SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Vizitează neapărat site-ul podcastului și susține-i creatorul: www.sbs.com.au
Unde asculți?
Podcasturi în aplicație Replaio Radio În curândPodcasturile ajung în curând în aplicație. Instaleaz-o acum și fii primul care descoperă o abordare complet nouă a podcasturilor
Episoade
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026) 24.09.2026 12:01
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ። #sbsaudiopodcast
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 23.09.2026 7:09
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ። #sbsaudiopodcast
ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። 23.09.2026 9:51
መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተኣቢያ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። #sbsaudiopodcast
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026) 23.09.2026 6:00
*** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡ #sbsaudiopodcast
Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን። 22.09.2026 10:37
Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it’s an effective way to take charge of our health. Let’s take a closer look at why a breast screen is nothing to be anxious about. - ስሩዕ መርመራ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ ብኣግኡ እቲ ሕማም ምህላዉ ን...
ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከረም) 21.09.2026 7:10
*** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027) 21.09.2026 50:43
ንሎሚ 21 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026) 21.09.2026 10:30
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ’ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast
Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዘለዎምን ክትንከፉ'ዮም 20.09.2026 11:47
The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger enforcement and a crackdown on visa hopping. - መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት...
ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ውድባትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሕዝነት ከም ዝፈጠሩ ኣፍሊጦም። 20.09.2026 7:03
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መደረ ኣስሚዑ ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026) 17.09.2026 52:58
ንሎሚ 17 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
“ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ’ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ" 17.09.2026 39:28
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። (ዜና 17 መስከረም 2026) 17.09.2026 10:06
ኣርእስታት ዜና፥ ** ጽላት ንግዲ ኣብ መደብ ፖሊሲ ስደት ኣውስትራልያ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስግኣቱ ገሊጹ... ** ሓንቲ እንግሊዛዊት ቁሸት ብሰንኪ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትግንጸል ረፈረንደም ኣካዪዳ... ** ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። ** ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ንዓመተ ስፖርት 2027 F1 ኣብ መልበርን ኣይክኽፈትን ኢዩ። #sbsaudiopodcast
"ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ።" ኤምባሲ ኣመሪካ (ጸብጻብ) 16.09.2026 9:16
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካዶ ዘተ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ብካልእ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምቕጻል ደገፍ ከም ዝገብር ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ። #sbsaudiopodcast
ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ናይዶል ንውዮን ነቲ "ናይ ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን" ዝበለቶ ስዒቡ ንዝቐርብ ዘሎ ዝለፋ መልሲ ሂባ። 16.09.2026 7:30
ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ። እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ። #sbsaudiopodcast
#119 Talking about hay fever (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS #119 Talking about hay fever (Med) 15.09.2026 10:29
Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. - Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. Keep practising the phrases from this episode an...
ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 መስከረም 2026) 15.09.2026 6:43
** ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ** መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋታት መጠኑ ከቢድ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣረጋጊጹ። ... ** ናይሮቢ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ከተማ ንሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ከተአንግድ ተመሪጻ። #sbsaudiopodcast
What are Indigenous Protected Areas in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ሕዙኣት ቦታታት ደቀ'ባት ዝበሃሉ እንታይ'ዮም፧ 15.09.2026 10:41
National parks, nature reserves, marine sanctuaries and Indigenous Protected Areas protect different environments and operate under different rules. What makes an Indigenous Protected Area different, and how can you find out whether you are welcome to visit? - ሃገራዊ ፓርክታት፡ ዕቑር ተፈጥሮ፡ ሕዙእ ናይ ባሕር ክፋልን ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይሕዝኡን ብዝተፈላለዩ ሕግታት ይሰርሑን። ናይ ሓደ ሕዙእ ከባቢ ደቀባት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ክትበጽሑዎም ትኽእሉ...
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋታት ነዳዲ ከንህር'ዩ፡ (ሕጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 15 መስከረም 2026) 14.09.2026 5:23
** ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረብ ዝወስድ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ቀጻሊ ጽልዋ ክህልዎ ምኹኑ ተፈሊጡ።... ** ሰልፊ ዋን ኔሽን ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ን ኣውስትራሊያ ቢልዮናት ዶላራት ቁጠባዊ ክሳራ ከውርደላ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ** ኤ-ኣይ ኣዝዩ ሓያልን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋምን ቅድሚ ምዃኑ፡ ወዲ ሰብ መከላኸሊታት ንምትካል ውሱን ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026) 14.09.2026 53:05
ንሎሚ 14 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ትካላት ንግዲ ሶማልያ ኣማራጺ መስመራት መራኽብ ይደልዩ፡ (ዕለታዊ ዜና 14 መስከረም 2026) 14.09.2026 13:08
ኣርእስታት ዜና፥ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ። ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም። ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ። #sbsaudiopodcast
'ንብምሉኡ ኢንተርነት ክቆጻጸሮ ይኽእል’ዩ፣' ላዕለዎት መራሕቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ዓመት ክለዓል ይኽእል ዝብልዎ ስግኣት 13.09.2026 7:06
ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ። #sbsaudiopodcast
ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሰንዓፈ፡ (ጸብጻብ) 13.09.2026 7:29
ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ። ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ ። ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ። ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026) 10.09.2026 54:38
ንሎሚ 10 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026) 10.09.2026 9:45
ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ። ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ። ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተዓዊቱ ፣ #sbsaudiopodcast
Replaio nu este editorul podcasturilor; numele emisiunilor, coperțile și materialul audio aparțin autorilor lor și sunt distribuite prin fluxuri RSS publice