SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ Epizody: 1441

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Určitě navštivte web podcastu a podpořte jeho tvůrce: www.sbs.com.au

Autor

SBS

Kategorie

News

Web podcastu

www.sbs.com.au

Nejnovější epizoda

2. lis 2026

Kde poslouchat?

Podcasty v aplikaci Replaio Radio Už brzy

Podcasty míří do aplikace už brzy. Nainstaluj si ji teď a jako první uvidíš úplně nový pohled na podcasty

Stáhnout z Google Play Nainstaluj zdarma Android téměř 10 mil. stažení · hodnocení 4,8 iOS už brzy

Epizody

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025) 21.07.2025

ንሎሚ ሰኑይ 21 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኤሪ ቲቪ ዝገበሮ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025) 21.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ተማሃሮ ዕዳ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኢትዮጵያ ንዂናት ብእዉጅ ትዳሎ ከም ዘላ ገሊጹ። ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣

ጉዳፍ ጸጋይን መዲና አይሳን ኣብ ለንደን ተዓዊተን፣ ታደይ ፖጋቻር ንዙር ፈረንሳ ይዕብልሎ፣ 20.07.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/07/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ለንደን ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ኣብ ውድድር ሓደ ማይል መሪሕ ዝኾነ ግዜ ብምምዝጋብ ክትዕወት’ንከላ መዲና አይሳ ኣብ ውድድር 5000 ሜ ተዓዊታ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ክልተ ተወሰኽቲ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ መሪሕነቱ ድሕሪ ምድልዳሉ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ራብዓይ ኮይኑ ተሳትፎኡ ይቕጽል ኣሎ፣ * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ውድድር ማራቶን ኬንያዊት ሩት ቸፕንገቲች ብምኽንያት ምውሳድ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራት ወይ ዶፒንግ ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢሩላ፣...

"እዚ ሃኒጽናዮ ዘለና ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ከገልግል ክፉት እዩ።" ዝርርብ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ብርስቤን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን። 18.07.2025

ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025) 17.07.2025

ንሎሚ ሓሙስ 17 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት እንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም ኣህጉራዊ ትካል ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025) 17.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ዓመጽ ቈልዑ ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ሓያሎ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ይሰርሕ ከምዝነበረ ድሕሪ ምፍላጡ: ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ዝምልከት ሃገራዊ መዝገብ ክህሉ ጻዊዒት ቀሪቡ። እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሶርያ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ሩሲያ ድማ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ዩክሬይን ኣጥቂዓ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ታደይ ፖጋቻር ካብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣርባዕተ ኪሎሜተር ምስተረፎ ብምውዳቑ ካብ ኖርወይ ጆናስ ኣብርሃሰን ናይታ መዓልቲ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። 16.07.2025

ኣብ መቐለ ብቀሊል ሓደጋ ነፋሪት ዝተጎድኡ 2 ሰባት ተሓኪሞም ተፋንዮም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብዓይኒ ሰብኣውነት ክፍጸም ሓቲቱ። ተምሃሮ ኣባላት 37 ዙሪያ ሳዋ፡ 12.2% ንዲግሪ 7.59% ንዲፕሎማ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም። ትካል ገንዘብ ዓለም IMF ንኣንፈት ቁጠባዊ ፅገና ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።

ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ? 16.07.2025

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሓምለ 2025) 16.07.2025

** ኣውስትራሊያን ቻይናን ንግዲ ፍሩታን ካልእ ስምምዓትን ብምግባር ንግዳዊ ዝምድናአን ከጠናኽራ ተወዓዒለን። ** ንሓደ ፒተር ፋልኮንዮ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ተጓዓዛይ ባክፓከር ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ዝቐተለ ብራድሊ ጆን ሙርዶክ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ ጐሮሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ።... ** ኣብ ኢትዮጵያ-ዝመሰረቱ ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ ጉጅለ ዓፋር ኣብ ሰመራ ጉባኤ ብምክያድ ቓልሲ ከምዘጎሃህር ኣፍሊጡ።

“እዚ ማዕርግ ዝያዳ ንኽሰርሕ ሓላፍነት ዘሰክመኒ እዩ።” ብፍሉይ ማዕርግ ዶክትረይት ዝትሸለመ ጸሓፍን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዳርን ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን 15.07.2025

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም United Graduate College and Seminary Intl. ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ኣሎ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2025) 15.07.2025

** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሎሚ [ሰሉስ 15 ሓምለ] ኣብ በይጂንግ ክራኸብ እዩ... ** ዩክሬን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ “ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዉሽጢ 50 መዓልቲ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂባትሉ... ** ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣየርላንዳዊ በን ሄሊ ብጫ ማልያ ለቢሱ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025) 14.07.2025

ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠን...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025) 14.07.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣ 13.07.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣

ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። 13.07.2025

ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ባህላውያን ወነንቲ እቲ ውሳነ ኣብዝግለጸሉ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ተጓዒዞም ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ሃገራት ን መልክኣ ምድሪ ባህላዊ ሙሩጁጋ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክኣቱ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ። 13.07.2025

ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ

"ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ ኢኻ፣ እቲ ማዕርነትካ ግን ግቡእካ እናፈጸምካ'ዩ" - ዕላል ምስ ክኢላ ስነልቦና ዮሃንስ ፈርናንዲኖ ድራር (2ይ ክፋል) 11.07.2025

ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ጽልዋታት ስደትን ሓድሽ ናብራን፣ ህጻናትን መንእሰያትን፣ ወዘተ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና (https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/sbs-tigrinya-interview-07072025/xu404i9ak) ዳህሲስናዮ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) 10.07.2025

ቀጥታ ምሉእ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓምለ 10, 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ቃለመሕትት፣ * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) 10.07.2025

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) * ዕጡቓት ሓይልታት ሑዚ ናይ የመን ካልኣዮም ኣብ’ዚ ሰሙን ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ድሕሪ ምጥሓሎም 4 ኣባላታ ክሞቱ’ንከለዉ 15 ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽቡን * ናይ ኣየርን መሬትን መጥቃዕታታ ኣብ ዝወሰኸትሉ እዋን ሩስያ ክብረወሰን ዝኾነ 728 ድሮናትን 13 ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኲሳ * ፕሪምየር ግዝኣት ታዝመንያ ጀረሚ ሮክሊፍ ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግዝኣታዊ ምርጫ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ነበርቲ ንዝኮኑ ማሕበረሰባት ከይዱ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዱ

ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኣይክሳተፍን'የ (ፕሮፌ. ብርሃኑ ነጋ)፣ ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ትቆጻጸር (ፍሉይ ራፖርተር ው. ሕ. ሃ.)፣ 09.07.2025

ጸብጻብ ዜናታት ልኡኽና (10/07/2025) * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሓምለ 2025) 09.07.2025

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ማእከላይ ወይ ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝወሰዶ ውሳነ ሚልዮናት ኣውስትራልያውያን ብተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣይኮነን ይብል፣ * ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት ቻይልድኬይር ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ’ቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ማእከላቱ መከታተሊ ካሜራ ሲሲቲቪ ከእቱ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ’ቲ ምዕልቕላቕ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ከባቢታት ቴክሳስ ዓርቢ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ ታደይ ፖጋቻር ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ፈለማዪ መድረኻዊ ዓወት ብምምዝጋ...

How to start your home business in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ንግዲ ኣብ ገዛኹም ከመይ ገይርኩም ትጅምሩ፧ 08.07.2025

Did you know that people offering taxi services from home need to register for Goods and Services Tax (GST)—regardless of how much they earn? Or that a fitness instructor needs local council approval to see clients at home? In this episode, we unpack the basic rules you need to know when setting up a home-based business in Australia. - ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ (home-based business) ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) 08.07.2025

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2025) * ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ነቶም ተወሳኺ ምቅላል ኣብ ለቓሕ ዕድጊ ኣባይቲ ወይ ሞርጌጅ ክጽበዩ ዝጸንሑ ተለቃሕቲ ኣብ ዘየሐጉስ ስጉምቱ መጠን ወለድ ከምዘለዎ ክጸንሕ ወሲኑ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚን ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊይ ጀይ-ምዩንግን ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ታሪፋት ክውስኹ ድሕሪ ምውሳኑ ሃገራቶም ሕድገት ክግበረለን ዘተኦምን ሕቶኦምን ከምዘየቋርጹ ገሊጾም፣ * ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነት ሒዙ ዝጸንሐ ያስፐር ፊሊፕሰን ወዲቑ ኣብ ዘቋረጸሉ 3ይ መድረኽ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ቲም መርሊየር ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይ 6ይ...

“ጽልኢን ሕሜትን ኣብ ልዕሊ ኣእምሮን ኣካልን ጸቕጢ ይፈጥሩ፣ ስለ’ዚ ፈቃራት ንኹን፣ ካብ ጽምዋ’ውን ንድሕን፣” ኣቶ ዮሃንስ ድራር 07.07.2025

ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ብሓፈሽኡን ልሙዳት ተርእዮታት ጸገማቱ ብፍላይ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ'ታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። [ቀዳማይ ክፋል]

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025) 07.07.2025

ንሎሚ ሶኑይ ሓምለ 7፣ 2025 ዘዳለናዮም መደባት ጸብጻባት ዜና ዓዲ: * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ። * ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ፈጺምዎም ምስ ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ...

Poslouchej podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ v Replaio

Rádio a podcasty v jedné aplikaci - zdarma a bez registrace. Nainstaluj si ji ještě dnes a nepropásni premiéru

Stáhnout z Google Play

Replaio není vydavatelem podcastů; názvy pořadů, obálky a audio patří jejich autorům a šíří se přes veřejné RSS kanály