ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ናብ ሓድሽ ሞያ ክቕይር ዝደሊ ። ዕድመኻ ፡ ኣተዓባብያኻ ፡ናይ እንግሊዝኛ ምልከት ቋንቋኻ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሞያኻ ምቕያር ዳርጋ ዘይተር...
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሚያዝያ 2026) 07.04.2026 5:17
** ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቅልውልው ኢራን ብዝተሓሓዝ ዳግማይ ን ኣውስትራሊያ ዒላማ ገይርዋ... ** ዋጋ ነዳዲ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ጠለብ ብ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ ብሽግለታ ሰማይ ዓሪጉ... ** ገለ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026) 06.04.2026 9:43
ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026) 06.04.2026 51:08
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ...
"ትፍንን ዝመለለይኡ ፖሎቲካ፡ ኣብ ክንዲ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ሻራዊ ፖሎቲካ ዝተመስረተ ዓወታት ጥራይ እዩ ዘጸምብል።" 2ይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ሰመረ ሶሎሞን 06.04.2026 18:31
ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣቶ ሰመረ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
"ልዕሊ 700 ኤርትራውያንኣብ ከተማ ሸራሮ ተረኺቦም" መንግስታዊ ቴሌቪዥን ትግራይ (ጸብጻብ) 05.04.2026 5:53
ዘመነ ስልጣኑ ዝዛዘም ዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ። ኣብ ዓሰብ - ንኣባላት ባይቶን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣስትምህሮ ተዋሂቡ። ቦርድ ምርጫ ን7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝሓዞ ግዜ ምዝገባ መረጽቲ ኣናዊሑ። ስዑዲ ዓረብ፡ ንወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ሓዊሱ ምስ 17 ዞባዊን ኣህጉራዊን መባጽሖ ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረት ተገሊጹ።
Government announces gambling advertising restrictions. Do they go far enough? - መንግስቲ መወዓውዒታት ቁማር ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኡ፣ ኣኻሊ ድዩ ግን፧ 05.04.2026 6:18
Prime Minister Anthony Albanese has announced new gambling advertising restrictions during his address at the National Press Club on Thursday. Despite calling it the most significant gambling reform that's ever been implemented, critics warn the Prime Minister's latest measures won't reduce harm. - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ዝሓለፈ ሓሙስ (2 ሚያዝያ) ኣብ ሃገራዊ ክለብ መራኸቢ ብዙሃን (ናሽናል ፕረስ ክለብ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መወዓውዒታት...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026) 02.04.2026 53:11
ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ናይ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መቐጸ...
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026) 02.04.2026 9:21
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።
Το Replaio δεν είναι εκδότης podcast - τα ονόματα των εκπομπών, τα εξώφυλλα και ο ήχος ανήκουν στους δημιουργούς τους και διανέμονται μέσω δημόσιων ροών RSS