SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Bezoek zeker de website van de podcast en steun de maker: www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Categorie

News

Website van de podcast

www.sbs.com.au

Nieuwste aflevering

26 okt. 2026

Waar luisteren?

Podcasts in de app Replaio Radio Binnenkort beschikbaar

Podcasts komen binnenkort naar de app. Installeer nu en zie als eerste een compleet nieuwe kijk op podcasts

Download het op Google Play Gratis installeren Android bijna 10 mln downloads · beoordeling 4,8 iOS binnenkort

Afleveringen

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 11 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ ፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ሰነ 2026) 11.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ ። ኣብ ቤልፋስት ፡ ድሕሪ ንምሉእ ለይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተገብረ ዕግርግር፡ ፡ ኣባይትን ማካይንን ብሓዊ ነዲዶም ። ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ ሎሚ 11 ሰነ ጀሚሩ ብወግዒ ክጅመር እዩ ።

ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተወዳደረሎም ኩሎም መናብር ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) 10.06.2026

ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ዝተወዳደረሎም መንበራት ኩሎም ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ግብጺ ኣገዳሲት ወደብ ሱክና በጺሑ። ናይ 2019 ዓ/ም ዓመታዊ ባጀት ኢትዮጵያ 2.3 ትሪልዮን ኮይኑ ፀዲቑ። ትግራይ: ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦወንበሩን ብደረጃ ኣፍሪካ ተዓዊቶም።

#112 Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS : Keeping kids busy | Surviving school holidays (Med) 10.06.2026

Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyday English for talking about children’s behaviour, boredom, and common challenges at home. - ቆልዑ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ብንጥፈታት ጽሙዳት ክኾኑ ንጥቀመሎም ኣበሃህላታት ብቛንቋ እንግሊዝኛ። ብዛዕባ ጠባያት ቆልዑ፡ ምስልካይን ልሙድ ብድሆታት ኣብ ገዛን ዝምልከት ኣበሃህላታት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English phrases for keeping kids busy during the school holidays. Practise everyd...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (10 ሰነ 2026) 10.06.2026

** ኢራን ዳግም ምስ ተቖጻጻሪ ኣቶሚካዊ ጸዓት ክትላዘብ ጻዊዒት ቀሪቡ። ** ንሕሙም ኢቦላ ዝተዋህበ መድሃኒት ኢቦላ ትስፉው ምዃኑ ተገሊጹ። ** ኣብ ርእሲ ከተማ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ቤልፋስት መጥቃዕቲ ብኻራ ምስ ተፈጸመ ዕግርግር ተፈጢሩ ።

ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026: ምድላዋት፣ መሓለኻታትን ትጽቢታትን፣ 'ብሉጽ ዳኛ ቪዛ ዝኽልከለሉ ዋንጫ ዓለም!' (ትንታነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ) 10.06.2026

ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 መዓልቱ ኣኺሉ ዝጅመረሉ እዋን በጺሑ'ሎ። ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታን ብነጻን ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን SBS እዩ። ስለ'ዚ እዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ውራይ ክካየድ'ንከሎ ሸፈነና ኣብ ኩሉ መድረኻት ቴሌቪዥን፡ ሬድዮ፡ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድረኻትን ክውስኽ'ዩ ማለት'ዩ። ንሎሚ እምበኣር እቲ ውራይ ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕብኡ ሓፈሻዊን እዋናውን ሓበሬታን ርእይቶን ንምርካብ ምስ ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ሓጺር ዕላል ከነካይድ ኢና። * ሃንቀውታን ትጽቢትን ንዋንጫ ዓለም ከም ቀደሙ ድዩ ዘ...

As women linked to ISIS return, how does Countering Violent Extremism (CVE) work in Australia? - SBS Examines: ምስ ኣይሲስ (ISIS) ምትእስሳር ኣለወን ዝተባህላ ደቀንስትዮ ኣብ ዝተመልሳሉ ኣውስትራልያ ንምቅላስ ጎነጻዊ ጽንፈኝነት ከመይ'ያ ትሕዞ፧ 09.06.2026

The return of 32 women and children from Syria, who are linked to the self-proclaimed Islamic State group, has prompted concerns around community safety and discussions around mandatory Countering Violent Extremism (CVE) activities for at-risk individuals. - ምምላስ ምስ'ቲ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ንባዕሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም 32 ደቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ሶርያ፡ ኣብ ዙርያ ድሕነት ማሕበረሰብ ስክፍታታት ከልዕል'ንከሎ ኣብ ዙርያ'ቶም ንምምካት ጎነጻዊ ጽንፈኝነት (C...

Are electric vehicles worth it in Australia?| Fuel in Focus - ናይ ኤለክትሪክ መኪና ምጥቃም ኣብ ኣውስትራሊያ የዋጽእ ዶ?| ትዂረት ኣብ ነዳዲ 09.06.2026

Electric vehicles are becoming more common on Australian roads as fuel prices remain unstable and more drivers look for cheaper ways to travel. Here's what you need to know if you are thinking about making the switch. - ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብዘይኮነሉን ብዙሓት ኣሽከርከርቲ ድማ ብዝሓሰረ መማረጺ ክጓዓዙ ይደልዩ ኣብዘለውሉ ናይ ኤለክትሪክ ማካይን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መንገድታት ግኑናት ኮይነን ኣለዋ። ናብ ናይ ኤለክትሪክ መኪና ክትልውጥ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ ክትፈልጦም ብዛዕባ ዘለዉኻ ነገራት ኣብዚ ቀሪቦ...

"ኣብ ማሕበረሰብና ን25 ዓመታት ብዝገበርናዮ ጽልዋ ኢና ተሸሊምና።" ጋዜጠኛታት ብርሃን ጃብር ን ኣሕመድ ማሕሙድን ተሸለምቲ "ሽልማት ጽልዋ ኣብ ማሕበርሰብ 2026" 09.06.2026

ጋዜጠኛታት በርሃን እስማዒልን ኣሕመድ ማሕሙድን ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ራዲዮ 3 CR ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣገልጊሎም። በቲ ራዲዮ ኣቢሎም ኣብ ማሕበረሰብ ብዝገበርዎ ጽልዋ ብ The National and Multicultural Broadcasters' Council ብ "ጽልዋ ኣብ ማሕበረሰብ" ናይ 2026 ተሰለምቲ ክኾኑ ኪኢሎም ኣለዉ። ብዛዕባ ዝተዋህቦም ሽልማትን ምኽንያት መሸለሚኦምን ዝተገብረ ዕላል።

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (09 ሰነ 2026) 09.06.2026

** ኣብ ፊሊፒንስ ብዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 35 ሰባት ሞይቶም 144 ቆሲሎም። ** ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ ዘሎ ምብጻሕ ፡ እታ ሃገር ምስ ደቡብ ኮርያ ድልዱል ምትሕብባር ክትገብር ጸዊዑ። ** መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ካይሮ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (08 ሰነ 2026) 08.06.2026

ን ሎሚ ሰኑይ 8 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ናይ ሓደ ሰዓት ፕሮግራም።

MiniPod: Man On! | Words we use - MiniPod: Man On! | Words we use 08.06.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Man On!'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Man On!'.

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ሰነ 2026) 08.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ቀደም ኣውስትራልያዊ ናይ ዓመትን ቀንዲ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠትን ሪቻርድ ስኮልየር ድሕሪ እቲ ንነዊኅ እዋን ብመንሽሮ ሓንጎል ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ኣብ 59 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ። ኣውስትራሊያ ቅድሚ እቲ ኣብ መዓልቲ ልደት ንጉስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ኣፍልጦ እኹል ክሳብ ዝኸውን ነዊሕ ጉዕዞ ተሪፉ ኣሎ ክትብል ጋቨርነር ጀነራል ገሊጻ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፡ ናሆም ኤርምያስን ናዝሬት ወልዱን ተዓወትቲ ማራቶን ኣስመራ 2026 ኰይኖም።

ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 07.06.2026

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ካይሮ ገይሹ። ቀዳማይ ሚንስተርን ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ 'ፅምዶ' ክስታት ኣቕሪቦም። ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪካ ንጉዳይ ትግራይ ሓድሽ ፃዕርታት ሽምግልና ንምጅማር ውጥን ከምዘለዎ ኣመላኺቱ ። ኣብ ትግራይ ሓደ በዓል ሃብቲ ብዘዳለዎ መድረኽ 185 ብሉፃት መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ተሸሊሞም።

ኣብ ሓድሽ ቁጠባ ኩዕሶ እግሪ ዋጋ ደገፍቲ ንዋንጫ ዓለም ክንደይ'ዩ፧ 07.06.2026

ብሰንኪ’ቲ ገለ ተንተንቲ ኣካል ናይ ሓደ 'ሰፊሕ ለውጢ ኣብ ስፖርታዊ ባህሊ' ዝበልዎ 'ክብሪ ዋጋ' ገለ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ’ቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ክእለዩ ተገዲዶም። ዋንጫ ዓለም ኣብ መኽሰብን ብልጭልጭን ኣትኲሩ ነቶም ሰረት ዝሃብዎ ደገፍቲ እንተረሲዑ እንታይ'ዩ ትርጉሙ፧

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (04 ሰነ 2026) 04.06.2026

ን ሎሚ ሓሙስ 4 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ መደብና፥

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ሰነ 2026) 04.06.2026

ኣርእስታት ዜና፥ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኤልኒኖ ስለ ዝጅምር፡ ዓለም ሕማቕ ኵነታት ኣየር ክመጽእ ምዃኑን ንኽትዳሎን መጠንቀቕታ ቀሪቡ ። ሓላፊ ቤት ምኽሪ ኢንዳስትሪ መኻይን [ፋካ] ፡ መጠን ብዝሒ መሸጣ ናይ ኤለትሪክ መኻይን ከም ዘገረሞ ገሊጹ ። ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ተጻዋቲት ቴኒስ ኣሪና ሳባሌንካ ድሕሪ እቲ ኣብ ሮላንድ ጋሮስ ዝተገብረ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ግጥም ካብ ጸወታ ፍረንች ኦፐን ተገሊፋ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ።" ልኡኻት ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን። (ጸብጻብ) 03.06.2026

ኤርትራ ምክትል ኣዶ-መንበር መበል 81 ሓፈሻዊ ጒባኤ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተመሪጻ። ኤርትራ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ውጥን ከምዘውጽአ ኣፍሊጣ። ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተከአ መንግስቲ ትግራይ ንኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ። ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ልኡኻት ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ሕብረት ኣውሮጳን እቶም ተዓዘብትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ዝቕበሉዎን "ሰላማዊ" ምንባሩን ብምግላጽ ኣብቶም ዝተረፉ ውን ክካየድ ጸዊዖም። ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ድማ ንከይዲ እቲ መረፃ ነቒፎም። ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ መዓዝ" ዝብል ሓዘን ከም ዝፈጠ...

ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (03 ሰነ 2026) 03.06.2026

*** ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ ።... *** ** ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ምርጫ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።...... *** ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ብወግዒ 28 ሚልዮን በጺሑ ።

How should we talk to children about antisemitism? - SBS Examines: ብዛዕባ ጸረ-ሴማውነት ንህጻናት ከመይ ገይና ነዘራርቦም፧ 02.06.2026

Hearings for the Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion have revealed many victims and perpetrators of antisemitism in Australia are children. How do we discuss the issue in an age-appropriate way? - መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ጸረ-ሴማውነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን (The Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion) ብዙሓት ግዳያትን ፈጸምትን ጸረ-ሴማውነት ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ከመይ ገይርና ነዚ ጉዳይ ምስ ዕድመ ብዝሰማማዕ ኣ...

What to expect when visiting the veterinarian - ናብ ሓኪም እንስሳ (veterinarian) ኣብ ትበጽሕሉ ዝጽበየኩም ኩነታት፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 02.06.2026

Regular veterinary visits play an important role in keeping your pet healthy and happy. Find out what to expect at a veterinary clinic in Australia, from routine check-ups and vaccinations to advice on caring for your pet’s wellbeing. - ኣዘውቲርካ ናብ ሓኪም እንስሳ ምኻድ ፡ ትውንኖ እንስሳ ጥዑይን ሕጉስን ክኸውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ሓኪም እንስሳ እንታይ ክትጽበ ከምዘለካ ፤ ካብቲ ልሙድ ምርመራታትን ክታበታትን ንድሕንነት ናይ ገዛ እንስሳኻ ብኸመይ ክ...

“ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኮይነ ምስ ኣቦይ ቡን እተክል ነይረ”- መስራቲ ኣገዮ ኮፊ ዳኒኤል ስዩም 02.06.2026

ዳኒኤል ስዩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶልያናን ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዶምን ፡ ኣብ 2016 ኣኣ፡ ን ወለዱ ኣብ ናይ ቡን ሕርሸኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መልበርን ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ገጠር ኣገዮ ከይዶም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሃገረሰብ ናብራ ናብ መልበርን ተመሊሶም፡ ኣገዮ ኮፊ ዝተባህለ ካፌ፣ መቕለውን መከፋፈልን ቡን ዘጠቓልል ትካል ከፊቶም። ኣብ ከባቢ ኮሊንውድ ዝርከብ ኣገዮ ኮፊ ካብቶም ብኣፍሪቃውያን ዝውነኑ ፍሉጣት ካፌታት መልበርን ሓደ እዩ። ቡን ካብ ዘፍርዩ ሓረስቶት ዝተወለደ ዳኒኤል፡ ብዛዕባ ምስ ቡን ዘለዎ ምትእስሳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒትን ሞያኡን ምስ ሃይሉ ሳህለ ኣውጊዑ ኣሎ። Check...

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሰነ 2026) 02.06.2026

** ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣኑ ንተወሳኺ 5 ዓመታት ዘናውሕ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ውዒሉ... ** ሕዝቦላህ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡብ ቤሩት እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ከም እተቐበሎ ገሊጹ ተባሂሉ... ** ኣብ ወርሒ ግንቦት ፡ ኣብ ሲድኒ ብ 0.9 ሚእታዊት ፡ ኣብ መልበርን ድማ ብ 0.8 ሚእታዊት ዋጋታት ገዛ ጎዲሉ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ሰነ 2026) 01.06.2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ሰነ 2026) ን ሎሚ ሰኑይ 1 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ሕቡራት ህገራት ኣመሪካ ኣብ 1968 በቶም ንልጣን ዝበሓቱ ስሩታት ፖሎቲካ (establishment) ፍጊዕ ዝበሎ ብ Youth International Party ጽዋዕ ሰልፊ መንእሰያት ፕረሲደንት ክኸውን ከም ሕጹይ ምርጫ ንሓደ ሓሰማ ኣቕሪቡ፡ ስም ናይቲ ሕጹይ ድማ ፒጋሱስ ሰምይዎ። እዚ ኣብቲ ፖለቲካ ናይ ኣመሪካ መእተዊ ቀዳድ ዝሰኣነ ጉጅለ መንእሰያት ካብኡ ኣይትሕለፉ ኢሉ ከምተቕዉሞ ዘረቦ ሕጹይ ዩ። እቲ ፕረሲደንት ክኸውን ዝተሓጽየ ሃሰማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቺካጎ...

MiniPod: Keep your eye on the ball | Words we use - MiniPod: Keep your eye on the ball | Words we use 01.06.2026

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Keep your eye on the ball'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'Keep your eye on the ball'.

Luister naar de podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ in Replaio

Radio en podcasts in één app - gratis en zonder account. Installeer vandaag nog en mis de lancering niet

Download het op Google Play

Replaio is geen uitgever van podcasts; namen van shows, covers en audio zijn eigendom van hun makers en worden verspreid via openbare RSS-feeds