SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Husk at besøge podcastens hjemmeside og støtte skaberen: www.sbs.com.au
Hvor kan du lytte?
Podcasts i appen Replaio Radio Kommer snartPodcasts kommer snart til appen. Installer nu, og vær den første til at se en helt ny tilgang til podcasts
Episoder
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2025) 20.08.2025 5:52
** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንኣውስትራሊያዊ መዘናኡ ን ኣይሁድ ዝጠለመ ክብል ከሲስዎ... ** ሓማስ ናይ 60 መዓልታት ስምምዕ ተዂሲ ድወ ምባል ተሰማሚዑ፡ እስራኤል ትግምግሞ ኣላ... ** ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ኣብ ዋሽንግቶን ጸቕጢ ይውስኽ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ተፈላጥነት ክትረክብ ጸዊዑ።
Understand Aboriginal land rights in Australia - መሰላት መሬት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እንታይ እዮም፧ 19.08.2025 8:07
You may hear the protest chant, “what do we want? Land rights!” —but what does it really mean? Land is at the heart of Aboriginal and Torres Strait Islander identity, culture, and wellbeing. Known as “Country,” it includes land, waterways, skies, and all living things. In this episode of Australia Explained, we explore Indigenous land rights—what they involve, which land is covered, who can make c...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2025) 19.08.2025 6:57
** ንሳልስቲ ብዛዕባ ቁጠባ ኣውስትራሊያ ዝዝቲ ዋዕላ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ካንቤራ ጀሚሩ። ** ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ዝተገብረ ኣኼባ ሰላም፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ናይ ዩክሬን ፕረሲደንት ቮልድሚር ዘለንስኪን ናይ መጻኢ ተስፋኦም ገሊጾም... ** ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ብ 'መንነቶም ዘይተፈልጡ' ዕጡቓት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ባንክን 11 ሓይልታት ጸጥታን ሞይቶም ተፈሊጡ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025) 18.08.2025 51:55
ን ሎሚ 18 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ነሓሰ 2025) 18.08.2025 10:10
ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ስዒቡ ብውሕዱ 344 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ሓቢሮም ። ኣብ ሱዳን ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም ። መራሕቲ ኤውሮጳ ሎሚ [18 ነሓሰን] ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪይን ፕረዚደንት ዩ-ስ ዶናልድ ትራምፕን ዝግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽካፈሉ ምዃኖም ገሊጾም።
ኣብ ምስራሕ ስራሕ ኣገልግሎት ኤን ዲ ኣይ ኤስ (NDIS) ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን፥ መብርሂ ኣቶ ኣማን መብራህቱ 18.08.2025 15:31
መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ።
ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። 18.08.2025 6:18
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ፡ ቢኒያም ግርማይ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ብሽግለታ ዓለም ናይ ዮዉሃና መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ ከተማ ሽረ ማእኸል ንግዲ ወርቂ ትግራይ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝኾነት ተሓቢሩ። ጋዜጠኛ ሪፖርተር ጋዜጣ ዮናስ ኣማረ ብ"ዘይተፈልጡን መሸፈኒ ዝገበሩ ኣካላት" ተጨውዩ ካርታ ኣፍሪቃ በቲ ልክዕ ዓቐን ናይታ ኣህጉር ክቕየር ተወሲኑ ።
ኣብ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን ዝተዓወተ መን'ዩ፧ 16.08.2025 8:39
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንክብጻሕ ክዘራረብ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ክልቲኦም ክራኸቡ'ንከለዉ ግን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብኡ ኣይተረኽበን። ድሕሪኡ ምስ ትራምፕ ብቴሌፎን ነዊሕ ምስ ተዘራረቡ ግን ሶኑይ ብኣካል ክራኸቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ኩሉ ርክባትን ህዝባዊ ርክባትን ግን መን'ዩ ዝያዳ ተረባሒ ኮይኑ፧
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025) 14.08.2025 49:18
ንሎሚ ሓሙስ 14 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እዚ ቕንያት ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ጎራዙት ዘዘውትራኦ ባህላዊ ጸወታት “ኣሸንዳ” ዘዘውትራሉ ቅነ እዩ። ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ። ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ፡ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025) 14.08.2025 11:02
ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብ...
"ኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ኣሎ።" ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ 13.08.2025 7:56
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2025) 13.08.2025 5:39
** ማዕከን ገንዘብ ከምቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ወግዓዊ መጠን ወለድ ብ 0.25 ሚእታዊ ኣጉድልዎ ።... ** ኣውስትራሊያ ትርከበን 23 ሃገራትን ረዲኤት ናብ ቓዛ ብዘገደብ ክ ኣቱን ቅልውላው ጥምየት ቓዛ ከብቅዕን ንእስራኤአል ሓቲተን። ** ኣብ ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።.
A beginner’s guide to owning a pet in Australia - ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ 12.08.2025 9:07
Bringing a pet into your home can fill it with joy and companionship – but it also comes with important responsibilities. In Australia, new pet owners need to be aware of legal requirements, along with essential tips for training and caring for their animals. - ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ፐት ንብዙሓት ፍቑር ክፍሊ ናይ ህይወቶም እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ናይ ገዛ እንስሳ ዝውንኑ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ወኒንኩም ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም ግና ፡ ብዛዕባ...
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2025) 12.08.2025 5:09
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንመንግስቲ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ከምዝህብ ምስ ኣወጀ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንጉዳይ ድሕነቶም ክሓስብሉ ሓቲቶም። ** ሓደ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ምስተቐትለ ኣብ ምዕራብ ባንክ ዓቢ ስላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ** ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ዲሲ 'ሓራ ንምውጻእ' ሃገራዊ ሓለዋ ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ።..
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025 48:45
ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025) 11.08.2025 14:35
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።
ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። 10.08.2025 9:28
ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ።
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025 52:03
ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መን...
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025) 07.08.2025 12:16
ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።
"ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ ኩነታት ተመሓይሹ ተኣኻኺብና ምስ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ክንበርር።" ጋዜጠኛ SBS ዳርዮ 06.08.2025 23:04
ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። 06.08.2025 11:12
ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ ድማ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ብሑቲ ተወቒዐን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ስግኣት ፈጢረን ተባሂሉ ።
ጽምዋ፡ ንመንእሰያት ዘጎድእ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና 06.08.2025 7:57
ብዛዕባ ጽምዋነት ዝምልከት ዝወአጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣዚዩ ኣብ ዘተሕሳስብ ኩነታት ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2025) 06.08.2025 4:44
** ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ኲንስላንድ ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ኩነታትን ሰላማዊ ተቓዉሞ ይገብሩ ኣለዉ። ** ርዋንዳ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስጎጉ ስደተኛታት ክትወስድ ዝተሰማምዐት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ። ** ጃፓን ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ኣቶማዊ ቦምብ ካብ እትድርቢ 80 ዓመት ትዝክር ኣላ።
#92 Asking for donations (Med) - #92 ብዛዕባ ሓገዝ ምሕታት (ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ) 06.08.2025 15:59
Learn how to ask for money or donations in English. - ከመይ ጌርካ ገንዘብ ወይ ሓገዝ ብቛንቋ እንግሊዝ ከምዝሕተት። Learn how to ask for money or donations in English.
Is Australian tap water safe to drink? - ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧ 05.08.2025 9:10
Access to safe drinking water is essential, and Australia’s often harsh environment means that our drinking water supplies are especially precious. With differences in the availability and quality of drinking water across the country, how do we know if it’s safe to drink? In this episode we get water experts to answer this question and more. - ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ...
Replaio er ikke podcastudgiver; programmernes navne, coverbilleder og lyd tilhører deres ophavsmænd og distribueres via offentlige RSS-feeds.