SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Μην παραλείψεις να επισκεφτείς τη σελίδα του podcast και να στηρίξεις τον δημιουργό: www.sbs.com.au
Πού να ακούσεις;
Podcast στην εφαρμογή Replaio Radio Έρχεται σύντομαΤα podcast έρχονται σύντομα στην εφαρμογή. Εγκατάστησέ την τώρα και δες πρώτος μια εντελώς νέα προσέγγιση στα podcast
Επεισόδια
ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና ዝመጽእ ምትላል ወይ ስካም ብኸመይ ንድሕን፧ 14.05.2025 10:31
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣውስትራልያውያን ልዕሊ 3200 ብናይ ፍቕሪ ስካም ወይ ምትላል ከም ዘጋጠሞምን ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 23 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢድ ኣታለልቲ ከም ዝወደቐን ጸብጻባት ይሕብሩ ። መታለልቲ ወይ ስካመራት ኣስራርሓኦም ኣብዝራቐቐሉ ዝለዉ ፍቕሪ ዝደሊ ዘበለ ኵሉ ድማ ኣብ ውዲቶም ብቐሊሉ ክወድቁ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶና ብዛዕባ ስካመራት/መታለልቲ ከመይ ከምዝሰርሑ ፤ እቶም ክትጥንቀቐሎም ዝግባእ ቀይሕ መስመራትን ፤ ግዳይ ናይ ፍቕሪ ስካም እንተኾይንካ እንታይ ክግበር ከምዘሎካ ክግለጽ እዩ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ግንቦት 2025) 14.05.2025 4:24
ንሎሚ 14 ግንቦት 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርስታት ** ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ምስ ሱዕዲ ዓረብ ገዚፍ ናይ ኣጽዋር ስምምዕ መሸጣ ፈጺሙ። ** ቻንስለር ጀርመን ንሩስያ ሓድሽ ናይ ኤውሮጳ እገዳ ክግበረላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ** ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳሚ ብሽግለታ ካደን ግሮቭስ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ጂሮ ኢጣልያ ሓምሻይ ወጺኡ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2025) 13.05.2025 5:26
ንሎሚ 13 ግንቦት 2025 ዝተዳለኡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ ሱሳን ሊ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሰልፊ ሊበርል ኰይና ተመሪጻ ። ቀ/ሚን ካቢኔኡን ቃል ማሕላ ፈጺሞም። እቲ ብሃማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ እስራኤላዊ ኣመሪካዊ ናጻ ድሕሪ ምውጻኡ ፡ ድሕንነት እቶም ኣብ ጋዛ ተኣሲሮም ዘለዉ ዝተረፉ እሱራት ስግ ኣት ፈጢሩ ። ድሕሪ መጥቃዕቲ RSF ሱዳን ንሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ደው ክብል ኣዚዛ።
"ሊቀ ጳጳስ ልዮ XIV ኣርትፊሽያላዊ ብልሒ ንሰብ ዘቐድም ኮይኑ ከገልግል'ዩ ዕላማ ስርሖም ክኸውን።" ኣባ ስምኦን ምሕርተኣብ 13.05.2025 19:59
69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ካብ ብርስቤን ኣብሪሆሙልና ኣለዉ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡን ንቸልሲ ስዒሮም ናብ ሳልሳይ ተርታ ደይቦም፣ ፍረወይኒ ሃይሉ ምስ ኩባንያ 'ኦን' ንግዳዊ ውዕል ፈሪማ፣ 12.05.2025 10:32
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ሻምፒዮን ውሽጢ ኣዳራሽ ዓለም ፍረወይኒ ሃይሉ ምስ ስፖርታዊ ኩባንያ ‘ኦን’ ንግዳዊ ውዕል ድሕሪ ምፍራማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ማያሚ ኣብ ክልተ ውድድራት ተዓዊታ፡ * ዝለዓሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ኣብ ፈረንሳ ተኻይዱ፣ * ኢንተርሚላንን ፓሪስ ሳን ዠርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተጻወቲ ኣርሰናል ንሻምፒዮን ሊቨርፑል ቅድሚ ግጥሞም ናይ ዓወት ክብሪ ድሕሪ ምሃቦም ድሕሪ ግጥሞ ማዕረ 2-2 ተፈላልዮም፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ግንቦት 2025) 12.05.2025 10:42
ኣርእስታት ዜና፥ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቻይና ንግዳዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኣሎ ። ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ፡ ብውሑዱ 60 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ኣሽሓት ድማ ካብ ኣባይቶም ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኣፋፊ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ተገይሩ ። ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ኣብ ኣንፊልድ ኣብ እተገብረ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ 2ብ2 ዝኾነ ነጥቢ ብማዕረ ጸወታአን ዛዚመን ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ግንቦት 2025) 12.05.2025 52:46
ን ሎሚ 12 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2...
ካብ ፕሮስቴት ካንሰር ንምድሓን ኣቐዲምካ መርመራ ምግባር፡ 11.05.2025 6:23
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ብመሰረት እቲ ናይ ቪክቶርያ ሞናሽ ሩራል ሄልዝ ዝገበሮ ሓድሽ ምርምር እቶም ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ ሰባት ፡ ኣብቲ ኣብ መባእታ ናይቲ ሕማም ኣገዳሲ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚኦም ክሓልፎም ይኽእሉ እዮም ።
ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። (ጸብጻብ) 11.05.2025 6:14
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይረኺቡ ክሳዕ ምቍራጽ ስራሕ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም። ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ውሕጅ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። ኣብ ሱዳን ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም።...
ቀጥታ ምሉእ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (8 ግንቦት 2025) 09.05.2025 48:29
* ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና: ኣይተ ብርሃነ ገ/ገርግስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ፡ ናይ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ካብ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ነጻ ምኳና ኣዊጃ፡ ዝበዝሐ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዘሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ገሊፁ፡ ኢማራት ዓረብ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምቁራጽ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ፡ * ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕዩ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ምስ ሕማም ልቢ ብዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊዊ ይመውት። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ቅነ ሕማም ልቢ ብምዃ...
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓሙስ 8 ግንቦት 2025) 08.05.2025 10:55
* ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዘሎ ኩነታት ኣብ ዝንህረሉ መራሕቲ ዓለም ተጻብኦታት ደው ክብል ይጽውዑ፡ * ኣብ ኣውስትራልያ ምቑጻር ድምጽታት ምርጫ ኣብ ዝቐጸለሉ መራሒ ሰልፊ ግሪንስ ኣዳም ባንዲት ተሳዒሩ፡ * ሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝበዝሕዎም 61 ሰባት ቀቲሉ፡ * ፒኤስጂ ንኣርሰናል 2-1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ሓሊፋ፡
How to enjoy Australia’s wilderness areas responsibly - በረኻታት ኣውስትራልያ ከመይ ጌርና ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንዘናግዓሎም 08.05.2025 11:40
Australia’s beautiful landscape is home to a stunning array of native plants and wildlife, and if you’re heading out to explore, it’s important to be a careful and respectful visitor. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ውቁብ ኣቀማምጣ መሬት ዝተፈላለዩ መበቆላውያን ኣትክልትን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቦ እዩ ፡ ክትድህስስ እንተ ድኣ ወጺእካ ድማ ጥንቁቕን ኣኽባርን በጻሒ ምዃን ኣገዳሲ እዩ ።
ዝበዝሐ ክፋል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ኣሎ - ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ 08.05.2025 7:06
ጸብጻብ ልኡኽና (08/05/2025) * ኣይተ ብርሃነ ገብረገርግስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ፣ * ኣብ ዞባ ማእከል ኤርትራ ትርከብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ካብ ምኽንሻብ ደቀኣንስትዮ ነጻ ምኳና ኣዊጃ፣ * ዝበዝሐ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዘሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ገሊፁ፣ * ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምቁራጽ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ፣
ጠንቂ ሕማም ልብን ክንክንን፡ ምኽሪ ካብ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ 07.05.2025 6:21
ብምኽንያት ቅነ ሕማም ልብቢ፡ ብዛዕባ ሕማም ልቢ፡ ጠንቅታት ሕማም ልቢን ክንክን ልቢን ዝምልከት ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲንግ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ሕክምናዊ ሓበሬታን ምኽሪን።
Boost or burden? The cost of Australia's refugee intake - SBS Examines: ጾር ዶ መኽሰብ፧ ኣውስትራልያ ንምምጻእ ስደተኛታት ክንደይ ወጻኢታት ትገብረሉ፧ 07.05.2025 10:26
Australia has spent $13 billion on offshore processing in over a decade. Human rights experts believe there's a less costly, more compassionate way. - ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕቑድ ዝኸውን ግዜ $13 ቢልዮን ዶላር ኣብ ስግር ባሕሪ ምምስራሕ ጉዳያት'ቶም ተምጽኦም ስደተኛታት ኣውዒላቶ። ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ግን ዝተሓተ ክሳራ ዘለዎን ዝያዳ ተደናጋጽን ዝኾነ ካልእ ዝተፈልየ ኣገባብ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ግንቦት 2025) 07.05.2025 5:25
ንሎሚ ግንቦት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት። ** ህንዲ ኣብ ልዕሊ ፓኪስታን ሚሳይል ወንጪፋ ... ** ሰራዊት እስራኤል ንሑቲ ናይ የመን ዒላማ ዝገበረ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣካይዱ ... ** ተመሃራይ ኣትለት Gout Gout ዝኣብ ዝገብሮ ዉድር ንዓቕሙ ደረት ከም ዘይገብረሉ ን ክሳብ’ቲ ኡሰይን ቦልት ዝበጽሖ ደረጃ ክበጽሕ ምዃኑን ገሊጹ ።
ኣፍልጦ ሕማም ልቢን ኣፈዋውሳኡን፡ 06.05.2025 6:56
ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕዩ። ሕማም ልቢ። ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2025) 06.05.2025 5:11
ንሎሚ 6 ግንቦት 2025 ዝተዳለዉ ሕጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ አቕርበልኩም ... ** ኣንተኒ ኣልባኒዝ ንኻልኣይ እብረ መሪሕነቱ ብድልዱል ደገፍን ብዙሕ ድምጺ ብምርካብ ስርሑ ጅሚሩ... ** እስራኤል ንቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻርን ወተሃደራዊ ህላውነታ ንዘይተገደበ ግዜ ኣብቲ ዞባ ንምጽናሕ ዘኽእል መደብ ኣጽዲቓ... መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብዘካየዶ ጃምላዊ ህልቂት ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብሕጊ ተሓታቲት ንምግባር ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ...
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ግንቦት 2025) 05.05.2025 47:54
ን ሎሚ 05 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ዝበዝሐ ዜናዊ መሰናድ ኦናን ሓደ ትንታነ ዜናናን ብዛዕባ ዉጽ ኢት ፈደራል ምርጫ ኣውስትራሊያ 2025 ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ግንቦት 2025) 05.05.2025 8:17
ኣርእስታት ዜና፥ 75 ካብ ሚእቲ ድምጺ ተቖጺርሉ ኣብዘሎ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዛጊት ሰልፊ ለበር ነቲ 86 መናብር ከም ዝረኸበን ሰልፊ ጥምረት 39 ረኺቡ 15 መናብር ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ ። ኣብዚ ዓመታዊ ወርሒ ግንቦት ዝዝከር ሰሙን ጥዕና ልቢ' ህዝቢ ልቦም ክምርመሩ The Heart Foundation ተማሕጺኑ። ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ናይ 3ብ1 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንዓወታ ትጽምብሎ ኣላ።
ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣ 04.05.2025 12:09
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊ ጥላሁን ንጉሰ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ማራቶን ቤልፋስት ኮይኑ፡ * ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ሻንግሃይ 2025 ዝድነቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ሓያሎ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ቱርኪየ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኣማኑኤል ገ/ሄር ድማ ናይ ዙር ሮማንዲ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፡ * ኣርሰናል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ ሜድኦም ስዕረት ድሕሪ ምስካሞም ወሳኒ ካልኣይ እግሪ ግጥም ኣብ ፓሪስ ይጽበዮም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ሻምፒዮን ምዃና ካብ ተረጋግጽ ንደሓር ናይ ፈ...
ሰልፊ ዕዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ምርጫ 2025 ብገፊሕ ተዓዊቱ፡ 04.05.2025 5:06
ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ኣብቲ ሓያል ተወዳዳርነት ከርኢ ትጽቢት ተገይርሉሉ ዝነበረ ውድድር ምርጫ ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክቕጽል ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ናይ ኣብዝሓ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ዓወት እዩ ረኺቡ ።
ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታ ቀሪቡ፡ ኤርትራ ድማ ብናጽነት ፕረስ ፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ። 04.05.2025 8:35
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ።
Follow the money: how lobbying and big donations influence politics in Australia - SBS Examines: እቲ ገንዘብ ነናብ ዝኸዶ ተኸተልዎ፡ ዓበይቲ ወፈያታት ገንዘብን ሎቢይን ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ብኸመይ ይጸልዉዎ 01.05.2025 12:08
Experts say a lack of transparency leaves Australians unaware of "undue influences" at play across all levels of government. - ንነበር ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ልሙድ ዝኾነ ዝኽተልዎ መንገዲ ኮይኑ'ሎ። ኣባላት ባይቶ ነበር ካብ ኩሎም ቀጸለታት መንግስቲ፡ ከም ሎቢዪስትስ (ንረብሕኦም ወይ ረብሓ ዝኸፍሎም ትካል ዘኽብር ፖሊሲታት ከሕልፉ ወይ ክድግፉ ንኣባላት ባይቶ ምሕጽንታን ልመናን ዘቕርቡ ወልቀሰባት ወይ ትካላት) ኮይኖም ክሰርሑ፡ ሓደስቲ ስራሓት/መዝነታት/ሓላፍነታት ይረኽቡን ይቕበሉን ኣለዉ። እዚ፡ ምስ እናወሰኸ ዝኸደ ጽልዋ ገንዘብ ኣብ ፖለቲካ ተደሚ...
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025) 01.05.2025 50:34
ንሎሚ ሓሙስ 1 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር...
Το Replaio δεν είναι εκδότης podcast - τα ονόματα των εκπομπών, τα εξώφυλλα και ο ήχος ανήκουν στους δημιουργούς τους και διανέμονται μέσω δημόσιων ροών RSS