SBS

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News TI ↓ 1447 Folgen

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Besuch unbedingt die Website des Podcasts und unterstütze die Macher: www.sbs.com.au

Autor

SBS

Kategorie

News

Podcast-Website

www.sbs.com.au

Neueste Folge

5. Nov 2026

Wo hören?

Podcasts in der App Replaio Radio Bald verfügbar

Podcasts kommen bald in die App. Installiere sie jetzt und erlebe als Erster einen ganz neuen Blick auf Podcasts

Bei Google Play herunterladen Kostenlos installieren Android fast 10 Mio. Downloads · Bewertung 4,7+ iOS bald

Folgen

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2025) 22.01.2025

ንሎሚ 22 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና ** ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ፐኒ ዎንግ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ተራኺባ ዘትያ... ** ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ንክትወጽእ ናይ ምውጻእ መስርሕ ከምዝጅምር ምግላጹ ዉድብ ጥዕና ሓዘኑ ገሊጹ። * ተመሃሮ ኣኽሱም ሕጃብ ከይገብራ ምኽልካለን ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተገይሩ።

Celebrating, reflecting, mourning: Indigenous and migrant perspectives on January 26 - SBS Examines: ጽንብል፣ ኣስተንትኖን ሓዘንን፣ ጥሪ 26 ብዓይኒ ደቀባትን መጻእቲን 21.01.2025

Some celebrate Australia Day with patriotic pride, others mourn and protest. What’s the right way to mark January 26, and can you have pride in your country while also standing against injustice? - ገለ ሰባት ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ብሓርበኛዊ ወይ ሃገራዊ ሓበን የብዕልዎ፣ ካልኦት ድማ ይሓዝኑን ተቓውሞታትን ኣድማታትን የካይዱን። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ንምኽባር ወይ ንምዝካር ጥሪ 26 ደኣ እንታይ'ዩ፣ ኣንጻር በደል ደው እናበልኩም ብሃገርኩም ክትሕበኑ ትኽእሉ ዲኹም፧ ነዚ ሕቶ ዝፍትሽ ትሕዝቶ ቀሪቡ`ሎ። ሰናይ ምክትታል!

"ምስ ምህዳእ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣቓልቦ ትራምፕ ናብ ዞባና ከተኲር ይኽእል'ዩ።" ዝርርብ ብዛዕባ ፖሊሲታት ፕ/ትራምፕ ምስ ኣቶ ክብረኣብን ኣቶ ሳሙኤልን 21.01.2025

ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

MiniPod: Ep2 Meeting your neighbour   | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 2ይ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ   | ምስ ጎረባብቲ ምፍላጥን ምዕላልን | English on Repeat (Easy) 20.01.2025

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like living here. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል ምስ ጎረባብቲ ምፍላጥን ምዕላልን ክንለማመድ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I live nearby. | I’m new to the area.| How long have you lived here? | I like...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ (20 ጥሪ 2025) 20.01.2025

ን ሎሚ 20 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና...

ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ሙምባይ ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ ኣርሰናል ነጥቢ ትኸስር፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናይ ሽቶ ምምዝጋብ ምረሽኡ ተገቲኡ፣ 19.01.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/01/2025) * ማራቶን ሙምባይ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኤርትራውያን ኣትሌታት ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ ተዓዊቶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ወርሒ መስከረም ሩዋንዳ ኣብ ተአንግዶ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ዓለም ንኤርትራ ወኪሉ ክሳተፍ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ብምኽንያት ብቑዕ ዘይኮነ ትሕተ ቅርጺ ብሓባር ኣብ ዘአንግዳ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን፣ ንግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ቻን) 2024 ናብ ካልእ እዋን ኣመሓላሊፍዎ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ሓጋይ ኣብ ዝዓመረሉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ግጥ...

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተጠንቂቑ። 19.01.2025

በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

MiniPod: Ep1 Speaking English | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 1ይ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ | ምጅማር | English on Repeat (Easy) 16.01.2025

Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I speak a little English. | I’m not used to the Australian accent. | I’m still learning English. | Sorry, I don’t understand. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዝ ንጅምረሉ ኩነታት ክንመሃር ኢና። I speak a little English. | I’m not used to the Australian acce...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (16 ጥሪ 2025) 16.01.2025

ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉ...

ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። 15.01.2025

ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2025) 15.01.2025

ንሎሚ 15 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ** ኣውስትራሊያ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጸረ-ሴማውነት ፍታሕ ንምንዳይ ናይ መምሕድዳር ግዝኣታትን ናይ ፌደራል መራሕቲ ምስ ናይ ፖሊስ ሹማምንቲ ብስሩዕ ክእከቡ እዮም። ** ኣብ ቓዛ ተዂሲ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ኣብ መወዳታኡ ክበጽሕ ከምዝቐረበ ቐጠር ኣፍሊጣ ... ** ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ተኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ፡ ንሆላንዳዊ ቦቲክ ቫን ደ ዛንቹልፕ ብምስዓር ጉዕዞ ዓወቱ ጀሚሩ።

26 ጥሪ ንደቀባት ኣውስትራሊያዊያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ 15.01.2025

ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ህየትን ፡ ወራርን ሓዘንን መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዋ ።

How do heatwaves highlight inequality? - ሙቐት ክብርትዕ እንከሎ ንድኻን ሃብታምን ብማዕረ ዘይጸልወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ፧ 14.01.2025

In the midst of one of the hottest Australian summers on record, experts say heat inequality is deepening social division. - ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ማእከል ሓደ ካብ'ቶም ኣብ መዝገብ ዝወዓዩ ወቕትታት ክረምቲ (ሳመር) እዮም ዘለዉ። ክኢላታት ድማ ናይ ሙቐት ዘይማዕርነት (heat inequality) ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምክፍፋል መሊሱ የጋድዶ'ሎ ይብሉ።

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2025) 14.01.2025

ንሎሚ 14 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት: ዝሰናበት ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ብሩህ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ። ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እተሓድገ መዐደኒ ወርቂ ን ኣዋርሕ ኣብ ጉድጓድ ተደብዮም ዝጸንሑ ፡ ብውሕዱ 100 ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ሞይቶም ተረኺቦም ። ኒክ ኪርጊዮስ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራልያ ኦፐን ተሳቲፉ ብ ስኮትላንዳዊ ጃኮብ ፈርንለይ ተሳዒሩ ካብ ግራንድ ስላም ተገሊፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (13 ጥሪ 2025) 13.01.2025

ን ሎሚ 13 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ: ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራሊያ ኣብ...

ዘይሃስስ ዝኽሪ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ሓማሴን/ኣስመራ፡ ሃይካ ሎጎን ካልኦትን ምስ ኢብራሂም ሓጅ፡ 13.01.2025

ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ዝምልከት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝነድድ ዘሎ ባርዕን ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን። 12.01.2025

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ነበልባል ሓዊ ፡ ህይወት 13 ሰባት ቀዚፉ ኣሎ ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ ተገዲዶም እዮም ። ኣባይቲ ፡ ትካላት ንግዲ ፡ ከምኡ እውን ፍሉይ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ህጹጽ ረድኤት ንምፍጻም ነቲ ሓዊ ኣብ ዘጥፍኣሉ እዋን ፡ ኣብ መላእ ጐረባብቲ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ።

ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ናብ ኣውስትራልያ ክመጹ'ዮም፣ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ዓብሊሎሞ፣ 12.01.2025

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/01/2025) * ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ይዕብልልዎ፣ * ኣብ’ዚ ዓመት ፈላማይ ብዙር ዓለም ዝስራዕ ቅድድም ብሽግለታ ኣውስትራልያ 'ሳንቶስ ቱር ዳውን ኣንደር' ዛጊት ክልተ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ፣ * ዚምባብወ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ት17 ከምዘንሰሓበት ድሕሪ ምፍላጣ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ካርሊንግ ካፕ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ኩዕሶ ኣቐቢሉን ካልእ ከኣ ባዕሉ ኣመዝጊቡን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ንኣርሰናል ኣብ ሜድኣ 2-0 ክትስዕራ ሓጊዙ፣ * ኣብ ኤፍኤካፕ ኣርሰናልን ብ...

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2025) 09.01.2025

ንሎሚ ሓሙስ 9 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተባዕለ ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ...

ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። (ጸብጻባት) 08.01.2025

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ ከም ዝግበር ገሊጹ። ኤርትራ ዋንነተን ናይ ኣዘርባጃን ምኳነን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ከም ዝሓዘት ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌሩ።

"ንሃገረ ግሪን ላንድ ክዕድጋ'የ፡ ካናዳ መበል 51 ግዝ ኣት ኣመሪካ ትኹን።" ትራምፕ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 08/01/2025) 08.01.2025

ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንድሕንነት ኣመሪካ ከተገልግል ስለትኽእል ንሃገረ ግሪንላንድ ክዕድጋ ከም ዝደሊ ገሊጹ፡ ካናዳ ድማ ግዝኣት ኣመሪካ ክትከውን ጸዊዒ ። ኣብ ትቤት ግዝኣት ቻይና ብዘጋጠመ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሑዱ 126 ሞይቶም።

#77 Setting up a tent (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ #77 Setting up a tent (Med) 07.01.2025

Learn how talk about setting up a tent. - Learn how talk about setting up a tent.

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2025) 07.01.2025

ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ጃስቲን ትሩዶ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ካውልፊልድ ዝርከብ ሜዳ መወዳደሪ ኣፍራስ (Racecourse) ፡ ብሓዊ ድሕሪ ምንዳዱ ብፖሊስ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምብራቓዊ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ በዓል ልደት ኣኽቢሮም።

"ልደት፡ ምስ ኣምላኽና ብፍቕሩን ምሕረቱን ዕርቂ ዝረኸብናሉ ዕለት'ዩ።" ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ 06.01.2025

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እዚ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2025) 06.01.2025

ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተ...

Höre den Podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ in Replaio

Radio und Podcasts in einer App - kostenlos und ohne Anmeldung. Installiere sie noch heute und verpasse den Start nicht

Bei Google Play herunterladen

Replaio ist kein Herausgeber von Podcasts; die Namen der Sendungen, Cover und Audioinhalte gehören ihren Autoren und werden über öffentliche RSS-Feeds verbreitet