SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ Επεισόδια: 1465

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Μην παραλείψεις να επισκεφτείς τη σελίδα του podcast και να στηρίξεις τον δημιουργό: www.sbs.com.au

Δημιουργός

SBS

Κατηγορία

News

Ιστοσελίδα του podcast

www.sbs.com.au

Τελευταίο επεισόδιο

17 Νοε 2026

Πού να ακούσεις;

Podcast στην εφαρμογή Replaio Radio Έρχεται σύντομα

Τα podcast έρχονται σύντομα στην εφαρμογή. Εγκατάστησέ την τώρα και δες πρώτος μια εντελώς νέα προσέγγιση στα podcast

Κατέβασέ το από το Google Play Δωρεάν εγκατάσταση Android 10 εκ.+ λήψεις · βαθμολογία 4,7+ iOS σύντομα

Επεισόδια

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024) 02.09.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።

መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወዲኡ፣ 01.09.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/09/2024) * ኣብ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና መንእሰያት ት20 ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብብዝሒ መዳልያታት ዝድነቕ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ * ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5000 ሜ ደቂተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጋንታ ንግድ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ንዞና ሴካፋ ወኪላ ክትሳተፍ`ያ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስ...

ጁቡቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ኢትዮጵያ ከተመሓድሮ ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። (ካብ ጸብጻባት ሉኡኽና) 01.09.2024

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ተዓፅየን።

ሕማም በዲዶ ህበይ (MPox) ሓደገኛ ድዩ፧ ብኸመይ'ከ ንከላኸሎ፧ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ መልሲ ኣለዎ። 01.09.2024

ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024) 29.08.2024

ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግ...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024) 29.08.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡

Is the cost of living affecting social cohesion? - SBS Examines፡ ክብሪ መነባብሮ ንማሕበራዊ ስምረትና የላሕልሖ ኣሎ ድዩ፧ 28.08.2024

According to recent research, the biggest concern facing Australians today is the economy, and it’s causing ruptures within our society. - መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።

ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ:ኢትዮጵያ ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ። 28.08.2024

ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ። ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ሕቶ ምቕራባ ዝፍለጥ እዩ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2024) 28.08.2024

ን ሎሚ 28 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብብርቱዕን ጎዳእን ንፋስ ይዉቃዕ ኣሎ። ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ ንሰለስተ ሰሙን ዝገበረቶ ስርሒት ፡ 100 ሰፈራታት ከም ዝማረኸት ገሊጹ ። ዋና-ፈጻሚ ኮሚሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ: 27.08.2024

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።

ኤርትራዊያን ካብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ማልታ ክጥረዙ፡ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2024) 27.08.2024

ንሎሚ 27 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክጥረዙ ሓቲቱ፣ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ማልታ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመት ካብ ማልታ ክጥረዙ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ሰማያዊ መስመር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ። ኣብ ሰሜን ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024) 26.08.2024

ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢ...

ንሕማም ረሲዕ ALZHEIMERS DRUG ዝፍውስ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጀሚሩ/ 26.08.2024

እቲ ኣብ እዋን እርጋን ዘጋጥም ሕማም ረሲዕ (dementia ) ዝከላኸል ናይ መጀመርታ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ምምዕባሉ: ንሕሙማት ተስፋ ሂቡ ኣሎ ። [ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ መርመራ እተገብረሉ መድሃኒት Lecanemab ፡ ነቲ ሕማም ረሲዕነት ዘስዕቦ ጽልዋ ንምዝሓል ዝሕግዝ ናይ መጀመርታ መረጋገጺ ረኺቡ ኣሎ ።] እቲ መድሃኒት ለካነማብ [Lecanemab] ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ፍቓድ ይካየደሉ እኳ እንተሎ ፡ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ብምዃኑ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክረኽብዎ ዝኸውን ከይከውን ተሰጊኡ ኣሎ ።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024) 26.08.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።

መዳልያታት ዝዓተረ ኣውስትራልያዊ ኣትሌት ንብሪጣንያ'የ ዝወዳደር ኢሉ፣ ኤርትራዊ ማእከላይ ዳኛ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ዳንዩ፣ 25.08.2024

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/08/2024) * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ቅድድም ብሽግለታ ኤውሮጳ ይሳተፉ'ለዉ፣ * ኤርትራዊ ሄኖክ ተስፋሚካኤል ዘርኦም ሰንበት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ መንጎ ሻምፒዮን ጋና ኤፍሲ ሳማርቴክስ 1996ን ካሜሩናዊት ጋንታ ቪክቶርያ ዩናይትድን ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ መሪሑ፣ * ሓደ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣውስትራልያ ዜግነቱ ብምቕያር ኣብ መጻኢ ዝካየዱ ዓለምለኻውያን ውድድራት ንዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ካልኣይ ሰሙኖም ኣብ ዘጠናቐቕሉ፣ ማንቸስተር ሲቲ፣...

ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። 25.08.2024

ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡

"ንብርሃነ ክቐብር ዝወጸ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብነቱ ተኸቲሉ እቲ ህዝቢ ለውጢ ንኸምጽእ ዝደረኸ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ 24.08.2024

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካል ኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024) 22.08.2024

ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን...

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024) 22.08.2024

ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ። (ጸብጻብ) 22.08.2024

ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዳግም ኣቦመንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣካላት ክእለዩ ድሌቱ ገሊጹ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ!! ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተሰማሚዑ

ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካን ካብኡ ዝወጹ ድምጽታትን። 21.08.2024

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቺካጎ ንዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራትስ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካዊያን ተኣኪቦም ኣለዉ ። ካብ 1832 ኣትሒዙ: ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይእከቡ: ኣብቲ ምግባእ ን ሕጹያቶም ደገፎም ከም ዝህቡ ቃል ይኣትዉ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2024) 21.08.2024

ንሎሚ 21 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ 12 ኤርትራውያን ምስ ሓደ ገበነኛ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጦም፡ ይድለዩ ኣለዉ። ሩስያ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝርከብ ሳልሳይ ድልድል ከም ዘዕነዉዎ ገሊጻ ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ነቲ መንግስቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መረጊጺኡ ዳግም ኣስሚራትሉ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ 20.08.2024

ኣብ እዋን ክረምቲ (ዊንተር) ሰባት ከም ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ዘይተደልዩ በጻሕቲ ናብ በቶም ከይኣትዉ ዝሰግኡሉ እዋን ኣይኰነን ። ኣብ ኣውስትራሊያ ግን ኣብ ቆራሪ ኣዋርሕ ናብ ገዛኻ ሶሊኾም ዝ ኣትዉ ባልዓትን ሓሳኹን ኣለዉ ። ገሊኦም ከከም እትነብረሉ ከባቢ ዓመት ምሉእ ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ ። ባልዓት ዓራት ፣ ኣናጹን ሓሸራን ገለ ካብቶም ልሙዳት እዮም ። ድዱዕ'ውን ካብቶም ክወሩኻ ዝኽእሉ ባልዓት እዮም ። ባልዓት ካብ ዘጽ ሉኡኻ ክሳብ ምሕሳር ገዛኻ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ኣይትረስዕ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝኽሰቱ ባልዓት ብዝምልከት ንኽኢላታት ምኽሪ ንኽ...

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2024) 20.08.2024

ንሎሚ 20 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ናብ ልሙድ ፕላስቲካዊ ነገራት ንዚርከብ ኬሚካላት ምቅላዕ ኣብ ዑደት ህይወት ደቂ ሰብ ሓደጋ የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ "ንዓለም ቀይሕ መስመር " ከምዝኾነ ክኢላታት ኣጠንቂቖም ። መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ክገብር ዝቐነየ ሓደ ወገን ህወሓት ተዛዚሙ ንዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ መሪጽዎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2024) 19.08.2024

ንሎሚ ሰኑይ 19 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዩ፡ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ...

Άκου το podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ στο Replaio

Ραδιόφωνο και podcast σε μία εφαρμογή - δωρεάν, χωρίς εγγραφή. Εγκατάστησέ την σήμερα και μη χάσεις την πρεμιέρα

Κατέβασέ το από το Google Play

Το Replaio δεν είναι εκδότης podcast - τα ονόματα των εκπομπών, τα εξώφυλλα και ο ήχος ανήκουν στους δημιουργούς τους και διανέμονται μέσω δημόσιων ροών RSS