Fr. Fnote-Atnatiewos (ቀሲስ ዉሉደ ፈለገ-ጥበብ)

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

Religion TI ↓ 22 episodes

ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘገልግል፣ ብሓደ ታራ ካህን እትመሓደር፣ ሶሙናዊ ፖድካስት።ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት ነቲ ቅዱሳን ዝመሃርዎ ትምህርቲ ናብ ኲሎም ምእመናን ንምትሕልላፍ እዩ።

Author

Fr. Fnote-Atnatiewos (ቀሲስ ዉሉደ ፈለገ-ጥበብ)

Category

Religion

Podcast website

Fnoteatnatiewos.podbean.com

Latest episode

Jul 16, 2025

Where to listen?

Podcasts in the app Replaio Radio Coming soon

Podcasts are coming to the app soon. Install now and be the first to see a whole new take on podcasts

Get it on Google Play Install for free Android 5M+ downloads · 4.8 rating iOS soon

Episodes

22. ራብዐይቲ ትእዛዝ ራብዐይቲ ክፋል 16.07.2025

መልእክቲ ናብ ሰብ ዕብራዉያን ምዕራፍ 4 ከም ዝነግረና፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነት፣ እንኮላይ ናይታ ተስፋ እንገብራ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ፣ መዓልቲ ጐይታ መንግስቲ ኣምላኽ እንወርሰላ፣ ምሳሌ ዉን እያ። መዓልቲ ሰንበት ምኽባር እንኮላይ በዓላት ጐይታ ከነብዕል ዉን ይእዝዘና። ዓብየቲ በዓላት ናይ ጐይታ ኲሉ ግዜ ክቅደሳን፣ ከነኽብረን ተኣዚዝና ኣለና።

21. ራብዐይቲ ትእዛዝ ሳልሰይቲ ክፋል 05.07.2025

ኣብዛ ሳልሰይቲ ክፋል፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከመይ ጌሩ ንቀዳም፣ ብመዓልቲ ትንሳኤኡ ብሰንበት ምልኣት ከም ዘልበሳን፣ ሰንበት ናይ ምሕረት ናይ ፈዉስን ናይ ሕድገትን ምዃና ከም ዝመሃረን፣ ክንርኢ ኢና።

20. ራብዐይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል 03.07.2025

ኣብዚ ካልኣይቲ ክፋል፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይዀነት፣ እግዚአብሔር ብህልዉንኡ ንህዝቡ ከም ዝቕደስ ኪዳን ኮይና ዝቖመት መዓልቲ ምዃናን፣ ብተወሳኺ ካብ ባርነት ሓራ ናይ ምዉጻእ ምልክት፣ ግዙኣት ሓራ ዝዉጽኡላ፣ ድኽነት ዝሰዓረላ፣ ናይ ምሕረት፣ ናይ ቅዱስ እኬባ፣ መስዋእቲ ናብ እግዚአብሔር ዞዓርገላ መዓልቲ ምዃና፣ ክንርኢ ኢና።

19. ራብዐይቲ ትእዛዝ ቀዳማይ ክፋል 02.07.2025

መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘኽር ትብል ራብዐይቲ ትእዛዝ መእተዊ ቀዳማይ ክፋል ኮይኑ፣ ኣብዚ መደብ ኣበጋግሳ ናይዛ ሕጊ ካበይ ዘፍጥረት ዝጀመረ ከም ዝዀነን፣ ጐይታ በዛ መዓልቲ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ከም ዘዕረፈ፣ ንዓለም ብመለኮታዊ ባህሪኡ ካብ ምስሳይ ግና ከም ዘየዕረፈ፣ ንሕና ድማ፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕጊ ተከቲልና፣ ከምኡ ካብ ስራሕ ከነዕርፍ፣ በቲ ናቱ ጸጋ ክንስሰይ ድማ ንሰንበት ከነኽብር ከም ዝግብኣና ክንመሃሃር ኢና።

18. ሳልሰይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል 28.05.2025

ኣብዛ ካልአይትን መወዳእታን ክፋል፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይትለዕል እንታይ ማለት እዩ? ብከንቱ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ስም እግዚአብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ከነልዕል ከምዘይግባእ፣ ክንምሕል ክንሕስው፣ ከንቃልል ከም ዘይግባእ ኣብዚ ክንዝቲ ኢና። ብትወሳኺ ከመይ ጌርና ኢና ስም እግዚአብሔር ከንኽብር ዘለና? ክንጽሊ፣ ከነመስግን፣ ስሙ ክንቕድስ፣ በቲ ንነብሮ ናብራ ስሙ ክንቕድስ ከም ዝግባእ ክንማሃር ኢና። ሰሚዕኹም በረኸት እንድህሪ ረኺብኩም፣ ናብ ካልኦት መንፈሳዊ ረብሓ ክረብሑሉ ዝኽእሉ፣ ሼር በልዎም። እግዚአብሔር ይባርኽኩም።

17. ሳልሰይቲ ሕጊ ቀዳመይቲ ክፋል 26.05.2025

ሰላም ንዓኹም፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ከይተዘርግሐ ዝቐነየ፣ መበል ራብዓይ ክፋል ትምህርቲ ብዛዕባ 10 ትእዛዛት ናባዂም የብሎ ኣሎኹ። ኣብዚ ትምህርቲ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሕጊ፣ "ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይተልዕል" ክንዝትይ ኢና። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም፣ ኣስማት እግዚአብሔር፣ ልዕልና ስም እግዚአብሔር ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ድዩ ዝበሃል፣ ዋላስ የሱስ፣ ዋላስ እየሱስ ባዕልኹም ከተንብብዎ ይላበው። ብሩኽ ምኽትታል። ሰሚዕኹም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ብትሕትና ይሓትት። ብሩክ ምኽትታል መደብ።

16. ካልአይቲ ትእዛዝ 3ይቲን መወዳእታን ክፋል 30.04.2025

ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።"  ብባዕላዊ መገዲ ንእግዚአብሔር ዘምለኹ እንታይ ኣጋጢምዎም? በቲ ቅኑዕ መገዲ ዘምለኹ`ከ እንታይ በረኸት ረኺቦም? ንሳልሳይ ራብዓይን ወለዶ ምቕጻዕ ከመይ እዩ? ንኣሻሓት ወለዶ ምምሓር`ከ ከመይ እዩ? መዛዘሚ...

15. ካልአይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል 30.04.2025

ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።"  ቀንዲ መልእክቲ ናይዛ ሕጊ እንታይ እዩ? ንእግዚአብሔር ኣምላኽ`ከ ከመይ ጌርና ከነምልኾ ይግባእ?  

14. ካልአይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል 30.04.2025

ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" እንታይ ማለት እዩ፧? እንታይ ይፈቕድ፣ እንታይ ከ ይኽልኽል? ኣብዛ ቀዳመይቲ ክፋል ብዛዕባ ስእልን ኣጠቃቕምኡን፣ ክንዝትይ ኢና።

13. መልእክቲ በዓለ ፋሲጋ ቅ. ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ 19.04.2025

ናይ ቁስጥንጢንያ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ  ከባቢ 400 ዓ.ም. ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ ናብ ምእመናን ዝሰደዶ መልእክቲ ፋሲጋ፣ ብምንያት በዓለ ፋሲጋ ክትሰምዕዎ ናባኹም የብሎ። ብሩኽ በዓለ ፋሲጋ። ርሑስ በዓለ ትንሳኤ!

12. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 3ይቲ ክፋል 31.03.2025

ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ሳልሰይትን መወዳእታ ክፋልን ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።  

11. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል 31.03.2025

ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ካልአይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።  

10. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል 31.03.2025

ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ቀዳመይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።  

9. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ ካልኣይ ክፋል 15.03.2025

ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ካልኣይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክኾነኹም ጸሎተይ እዩ።

8. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ. ቀዳማይ ክፋል 15.03.2025

ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ቀዳማይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክትኻፈሉ፣ ናባኹም የብሎ። 

7. ናይሙሴ ህይወት - ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ቁ.1 06.04.2024

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን (ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ) ብዛዕባ ናብራ ቅድስና እንታይ ይመስል ንኽምህር ካብ ዘዳለዋ፣ ናይ ሙሴ ህይወት (The Life of Moses) እትብል መጽሓፉ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ቀዳመይቲ ክፋል። https://www.amazon.com/Gregory-Nyssa-Classics-Western-Spirituality/dp/0809121123 ሰሚዕዂም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ንካልኦት ሼር በልዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ናይ ቅዳስኑ በረኸት የካፍለና። ኣሜን!

6. ጾም- ብቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቅ 05.04.2024

ቅዱስ ዮዉሓንስ ብዛዕባ ጾም ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ። ብሩኽ ምክትታል። https://fnoteatnatiewos.com/2021/03/17/%e1%8c%be%e1%88%9d-%e1%89%85%e1%8b%b1%e1%88%b5-%e1%8b%ae%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%88%e1%8b%88%e1%88%ad%e1%89%85-2/

5. ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክንዓቢ ንኽእል? 3ይን መወዳእታ ክፋል 29.03.2024

ነቲ ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ግብሪ ቀንጢጥና ብምስቃል፣ ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስል ንኽእል። ናይ መወዳእታ ክፋል። "እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ መከራ ፈሪሑ ኣይኰነን ሰናይ ግብሪ ዝገብር፣ ወይ ዓስቢ ክረኽብ ተስፋ ስለዘለዎ ዉን ኣይኰነን ካብ ክፋእ ዝርሕቕ። እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ብፍቕሪ እዩ ንሰናይ ነገር ዝተግህ። ኩሉ ተግባራቱ ንዉልቃዊ ረብሓት ዝዓለመ ኣይኰነን፣ ስለዚ ተባራቱ ብናይ ዉልቃዊ ድሌታቱ ኣምርሑን። ጽባቐ ናይ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐረ ግና፣ ንኲሉ ሰናይ ግብሪ ብፍጹም ትግሃትን ብሙሉእ ሓይሉን ይፍጽሞ። ኣብ ዝና ኣይግደስን። ብሰብ ዉን ጽቡቕ ክውረየሉ ኣይ...

4. ኣረጊት ኣዳምን ሓድሽ ሰብን 26.03.2024

ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ። ኣዳም ናብቲ ምስሊ ኣምላኽ ንከይዓቢ ሕጊ ብምጥሓሱ ምስ ተዓንቀጸ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ናብቲ ናይ ቀደም ምስሉ መሊስዎ።

3. ነቲ ኣረጊት ሰብነትና ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ! 22.03.2024

ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ።

2. ጾም፣ጸሎትን ምሕረትን- ቅ.ጴጥሮስ ቃለወርቅ 18.03.2024

እብ ምዝዛም ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ራቬና ትበሃል ዓዲ ኤጲስቆጶስ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጾምን ጸሎትን ምሕረትን ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ሰሚዕኹም በረኸት ተኻፈሉ።

1. ጾም 40 ቁ 1 15.03.2024

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣነ ኣባት ነፍሲ ኮይነ ዝኣልዮም ዘለኹ መንፈሳዊ የሕዋተይ ዝተዳለወ ትምህርቲ ኮይኑ፣ እዚ ቀዳማይ ብዛዕባ ናይ ጾም 40 መእተዊ ትምህርቲ እዩ። ሰናይ ምክትታትል

Listen to the ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/ podcast in Replaio

Radio and podcasts in one app - free, with no sign-up. Install today and do not miss the launch

Get it on Google Play

Replaio is not a podcast publisher; show names, artwork and audio belong to their authors and are distributed through public RSS feeds.