SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Autor

SBS

Categorie

News

Site-ul podcastului

www.sbs.com.au

Cel mai nou episod

9 iul. 2026

Unde asculți?

Podcasturi în aplicație Replaio Radio În curând

Podcasturile ajung în curând în aplicație. Instaleaz-o acum și fii primul care descoperă o abordare complet nouă a podcasturilor

Descarcă din Google Play Instalează gratuit Android aproape 10 mil. descărcări · nota 4,8 iOS în curând

Episoade

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ'ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡሉ። 31.07.2024

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።

"እዚ ናትና ወለዶ ናይ መከራ ወለዶ ኮይኑ'ዩ ዝስማዓኒ።" ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ 31.07.2024

ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ። ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2024) 31.07.2024

ንሎሚ 31 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ፡ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ተፈቒድዋ። ኣውስትራሊያዊት ካይሌ ማክከውን ኣብ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብናይ ምሕምባስ backstroke ናይ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር 30.07.2024

ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ጌርና ካብ ዘይተሓስበ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም እንገላገልን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ከም እንድሕንን ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ልሙድ ሕግታት ኣጋር ምፍላጥ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2024) 30.07.2024

ንሎሚ 30 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ብ እስራኤል ክግበር ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ ኣውስትራሊያውያን ናብ ሊባኖስ ከይጉዓዙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ "ቀልጢፎም ክወጹ" መንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ ። ምርጫ ፐንዙወላ ሲዒቡ ፓናማ ንዲፕሎማሰኛታታ ካብ ቨነዝዌላ ስሒባ ። ፕረዚደንታት ጂቡቲን ፈረንሳን ምሕዳስ ወትሃደራዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ፈሪሞም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024) 29.07.2024

ንሎሚ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ምስ ግጥምታቱ ኣሰኒና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲ...

“ኣብ ጥቓ ስድራይ ዝነብርሉ ናይ ኣየር ቅምቡላ ወዲቑ፡ እናንቀጥቀጥኩ ብዜና ከቕርብ ነይሩኒ።” ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ 29.07.2024

ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ምንባር ጀሚሩ ዝርከብ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ዝገበርናዮ ዕላል። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ናብ ሞያ ጋዜጣኝነትን ግጥምን ኣተኣታትዋኡን ዘጋጠምዎ ኩነታትን ምስ ግጥምታቱ ቀሪቡ ኣሎ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2024) 29.07.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ ትርከብ ግዝ ኣት ሶርያ ኣኽራን ጐላን ኣብ ዝርከብ ሚዳ ኲዕሶ እግሪ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ብውሕዱ 12 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ፈንያ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት እንተ ኣዋፊራ ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ምዕራባውያን ሃገራት ከጥቅዕ ዝኽእል ርሕቀት ኣብዘለዎ ከባቢ ተመሳሳሊ ሚሳይላት ከተዋፍር ምዃና ገሊጹ ኣሎ ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሪቻርድ ማርለስ ፡ ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ካብ ሰልፊ ለበር ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝቐረበ ጻውኢት ፡ ምላሽ ሂቡ ኣሎ ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ጋ...

ምስጋና ዋኩማን ሊና ኣለማየሁን ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኣውለብሊቦም፣ ቢንያም ግርማይ ውዕሉ ምስ ጋንትኡ ኣናዊሑ ናብ ፓሪስ መሪሹ፣ 28.07.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ጋንትኡ ኢንተርማርሸ ዎንቲ ክሳብ 2028 ምስኣ ክጸንሕ ውዕሉ ኣናዊሓትሉ፣ ባንዴራ ኤርትራ ተሰኪሙ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 መሪሑ ክምርሽ’ንከሎ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ተሳቲፉ መበል 29 ወዲኡ፣ * ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዝሓለፈ ዓርቢ ብድሙቕ ስነስርዓት ኣብ ሩባ ሰን ከተማ ፓሪስ ተኸፊቱ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ቅልጣፈ ስጉምቲ ንዝወዳደር ምስጋና ዋኩማን ሓንባሲት ሊና ኣለማየሁን ሰንደቕ ዓላማ’ታ ሃገር እናውለብለቡ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ክምርሹ ክብሪ ሂባ፣

ኢትዮጵያ ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሸርፊ ብር ብዕዳጋ ክውሰን ዝብል ውሳነ ከትተግብር ተቐቢላ። 28.07.2024

ፕረዚደንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል'ቡርሃን ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ ዓዲሙ። ኣብ ትግራይ፡ ክልተ ሚልዮን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዝርከቡ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም። ባይቶ ቱርኪ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ሶማልያ ክዋፈር ፈቒዱ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሓምለ 2024) 25.07.2024

ንሎሚ ሓሙስ 25 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ዶ/ር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ኪኢላ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ሎሚ ናይ መወዳእታ ክቐርብ እዩ። ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ። ኤርትራ ሱዳናዊ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝኣዘዘት ተሓቢሩ። ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ህወሓት ካብቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ኣባላቱ ከም ዝሰሓቡ ኣፍሊጡ።ዝብሉ ጸብጻባት ል ኡኽና እዮም። ምርዳእ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊያ፡ ኣብያተ ፍርዲን ሕጋዊ ደገፍን ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሓምለ 2024) 25.07.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራሊያ ኣብ "ሕጽረት ብዝሒ ህጻናት " ከም ትርከብ ዘላ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ናይዚ ምኽንያት ጸቕጢ ክብሪ መነባብሮን ቁጠባዊ ስግኣትን እዩ ተባሂሉ። ኣብ ኔፓል ፡ ሓንቲ ነፋሪት ንኽትበርር ኣብትብገሰሉ ዝነበረት ካብ መሕንበቢ ጽርግያ ወጺኣ ብምሕምሻሻ ፡ ብውሕዱ 18 ተጓዓዝቲ ሞይቶም ። ኤርትራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።

Ascultă podcastul SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ în Replaio

Radio și podcasturi într-o singură aplicație - gratuit și fără înregistrare. Instaleaz-o azi și nu rata lansarea

Descarcă din Google Play

Replaio nu este editorul podcasturilor; numele emisiunilor, coperțile și materialul audio aparțin autorilor lor și sunt distribuite prin fluxuri RSS publice