fr

SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au

Auteur

SBS

Catégorie

News

Site du podcast

www.sbs.com.au

Dernier épisode

28 oct. 2026

Où écouter ?

Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponible

Les podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts

Télécharger sur Google Play Installe-la gratuitement Android près de 10 M de téléchargements · note de 4,8 iOS bientôt

Épisodes

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ትኣሕሳስ 2025) 08.12.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። 07.12.2025

ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

The worries of young Australians in 2025 - ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ 07.12.2025

Teenagers are more concerned than ever about the cost of living, according the annual Mission Australia Youth Survey of more than 17,000 young people. Financial worries have jumped significantly in survey results in recent years, with climate change falling as an issue of concern, and mental health still having a large impact. - መንእሰያት ካብ ኩሉ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ይሻቐሉ ክብል ርእይቶ ልዕሊ 17ሽሕ መንእሰያት ዝ...

MiniPod: To shout | Words we use - MiniPod: To shout | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 04.12.2025

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to shout'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to shout' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ታሕሳስ 2025) 04.12.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ልዕሊ 1,400 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብወዝቢ ዝተኸስተ ዘይኰነስ ፡ መጠንቀቕታ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ። ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ንዩክረይን ብሓደስቲ 95 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ንዋት ክሕግዛ እየን ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ዋንጫ ኤሽያ ኣብዝግበር ዉድድራ ብኮኾብ ተጻዋቲት ሳም ኬር ብርታዐ ሰኒቓ ከምትቐርብ ተገሊጹ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2025) 04.12.2025

ንሎሚ ሓሙስ 04 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣለና። ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቁስመላህ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከም...

ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። 03.12.2025

ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ።

ዋጋታት መንበሪ ኣባይቲ ሰማይ ይዓርግ፡ ኣብ ከም በዓል ብርዝቤን ዝበላ ከተማታት ገምጋም ዋና ገዛ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጺሑ 03.12.2025

ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ኣባይቲ፡ ኣብ 2026 መጠን ወለድ ክውስኽ ከም ዝኽእልል ክኢላታት ስነ ቝጠባ ኺንበዩ ገይርዎም ኣሎ ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2025) 02.12.2025

** ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤሽያ ዝተኸስተ ህቦቡላዊ ዝናብ ቆጽሪ ዝሞቱ ሰባት 1,300 በጺሑ... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14] ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቨነዝዌላን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኸይውሰድ እናተሰግአ ይኸይድ ብምህላዉ ፡ ዝርርብ ክግበር ጻውኢት ኣቕሪቦም ... ** ቊጠባዊ ዕብየት ኣውስትራልያ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ናህሪ ኺስጕም ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕላል ስነ ጽሑፍ ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቑስሙላህ። 02.12.2025

ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ።

A parent’s guide to help teens adjust to social media age restrictions - ቆልዑ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ንምትግባር ወለዲ ንደቖም ብኸመይ ይሕግዝዎም፡ 02.12.2025

Australia is restricting access to social media accounts for under-16s, and many families are wondering what it means in practice. While the rules place responsibility on tech platforms rather than young people or their parents, the changes may still create stress for teens who rely on social media to stay connected. Find out how the ban will work, why connection still matters, and how experts sug...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025

** ኣብ ሆንግኮንግ ምስ ምብራዕ ህንጻታት ዝተሓሓዝ 13 ጥርጡራት ተታሒዞም... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ባጀት ከምዘጋጠመ ተገሊጹ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ፡ ሓንቲ ብቫይረስ ማርበርግ ተታሒዛ ሓሚማ ዝጸንሐት ጓል 15 ዓመት ፡ ሓውያ ካብ ማእከል ሕክምና ከም እተፋነወት ተፈሊጡ ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ጥምረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲኡ ከፍልጥ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ንግዝያዊ ቪዛ ንዝሓዙ ሰባት ናይ ክብርታት መርመራ ክግበረሎም ዝብል መደብ ከምዝድግፎ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ዴቪድ ሊትልፕራውድ ገሊጹ ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ገሊጾም ። ** ኣብ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ፡ ጋንታ ኣርሰናልን ቸልሲን ገጢመን ሓደ ብሓደ ሸቶ ብማዕረ ተፈላልየን።

መርዓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ 01.12.2025

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝን ምስ ሕጽይቱ ጆዲ ሃይደንን ኣብ ርእሰ ከተማ እዛ ሃገር ኣብ ዝተገብረ ጽምብል ተመርዕዮም ። እታ ሃገር እቲ መርዓ መዓስ ከም ዝፍጸም ብልክዕ ክትግምት ጸኒሓ እያ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025) 01.12.2025

ን ሎሚ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። (ጸብጻብ) 30.11.2025

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፌደራል ምፍርራሕን ቁጠባዊ ገደብን ይገብር ዝብል ነቐፌታ ውን ኣቕሪቡ። ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንሓደ ወገን ኣድልዎ ይገብር ኣሎ ንዝበሉዎ ቦርድ መረፃ ነቒፎም። ን135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያ ክትምርምር ዝጸንሐት ዜግነት ኣሕዲጋ። ካብቶም ዝተሓድጉ እቲ ሓደ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣውስትራልያ ንትሕቲ 16 ዝዕደመኦም ካብ መድረኻት ሓፋሽ ዝኽልክል ሕጊ ከተተግብር'ያ፣ ኣየኖት'ዮም ተኸልኪሎም ዘለዉ፧ 30.11.2025

ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ንዝዕድመኦም ህጻናት ካብ ሶሻል መድያ ክትእግዶም'ያ። ድሕነት ኦንላይን (ኢንተርነት) ዝከታተል ኮሚሽነር ኢ-ሴፍቲ ኣውስትራልያ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት (መድረኻት ሓፋሽ) ካብ ዝመጽእ 10 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሕግታት ገደብ ዕድመ ክኽተላ ዝሕግዝ መምርሒታት ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኡ ፈሊጥናዮ ዘለና ነቕርቦ።

MiniPod: Take it easy | Words we use - MiniPod: Take it easy | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ) 27.11.2025

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'take it easy'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'take it easy' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2025) 27.11.2025

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዘበገሰቶ መደብ ሰላም፡ ብሩስያ ተጻሒፉ ናብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝቐረበ ምዃኑ ተፈሊጡ ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ነዊሕ ግምብታት ብእተባርዐ ሓያል ባርዕ ፡ እንተ ወሓደ 36 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ከም ዘይተረኽቡን ተገሊጹ ። ኣብ ጊኒ-ቢሳው ወተሃደራዊ ዕልዋ ተገይሩ ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ: ቁጠዐ ንዘስዓበ ግጉይ ካርታ ዘለዎ መግለፂ ኣሜሪካዊ ጀነራል ከጥፍእ ተገዲዱ። (ጸብጻብ) 26.11.2025

ህወሓት ሕጋውነቱ ከየተመለሰ ኣብ ትግራይ መረፃ ምክያድ ከም ዘይከኣል ኣፍሊጡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ: ቁጠዐ ንዘስዓበ ግጉይ ካርታ ዘለዎ መግለፂ ኣሜሪካዊ ጀነራል ከጥፍእ ተገዲዱ። ዓፋር፡ ድሕሪ 12,000 ዓመታት ዝነቶገ እሳተጎመራ ሓመዅሽቱ ኣህጉርን ውቅያኖስን ሰጊሩ።

ሰማይ ብዝዓረገ ዋጋ ክራይ ገዛ: ህዝቢ የማርር 26.11.2025

ዋላ "ኳ መጠን ወለድ ይመሓየሽ እንተሃለወ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ግን ውጥረት ክራይ ኣባይቲ ኣይተቐየረን። ኣብ ሓያሎ ርእሰ-ከተማታት ፡ ስድራ ቤታት ዳርጋ ሲሶ ዝኸውን ካብ ኣታዊአን ንመዕቀሊ ዝኾነን ገዛ እየን ዘጥፍኣ። ዛጊት ኣብ ከተማ ፐርዝ እቲ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ዘሎ። ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዓቕሚ ምክራይ ናብ ታሕቲ እዩ ወሪዱ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2025) 26.11.2025

** እማመ ሰላም ኣመሪካ ዘይማእመኦ ፕረሲደንት ዩክረይን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ሓቲቱ... ** ኣብ ናይጀርያ ካልእ ጃምላዊ ጭውያ ኣጋጢሙ ፡ ፖሊስ 10 ኣንስትን ቆልዑን ብዕጡቓት ተታሒዞም ከምተወስዱ ኣፍሊጡ... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ዝገብርዎ ናይ መጀመርታ ናብ ወጻኢ ጕዕዞ ናብ ቱርክየ ክበጽሑ ይዳለዉ።

From black tie to casual: How to decode dress codes - ካብ ጸሊም ካራቫታ ክሳብ ተራ ክዳን ምኽዳን ፡ ስርዓተ-ኣከዳድና/dress-codes 25.11.2025

You’ve received an invitation that reads “Dress code: Cocktail attire”. What is this ‘code’? And more importantly, what will you wear? In this episode, we demystify the most common dress codes so that you can feel comfortable at any event. - ኣብ ናይ ዕድመ ወረቐት፡ "ድረስ ኮድ (ስርዓተ ኣከዳድና): ኮክቴል ክዳን" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዕድመ ተቐቢልኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ። እዚ 'ኮድ' ወይ ስርዓት እንታይ እዩ? ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ እንታይ ኢኻ ክትኽደን ዝግብኣካ? ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ኣብ...

ጽቡቕ ብህልታትናን ልምድታትናን ሒዝናዮም እንተንመጽእ መማዕበሉና ኔሮም፡ ዝርርብ ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ። 24.11.2025

ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሕዳር 2025) 24.11.2025

** ኣብ ማከላይ ቤት ጽሕፈት ፓራሚሊታሪ ፓኪስተን ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ** ሃገራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓቕሚ ምክራይ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝያዳ እናኸፍ አ ከምዝመጽ አ ኣፍሊጡ ። ** ዩክረይንን ኣመሪካን ብዛዕባ እማመ ሰላም ተዘራሪበን።

Écoute le podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ sur Replaio

La radio et les podcasts dans une seule appli - gratuite, sans inscription. Installe-la dès aujourd'hui et ne rate pas le lancement

Télécharger sur Google Play

Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics