SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
N'hésitez pas à visiter le site du podcast et à soutenir son créateur : www.sbs.com.au
Où écouter ?
Les podcasts dans l'appli Replaio Radio Bientôt disponibleLes podcasts arrivent très bientôt dans l'appli. Installe-la dès maintenant et découvre en avant-première une toute nouvelle façon de vivre les podcasts
Épisodes
The introduction of decimal currency, 60 years on - ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል 15.02.2026 7:42
Today marks a major milestone in Australia’s financial history – the 60th anniversary of decimal currency. It’s been decades since Australians ditched pounds, shillings and pence for dollars and cents – in one of the largest transitions in the nation’s history. And while the way we pay for things continues to change, the legacy of that moment endures. - ዝሓለፈ 14 ለካቲት ኣብ ፋይናንሳዊ ታሪኽ ኣውስትራልያ መበል 60 ዓመ...
"ምውናን ወደብ ጉዳይ ህላወ እዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ጸብጻብ) 15.02.2026 8:26
ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026 52:00
ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026) 12.02.2026 9:35
ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።
ወጻኢታት ብሕማም ካንሰር ዝሳቐዩ ሰባት፡ 12.02.2026 6:46
ዳርጋ 99 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ብካንሰር ዝሓሙ ኣውስትራሊያውያን ፡ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ከይተረፈ ፡ ወጻኢታቶም ካብ ጁባኦም ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ። እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ብ ካንሰር ካውንስል ኣውስትራልያ ዝወጸ ሓድሽ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኮይኑ ፡ እዚ ካብቲ ቀጥታዊ ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኩሉ ናይ ሕማም መንሽሮ ዝግበር ጉዕዞ ወጻኢታትን እዩ ዝመጽእ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ብፍላይ ንቐዳሞት ህዝብታት እዚ ዘይጽወር ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብሕማም መንሽሮ ደም ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ መጠን ሞቶም ዓቢ ዝገብር እዩ ።.
ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ) 11.02.2026 7:52
ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2026) 11.02.2026 4:17
** ኣንጻር ፕረሲደንት እስራኤል ዝግበር ተቓዉሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ዝግበር ዘሎ ተግባር መንግስቲ ርትዓውነት ከልብሶ ይፍትን ኣሎ ክትብል መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ከሲሳ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ካብ ወገኑ ስልጣኑ ክገድፍ ዝቐርበሉ ዘሎ ጻዊዒት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ** ሰብ መዚ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ደኢር ኣል-ባላህ ፡ ክልተ ፍልስጤማውያን ብሽክለተኛታት ብናይ እስራኤል ድሮን ከም እተቐትሉ ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እውን ኣብ መዓስከር ማጋሃዚ ከም እተቐትለት ገሊጾም ።
ምውሳኽ መጠን ወለድ ንምንታይ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕ 10.02.2026 29:45
ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ። (ሓጸርቲ ዜናታት ) 10.02.2026 6:37
** ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ነቲ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝቃወም ዘሎ ናይ ፍልስጤማውያን ደግፍቲ ሰልፍታት ኮኒኑ ። ** ፖሊስ ጀርመን ንወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ዝቐተለ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ከምዝሓዙ ተፈሊጡ። ... ** ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ።
How to recover from bushfires - ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ 10.02.2026 9:26
Australia’s hot, dry climate and unique landscapes make it one of the most bushfire-prone countries in the world. As climate change drives higher temperatures and drier conditions, we can expect more frequent and more intense bushfires in the future. But once the fire is out, how do you return home safely, find support, and look after yourself? - ኣውስትራሊያ ውዑይን ደረቕን ክሊማን ፍሉይ ቅርጺ መሬትን ዘለዋ ካብተን ብኩነታት...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026 9:24
ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026) 09.02.2026 51:14
ን ሎሚ 09 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት...
ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። (ጸብጻብ) 08.02.2026 7:10
ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
Democracy is under threat warns Human Rights Watch, set back to the 1980s - ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ይርከብ፣ ናብ'ቲ ኣብ 80ታት ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ'ሎ - 'ህዩማን ራይትስ ዎች' 08.02.2026 14:01
Democracy and the rules-based international order are under threat, according to the latest annual report by Human Rights Watch. There's a particular focus on the United States and what the international body describes as its erosion of human rights, but there is also a spotlight on Australia. Australia's immigration and youth detention policies are listed as 'significant failings', cited as the o...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026 8:46
ኣርእስታት ዜና፥ ሜሊንዳ ፈረንሳይ ጌትስ እቲ ናይ ቀደም በዓል ቤታ ዝነበረ ቢል ጌትስ ኣብቲ ናይ ኤፕስቲን ፋይላት ንዝወጸ ከቢድ ክሲ መልሲ ክወሃበሉ የድልዮ እዩ ትብል ። ፖሊስ መልበርን ፡ ንሓደ ኰተቴ ቅድሚ ብመኪና ምርጋጾም ብሓይሊ ዝሃረምም ዝሃደሙ ሰለስተ ሰባት ክሕዙ የናድዩ ኣለዉ ። ወስተርን ሲድኒ ነታ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤ-ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ትመርሕ ዘላ መልበርን ሲቲ 1-0 ስዒራታ።
#103 Talking about online dating (Med) - #103 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዝርርብ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ምጻምድ (Talking about online dating) 05.02.2026 9:33
Learn everyday English phrases for online dating. Practise expressions like “match,” “ghosted,” and “slide into DMs” while improving your speaking skills. - ኣብ ኢንተርነት ዓርኪ/መሓዛ ንኽትሕዝ ክትጥቀመሎም ትኽእል መዓልታዊ ሓረጋት እንግሊዝኛ ተምሃር ። ናይ ምዝራብ ክእለትካ እናኣመሓየሽካ ፡ ከም “match,” “ghosted,” ከምኡ'ውን “slide into DMs” ዝብሉ ኣገላልጻታት ምልምማድ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026) 05.02.2026 53:22
ን ሎሚ 05 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘ...
ኣባላት ጉጅለ ምክትታል ትግበራ ስምምዕነት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ዝኾነ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ መቐለ ኣትዮም ። (ጸብጻብ) 04.02.2026 8:56
መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳልፍቱ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብገበናት ከሲሱ። ኤርትራ ብወገና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽልማት ከም ዝተውሃባ ኣዘኻኺራ። ኣብቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝተረኽበ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዓሪፉ።
መጠን ወለድ ልቓሕ ወሲኹ፡ እዚ ወሰኽ ክቕጽል ድዩ፧ 04.02.2026 7:39
ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘሎ ይማጐቱ ።
"ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓጽርቲ ዜናታት (ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 04 ለካቲት 2026) 04.02.2026 5:55
** ኣባላት ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ምስ መርበብ ሰይጣናዊ ጽምብላት ብዚተሓሓዝ ገበን ፡ ሻድሻይ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣእትዮም፡... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ኢትዮጵያ ንኣርተፊሻል ብልሒ ወይ ኢንተሊጀንስ (# AI) ጥራይ ዝተወፈየ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዩኒቨርሲቲ ፡ ንኽትምስረት ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጡ ።... ** ኣብ ሞንጎ ክልተ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ እንዳታት ቤጃ ሱዳን ዕርቂ ከምዝተፈጥረ ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ።
How does IVF work in Australia? - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ኣውስትራሊያ፡ 04.02.2026 7:54
Did you know that IVF is not the first, but in fact the last step in a sequence of fertility treatments? In Vitro Fertilisation is regulated by state and territory laws. It can also be expensive and emotionally challenging. Here’s what to expect when aiming to start a pregnancy with IVF in Australia. - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ተኸታታሊ መስርሕ ፍርያምነት ቀዳማይ ደረጃ ኣይኮነን። In Vitro Fertilisation (IV...
ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧ 03.02.2026 6:31
ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕ'ዩ። ሕማም ልቢ ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2026) 02.02.2026 6:02
** ሎሚ ዝእከብ ቦርድ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ መጠን ወለድ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር። ** በቲ ኣብ እዋን ትልሂታት ወይ ፓርቲ ዝውሰድ ቀታሊ ሓሽሽ መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዓሰርተ ዕጽፊ ምውሳኹ ተፈሊጡ።... ** ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ትግራይ ዝግበር ውሽጣዊ በረራታት ነፈርቲ ዳግም ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ፡ ናብ ካርቱም ዝግበር በረራ ድማ ጀሚሩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ለካቲ 2026) 02.02.2026 12:53
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ፕሮስቴት ካንሰር ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ብመንግስቲ ድጎማ ዝግበረሉ ማዕከን ፋርማሲ [PBS] ብዝሓሰረ ዋጋ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ ። ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ መንግስቲ ክስርዞ ዝጠልቡ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ተጣበቕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ። ካርሎስ ኣልካራዝ ዝነኣሰ ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ጸብጻብ 01.02.2026 8:35
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሓካይም ኤርትራ መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ። ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብትሪ ከም ዝዀነነ ተገሊጹ። መራሕቲ ጁቡትን ሶማልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
Replaio n'est pas éditeur de podcasts ; les noms des émissions, les visuels et l'audio appartiennent à leurs auteurs et sont diffusés via des flux RSS publics